ሓያሎ ዝፈርሑዎ መራሒ ጕጅለ ገበን፡ ጂሚ ‘ባርቤኪው ቸሪዝየር’ መን’ዩ?

መንግስቲ ሄይቲ፡ ንዓመታት ነታ ሃገር ዘሳቕያ ዘሎ ጐንጺ ገበናዊ ጉጅለታት ይቃለስ እዩ ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 3700 እሱራት ነጻ ዘውጽአ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈጸመ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ ነይሩ።

እቶም ጕጅለታት ዳርጋ 80 ሚኢታዊት ርእሰ ከተማ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ዝቈጻጸሩ ኰይኖም፡ መንግስቱ ኣብ ዘይተረጋገጸ ኩነታት ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣሪኤል ሄንሪ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይጠልቡ።

ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዘፍርሑ ሓለፍቲ ‘ባርቤኪው’ ብዝብል ዝፍለጥ ጂሚ ቸሪዚየር እዩ።

ንሱ፡ መራሒ ናይ ሓደ ካብቶም ኣብ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ዝርከቡ ሓያላት ጕጅለታት፡ ማለት ስድራቤትን መሻርኽትን ጂ-9 (G9 Fanmi e Alye – G9) እዩ።

ቸሪዚየር ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ “ሃገራዊ ፖሊስን ሰራዊትን ሄይቲ ሓላፍነቶም ወሲዶም ንኣሪኤል ሄንሪ ክኣስሩ ንሓትት። ሕጂ'ውን እቲ ህዝቢ ጸላኢና ኣይኰነን፤ እቶም ዕጡቓት ጉጅለታት’ውን ጸላእቶም ኣይኰኑን” ኢሉ።

ቸሪዚየር፡ ፖሊስ እዩ ነይሩ፤ ከመይ ኢሉ ድኣ፡ ሓላፊ ጉጅለ ገበን ክንሱ፡ ንሓደ መንግስቲ ከውድቕ ዝኽእል ዓቕሚ ክሃንጽ ክኢሉ?

ጐደናታት ምቁጽጻር

ቸሪዚየር፡ ንነብሱ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንሄይቲ ዘንቀጥቀጠ ማዕበል ዓመጽ ጉጅለታት ገይሩ ይወስድ።

ኣብ ሓምለ 2021 ፕረዚደንት ጆቨነል ሞይስ ካብ ዝቕተል ንደሓር፡ ኣንጻር እቶም “ብልሹዋት” መራሕቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ኢሉ ዝገልጾም ሰባት ዘቕንዐ ሰውራ ክሰፍሕ ገይሩ’ዩ።

እቲ ፕሬዝደንት ነበር ቅድሚ ምቕታሉ፡ ፕረዚደንት ሞይስ ንኣርያል ሄንሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ገይሩ ሸይምዎ።

ነዚ ስዒቡ፡ ገለ ሰባት ሄንሪ ብምርጫ ዘይመጽአ ስለ ዝዀነ ሕጋውነቱ ኣብ ሕቶ ኣእቲዮምዎ ነይሮም።

ሞይስ፡ ኣይተተክአለን፤ ካብ 2016 ኣትሒዙ ድማ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ኣይተካየደን።

መራሒ ጉጅለ ገበን ቸሪዚየር፡ ዝደልዮም መልእኽቲታት ንምሕላፍን ነቲ ዕጡቕ ጉጅልኡ ዝስዕቡ ሰባት ኣብ ምፍራይን ማሕበራዊ መራኸቢታት ክጥቀም ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ናይ ዩትዩብ ቻነሉ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ኣድላይነት እዞም ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝምልከት ተዛሪቡ እዩ።

“ነዞም ቴክኖሎጂታት ንዝምሃዙ የመስግኖም፤ ሕጂ ቴክኖሎጂ ዓርስና ንህዝቢ ንክነላሊ ዓብዪ ዕድል’ዩ ዝህበና። ሓሶት ኣይኰንኵን ዝሸይጥ ዘለኹ። ኣነ እቲ ዝብሎ እየ፤ 99 ሚኢታዊት እቲ ገይረዮ ዝብሎ ኣይገበርኩን... ቴክኖሎጂ ንነብሰይ ክከላኸል ዕድል ሂቡኒ” ክብል ገሊጹ።

ቸሪዚየር በቲ “ባርቤኪው” ዝብል ሳጓኡእዩ ዝጽዋዕ።

ብ2019 ምስ ማዕከን ዜና ኤፒ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እዚ ሳጓ ሰባት ብሓቂ ኣቃጺሉ ካብ ዝብሉ ክስታት ዝመጽአ ከም ዘይኰነ፡ እኳ ድኣ ኣዲኡ ኣብ ጎደናታት ደርሆ ብምሻጣ ከም ዝዀነ ገሊጹ ነይሩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣመሪካን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን፡ ቸሪዚየር ብኸቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሓታቲ እዩ፤ ክልቲኦም ኣካላት ድማ ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ኣንቢሮም ኣለዉ።

ቸሪዚየር፡ ከም ሓደ ሓላፊ ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ሕጊ ኣልቦ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ኪዳን ትሸዓተ ኣዝዮም ሓደገኛታት ትካላት ገበን፡ ከም ሓደ ሓያል መራሒ ጕጅለታት ገበን ሄይቲ ይቑጸር።

እንተዀነ፡ ድሕረ ባይታኡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ሕጊ እዩ ነይሩ።

ክሳብ ኣብ ታሕሳስ 2018 ካብ ስርሑ ዝስጎግ፡ ምስቲ ናዕቢ ወይ ተቓውሞ ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ዝዋፈር ክፍሊ ምቁጽጻር ህዝቢ ሃገራዊ ፖሊስ ሄይቲ ሰሪሑ።

ሰብመዚ ሄይቲ ቸሪዚየር ኣብቲ ዝተወልደሉ ድኻ ከባቢ ታሕተዋይ ደልማስ መራሒ ጕጅለ ገበን እዩ ኢሎም ይኸሱ።

ኣብ 2017 ኣብ ጥቓ እዚ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ሻውላት ግራንድ ራቪን፡ ኣብ 2018 ኣብ ላ ሳሊን፡ ኣብ 2019 ድማ ኣብ ቤል-ኤየር ዘጋጠመ ሰፊሕ ቅትለት ብምውዳብ ክኣ ይኸሱዎ።

ቸሪዚየር ነዚ ኹሉ ይነጽጐ።

ኣብ ግራንድ ራቪን፡ ኣንጻር ጉጅለታት ገበን ኣብ ዝተወስደ ስርሒት ኣስታት ትሸዓተ ሰባት ተቐቲሎም።

ቸሪዚየር ዝርከብዎም ኣባላት ፖሊስ ሄይቲ፡ ኣብቲ እዋን መንግስቲ ሄይቲ ዘካየዶ ውሽጣዊ መርመራ እቶም ኣባላት ፖሊስ መኽዘን ኣጽዋር ይደልዩ ነይሮም ኣብ ዝበሎ ስርሒት፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም።

ምስ ፖሊስ ሄይቲ ዝሰርሑን ኣብ ውጥን እቲ ስርሒት ዝሓገዙን ኣካላት ልኡኽ ደገፍ ፍትሒ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሄይቲ፡ ኣብ ግዳም ኣብ ሓለዋ ምንባሮም ይግለጽ።

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ሽዑ ሓላፊት ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሄይቲ ዝነበረት ሱዛን ዲ ፔጅ፡ ሰበስልጣን ሄይቲ ነቲ ስርሒት ሓዊሱ “ብኣሃዱታት ሃገራዊ ፖሊስ ሄይቲ ዝቐረበ ክስታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት” ክምርምሩ ዝጽውዕ መግለጺ ኣውጺኣ።

ኣብ 2018 ድማ፡ ኣብ ላ ሳሊን 71 ሰባት ተቐቲሎም፤ 11 ደቂ ኣንስትዮ ተዓሚጸን፤ 150 ኣባይቲ ድማ ዓንዮም።

ኣብ 2019 ክኣ፡ ቤል ኤየር ኣብ ዝተባህለ ሻውል፡ ኣስታት 24 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ዓለምለኻዊ ክሊኒክ ሰብኣዊ መሰላት ቤት ትምህርቲ ሕጊ ሃርቫርድ ገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ሰነ 2020፡ ቸሪዚየር “G9 Family and Allies” ዝተባህለ ሓድሽ ኪዳን ከም ዝመስረተ ብዩትዩብ ቻነሉ ወግዓዊ ገይሩ።

እዚ ፈለማ ካብ ሲተ ሶሌል፡ ላ ሳሊንን ሎወር ደልማስን ዝመጽኡ ትሽዓተ ጕጅለታት ዝቖመ እኳ እንተነበረት፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን ልዕሊ 12 ጕጅለታት ከም ዝሓቘፈን ከም ዝዓበየን ጸብጻብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ብመሰረት ጸብጻብ ሃርቫርድ፡ ኣብ መፋርቕ 2020፡ እቲ ልፍንቲ ኣብ ሲተ ሶሌል ብውሑዱ 145 ሰባት ብምቕታልን ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብምዕማጽ ተኸሲሱ ነይሩ።

“ነበርቲ ብሰንኪ ዘለዎም ፖለቲካዊ ምትእስሳር ዒላማ ከም ዝዀኑ ይኣምኑ፣ እዚ ድማ ን(ሞይስ)ን ፖለቲካዊ ሰልፉን ኣብ ምርጫ ደገፍ ንምርካብ ጻዕሪ ገይሮም” ብዝብል ከም ዝዀነን “ ጂ-9 ምስ ምምሕዳር ሞይስን (ሃገራዊ ፖሊስ ሄይቲን) ርክብ ከም ዘለዎ ይንገር” ይብል።

ሃገራዊ መርበብ ምክልኻል ሰብኣዊ መሰላት ሄይቲ ነዞም ክስታት የቕርብ። ፖሊስ እቲ ከባቢ ንቸሪዚየር ንምክልኻል ሓጊዙ’ዩ እውን ይብል።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020፡ ቤት ጽሕፈት ትሬዤሪ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቸሪዚየርን ካልኦት ኣብቲ ህልቂት ኢድ ኣለዎም ተባሂሉ ዝእመነሎም ሰባትን፡ ሲቪላዊ እገዳ ኣውጺኡ።

እቶም ጕጅለታት ህጻናት ዝርከቡዎም ሰባት ከም ዝቐተሉ ብምግላጽ፡ “ድሕሪኡ ሬሳኦም ናብ ጎደናታት ብምምጻእ ክቃጸል፣ ኣካላቶም ክበታተንን በእንስሳት ክብላዕን ገይሮም” ይብል።

ቸሪዚየር፡ ብተደጋጋሚ ኣብቲ ህልቂት ዝዀነ ይኹን ኢድ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ ንነበርቲ ዝሕግዝን “ዕጡቕ ሰውራ” ዝመርሕን መራሒ ማሕበረሰብ እየ ይብል።

ኣብ ሄይቲ፡ ዘሎ ስርዓት ዘይምዕሩይነትን ፖለቲከኛታትን ንምቅላስ “ኣድላዪ እንተዀይኑ ጠበንጃ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፍ ህጻን ከእቱ እየ” ክብል ተዛሪቡ።

ንሱ ንኤፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ከማይ ኣብ ሓደ ማሕበራዊ ደርቢ ዝነብሩ ሰባት ፈጺመ ኣይጭፍጭፍን፤ ኣነ ኣብ ሻውል እየ ዝነብር። ህይወት ሻውል እንታይ ምዃኑ እፈልጥ እየ” ኢሉ።

ቸሪዚየር፡ ዘካይዶ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ መግብን ጽሩይ ማይን፡ ክህሉ ብምግባር ደረጃ መነባብሮ ድኻታት ንምምሕያሽ ጥራይ ዝዓለመ ምዃኑ ይምጉት።

ዳይረክተር መርበብ ምክልኻል ሰብኣዊ መሰላት ሄይቲ ፒየር ኤስፐራንስ ኣብ 2021 ንቢቢሲ ሙንዶ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ጉጅለታት ገበነኛታት ካብ ፖሊስ ዝሓሸ ዕጥቂ ዘለዎምን ሓለዋ ሰበስልጣንን ዘለዎምን እዮም” ኢሉ ነይሩ።

ኣብ 2021 ዝተፈጸመ ቅትለት ፕረዚደንት ሞይስ ግን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ቸሪዚየር ዝመርሖ ጉጅለ መቐይሮ ነጥቢ ኣምጺኡ ይብሉ ከም ፖርታል ኢንሳይት ክራይም (ኣብ ኣሜሪካ ማእከሉ ዝገበረ ገበናት ዘጽንዕ ፋውንዴሽን) ዝኣመሰሉ ዓለምለኻውያን ተንተንቲ።

እዚ ድማ፡ ካብ መንግስቲ ዝረኽቦ ዝነበረ ሓለዋ ክስእል ከም ዝገበሮ ይገልጹ።

ሓይልኻ ምርኣይ

ቸሪዚየር ንነብሱ ከም ፖለቲካዊ መራሒ ስለ ዝርኢ፡ መግለጺታት ይህብ፣ ኣብታ ዓመጽቲ ዝበዝሑዋ ርእሰ ከተማ ዝውደቡ ሰልፍታት ይመርሕን ጽልዋኡ ንምድልዳል ብተደጋጋሚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይጥቀምን።

“እቶም ባንዳታት ብዘይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምቲ ኣብ ሄይቲ ዘለዉዎ ሓያላት ክዀኑ ኣይኽእሉን” ክብል ኣማኻሪ ፖለቲካ ኢቨንስ ራምቦልድ ንዋሽንግተን ፖስት ተዛሪቡ።

ቸሪዚየር ናይ ዩትዩብ ኣካውንቱ ተጠቒሙ፡ ጉጅለ-9 ከም ዝተፈጥረ ወግዓዊ ገይሩ።

ፖሊስ ድማ፡ ነቲ ሕጂ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኣስሮ ኣተሓሳሲቡ፤ ኣብ ትዊተር ድማ ነቲ ሕጂ ዘሎ ገዛኢ ደርቢ ንምእላይ እታ ሃገር ክ ስጉምቲ ትውሰድ ጸዊዑ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ቲክቶክ፡ ብዛዕባ ኣብ ጎደናታት ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ዝፍጸም ዘሎ ጉዳያት መልእኽቲ ዘሕልፉ ካልኦት መራሕቲ እቲ ገበናዊ ጉጅለታት ተራእዮም እዮም።

ኣብ ባይታ ዘለዎ ጽልዋ’ውን ግን ይዓቢ እዩ ዘሎ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021፡ ድሕሪ ሞት ሞይስ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ክፍተት ዝመልአ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣርያል ሄንሪ፡ ሕቑፊ ዕንበባ ከየንብር ብዕጡቓት ኣባላት ጕጅለ ቸሪዚየር ተኸልኪሉ’ዩ።

ኣብቲ ግዜ፡ እቶም ዕጡቓት ናብ ሰማይ ጥይት ተኲሶም።

ድሕሪኡ እቲ መራሒ ጕጅለ ጻዕዳ ሱፍ ተኸዲኑ ብዓጀብቱ ተሰንዩ ኣብቲ ሓወልቲ ሕቑፊ ዕንበባ ኣቐሚጡ።

ቸሪዚየር ንመብዛሕትኡ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ናዕቢ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሄንሪ ብምንቃፍ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ብተደጋጋሚ ጸዊዑ።

ንሱ፡ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ “ኣርያል ሄንሪ ሰዓት 8፡00 ካብ ስልጣኑ እንተወሪዱ፡ ሰዓት 8፡05 ንዅሉ መገዲ ዝዓጸወ ነገራት ከነልዕሎ ኢና። ድሕሪኡ፡ እተን መካይን ነዳዲ ክመልኣ ክመጽኣ ይኽእላ፡ ድሕሪኡ ድማ እቲ ቅልውላው ደው ክብል'ዩ" ክብል ንማዕከን ዜና ኣል ጄዝራ ተዛሪቡ።

እቲ ዝመርሖ ኪዳን ጕጅለታት ገበን፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሄንሪ ጸቕጢ ንምፍጣር፡ ኣብ 2022 ዕጽዋ ነዳዲ ብምውዳብ፡ ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ነታ ሃገር ሽባ ብምግባር ብሰበስልጣን ሄይቲ ክኽሰስ ጸኒሑ።

እቲ ሕጽረት ነዳዲ ነቲ ኣብ ሄይቲ ዝነበረ ሰብኣዊ ኩነታት ኣጋዲድዎ።

ቸሪዚየር፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ እቲ እገዳ ከም ዘልዕሎ ገሊጹ፤ “መራሕቲ መካይን ብዘይ ዝዀነ ስግኣት ናብቲ መዐደሊ ነዳዲ ክመጽኡ ይኽእሉ” ክብል ብ6 ሕዳር 2022 ተዛሪቡ።

ጉጅለኡ G-9 ምስቲ ኣንጻር እቲ ዝተቐትለ ፕረዚደንት ሞይስ ዝዀኑ ውድባት ርክብ ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ተቐናቓኒ ጉጅለ G-Pèp እውን ደማዊ ኲናት ከካይድ ከም ዝጸንሐ ‘ኢንሳይት ክራይም’ ሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ጉጅለታት ዝለዓል ተኹስን ውግእን ልሙድ ኰይኑ፡ እዚ ካብቶም ዝደኸዩ ከባቢታት ክሳብ ማእከላይ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ዕርቂ G9 - G-Pèp ከም ዝተፈጸመ ዝገልጹ ጸብጻባት ነይሮም።

እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ እቶም ጕጅለታት፡ ከምኡ’ውን ሓለዋ መንግስቲ ኣብ ዘይብሉ ምስ ዝተመስረቱ ጉጅለታት ፖሊስን ካልኦትን ዝለዓል ጐንጺ ቀጺሉ።

ብሰንኩ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ መንበሪ ገዝኦም ክመዛበሉ ተገዲዶም።