እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓለም ብዛዕባ ንመጻኢ ከጋጥም ዝኽእል ለበዳ ሕማም 'ኤክስ' ትዝቲ
ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዳቮስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓለምለኸ ቁጠባዊ መድረኽ መራሕቲ ኢንዱስትሪ ጥዕና፡ "ሕማም ኤክስ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ለበዳ ሕማም ክጋጥም ከምዝኽእል ምውጣን ኣገዳሲ ከምዝዀነ ክዛተዩ ጸኒሖም እዮም።
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣቐዲሙ ከምዚ ዓይነት ቅድመ-ምድላው ምግባር ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝተራእየ ዓይነት ዕንወት ከይክሰት ንምክልኻል ጠቓሚ ከምዝዀነ ገሊጹ።
ኣብነት ኣብ ግዜ ኮሮናቫይረስ ነቲ ሕማም ክጻወር ዘይክእል ስርዓታት ሕክምናን ኣብ ቍጠባ ዝጠፍአ ትሪልዮናት ዶላራትን ኣብ ምንካይ ወሳኒ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ሕማም ኤክስ እንታይ እዩ?
ናይ ብሓቂ ሕማም ኣይኰነን። ንገለ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘይፍለጥ ተላባዒ ኵነታት ንምምልካት ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተቐበሎ ግምታዊ ቃል ኰይኑ፡ ለበዳ ወይ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ወይ ኣህጉራት እንተተዘርጊሑ ለበዳ ከስዕብ ዝኽእል ሕማም እዩ።
እቲ ቃል ንባዕሉ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተዳለወ እዩ። ኣብ ለካቲት 2018 ብውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝወጸ ቀዳምነት ዝወሃቦም ሕማማት ኣብ ዝርዝር ኣትዩ ነይሩ።
ውጥን ምርምርን ምዕባለን ብጥምረት ክኢላታት ዝተማህዘ ዓለማዊ ስትራተጂ ኰይኑ፡ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝተጸውዐ እዩ። ኣብ እዋን ለበዳ ንጥፈታት ምርምርን ምዕባለን ብቕልጡፍ ንኽንቀሳቐስ ዘኽእል ውጥናት ድልውነት ዘጠቓልል እዩ።
ዕላማኡ ድማ ህይወት ሰባት ንምድሓንን ሰፊሕ ቅልውላው ንምውጋድን ክውዕሉ ዝኽእሉ ውጽኢታውያን መርመራታት፡ ክታበታትን መድሃኒታትን ምቅልጣፍ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብርክት ዝበሉ ዓለማዊ ለበዳ ሕማማት ርኢና ኢና። ኣብነት ጉንፋዕ ሓሰማ፡ ኢቦላን ኮሮና ቫይረስን።
ክኢላታት ጥዕና፡ እቲ ዝቕጽል ዓቢ ለበዳ ኣብ መንገዲ ክህሉ ከምዝኽእልን፡ ካብቲ ብኮሮናቫይረስ ዘምጽኦ ጠንቂ ኮቪድ-19 ዝኸበደ ክኸውን ከምዝኽእልን ይሰግኡ።
ሕማም ኤክስ ለብዒ ከስዕብ ድዩ?
ሕማም ኤክስ ኣብዚ እዋን’ዚ ከምዘሎ እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ተመራመርትን ክኢላታትን ንኸምዚ ዝበለ ቫይረስ ንምምካትን ስርዓተ ጥዕናኦም ንምድላውን ዝሕግዝ ውጥን ስራሕ ብንጥፈት ክሕንጽጹ ተስፋ ኣሕዲሮም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኸ ቍጠባዊ መድረኽ፡ ብሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝምራሕ “ቅድመ ምድላው ንሕማም ኤክስ" ብዝብል ኣርእስቲ ዘተ ተኻይዱ ነይሩ።
ኣብቲ ኣኼባ፡ እቲ ከጋጥም ዝኽእል ሕማም ኣዝዩ ቀታሊ ከይከውን ምእንቲ ኣብ ስርዓታት ክንክን ጥዕና እኹሉ ቅድመ ምድላው ከምዘድሊ ተዛሪቡ።
ዶ/ር ቴድሮስ ኣስዒቡ፡ "ብርግጽ እዚ ስንባደ ክፈጥር ይኽእል እዩ ዝብሉ ሰባት ኣለዉ። እንተዀነ ኣብ ታሪኽና ብዙሕ ግዜ ስለ ዘጋጠመ ክኸውን ዝኽእል ነገር ኣቐዲምና ምግማት፡ ንዕኡ ድማ ምድላዋት ይሓይሽ" ይብል።
ከምቲ ቢቢሲ ኣብ 2021 ዝጽሓፎ፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንመብዛሕትኡ ክፋል ዓለም ሃንደበት ኣዛቢዕዎ’ዩ። “ይዅን እምበር ክኢላታት ለበዳ ንነብስና ንዓለማዊ ለበዳ ከነዳሉ ከም ዘለና ኣጠንቂቘም ነይሮም።"
መብዛሕትኦም እቶም ክኢላታት፡ ለበዳታት ኣብ እንስሳታት ብኸመይ ከምዝምንጭዉ’ዮም ዝጭነቑ።
ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ 75 ሚእታዊት ካብቶም ሓደስቲ ዝቕልቀሉ ሕማማት ‘ዙኖቲክ’ ምዃኖም ይንገር። እዚ ቃል እዚ ሓደ ሕማም ካብ እንስሳታት ናብ ሰብ ክዝርጋሕ ምኽኣሉ ዝገልጽ እዩ።
ኮቪድ-19 ኣብ ቻይና ኣብ ዕዳጋታት ካብ ዝሽየጥ ፓንጎሊን ከምዝተበገሰ’ዩ ዝግለጽ። ከም ኮቪድ-19 ግን ‘ዞኖቲክ’ ሕማማት ብሰንኪ ተግባራት ደቂ ሰባት ዝያዳ ሓደጋ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ይግመት።
ደቂ ሰባት ኣብ ክሊማ ዘለዎም ጽልዋ፡ ኣብ መነባብሮ እንስሳ ዘገዳም ምጥሓስን ዓለማዊ ጉዕዞን እንስሳት ወለድ ሕማማት ንኸስፋሕፍሑ ኣበርክቶ ገይሩ’ዩ።
ምስ ከተማነት፡ ልዕሊ ዓቐን ብዝሒ ህዝብን ዓለማዊ ንግድን ተደሚሮም፡ ተወሳኺ ለበዳታት ንኽመጽእ ምቹእ ባይታ ኣቐሚጦም ከምዘለዉ ገለ ክኢላታት ይኣምኑ።
ዓለም ንቐጻሊ ለበዳ ከመይ ትዳሎ ኣላ?
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብቲ ናይ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ቍጠባ ከምዝገለጾ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ንኻልእ ለበዳ ንምድላው ዝሕግዙ ስጕምትታት ድሮ ምትግባር ከምዝጀመረ ሓቢሩ።
እዚ ድማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ማዕከን ለበዳን "ማእከል ምትሕልላፍ ቴክኖሎጂ"ን ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ክታበት ንምፍራይ ዘኽእልን ኣብ መላእ ልዑልን ትሑትን እቶት ዘለወን ሃገራት ንዝፍጠሩ ጉዳያት ዘይምዕሩይነት ክታበት ንምብዳህ ዝሕግዝ እዩ።
ማእከል ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣውሮጳ፡ ኣብ 2022 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ምስ ተላባዕቲ ሕማማት ብዝተተሓዝ ሓደስቲ ስርዓታት ኣብ ክንዲ ምምዕባል፡ ነባራት ስርዓታት ክሕይሉ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ኣብ ሰነ 2022 ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ምስ ጥዕና ዝተኣሳሰር መረዳእታ ንምሕያል 10 እማመታት ኣሕቲሙ ነይሩ።
"ለበዳ ሕማማት ቅድሚ ተስፋሕፊሑ ህይወት ሰባት ቅድሚ ምቝጻዩ፡ ብቕልጡፍ ንምፍላጥ ውጽኢታዊ ስርዓተ ምክትታል ሕማማት ምትእትታው ኣገዳሲ'ዩ" ክብል እቲ እማመ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ብተወሳኺ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ለበዳታት ኵሉ ግዜ ካብ ዝተፈለጠ ምንጪ ከምዘይመጽእ፡ ግን ከኣ "ኣብዚ እዋን'ዚ ሕማም ደቂ ሰባት ብዘይፍለጥ ረኽሲ ክመጽእ ከምዝኽእል" ይኣምን።
መብዛሕትኦም ሰባት ድማ ኣብ ቴክኖሎጂ ክታበት ተወሳኺ ምዕባለታት ክህሉ ይግምቱ። ብርክት ዝበሉ ክታበታት ኮቪድ-19 እቲ ለበዳ ካብ ዝተርኣየሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም ክቐርቡ ጀሚሮም።
ኣብ መጻኢ፡ ተመራመርቲ ስነፍልጠት፡ ንሰባት ንምክልኻል ዝሕግዙ ሓደስቲ ክታበታት ንምፍጣር፡ ነቲ ዝጸንሐ ክታበት ብቕልጡፍ ከማዕብልዎ ኣለዎም።