እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብ ሰሜን ኮርያ ዝገበርክዎ ምብጻሕን ኣብታ ሃገር ዝጸንሓኒ ሕግታትን
ጓል 33 ዓመት ኣናስታስያ ሳምሶኖቫ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ሓምለ ቀዳሞት ናብቲ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝተሰርሐ ዎንሶን ካልማ ዝተሰመየ መዘናግዒ ማእከል ክበጽሑ ዝኸኣሉ በጻሕቲ'ያ።
ብሰንኪ ዝግበረሎም ዝነበረ ክቱር ሓለዋ ኣካላት ጸጥታ ንሳን እቶም ምስኣ ዝነበሩ መጋይሽታን ብፍጹም ኣብ ምዝንጋዕ ዘለዉ ኰይኑ ከም ዘይተሰመዖም ገሊጻ።
ሰሜን ኮርያ ንኽትኣትዋን ክትወጽኣን ኣዝያ ኣሸጋሪት ኰይና ዳርጋ ካብ መላእ ዓለም ተገሊላ ዘላ ሃገር'ያ። እዚ ስለ ዝዀነ'ዩ ናብታ ሃገር ዝግበር ምብጻሕ ኣገራሚ ዝገብሮ።
ፕረዚደንታ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ንእሽተይ እንከሎ ዝዘናጋዓሉ ዝነበረ ገምገም ባሕሪ ዎንሶን ካልማ ኣዝዩ ኣወቒቡ ብሓደ ሓምለ ንበጻሕቲ ክፉት ምዃኑ ብምግላጽ ኣመሪቕዎ።
እቲ ኣብ ጥቃ ማእከል መፈተኒ ሚሳኤል ተሃኒጹ ዘሎ መዘናግዒ ሆቴላት፡ ኣብያተ መግቢ፡ ዓበይቲ ሞላትን 'ዋተር ፓርክን' ዘለዎ ምዃኑ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ግዜኡ ኣቓሊሐን ነይረን።
እቲ መዘናግዒ ማእከል ንዝዀነ በጻሒ ክፉት ምዃኑ'ኳ እንተተሓበረ ክሳብ ሕጂ ሩስያውያን በጻሕቲ ጥራይ'ዩ ተፈቒዱሎም ዘሎ።
ኣናስታስያ ሳምሶኖቫ፡ ምስ ካልኦት 14 ሰባት ብምዃን'ያ ናብቲ ቦታ ምብጻሕ ኣካይዳ።
እንተዀነ ኩሉ ምንቅስቓሶም ኣዝዩ ጽኑቕ ምክትታል ይግበረሉ ከም ዝነበረን ዝዀነ ናይ ጉዕዞ ምቕያያራት ብላዕለዎት ሰብ መዚ ሰሜን ኮርያ ፍቓድ ከይረኸበ ከም ዘይፍጸም ገሊጻ።
"እቶም ኣካላት ጸጥታ ምስ ዝዀነ ወዲ ዓዲ ዝዀነ ዓይነት ናይ ቃላት ምልውቃጥ ከይንገብር" ዝኸታተሉ ምዃኖም ሓበሬታ ከም ዝተውሃባ'ውን ሓቢራ።
ኣናስታስያ ሳምሶኖቫ ምስ ቢቢሲ ሩስያ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት "ኣብ ጎደናታት ክንዛወር እንከለና ሰባት ተገሪሞም'ዮም ዝጥምቱና ነይሮም፤ ምኽንያቱ እታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ዝዀነ ወጻእተኛ ከይኣትዋ ተረጊጣ'ያ ነይራ፡" ኢላ።
ጽቡቕ ቦታ ንምሓዝ ዘይትዳፍኣሉ መዘናግዒ
ኣብ ሓደ ዕሙር መዘናግዒ ኣብ ትኸደሉ፡ ነዊሕ ከርእየካ ዝኽእል ምቹችእ ቦታ ንኽትረክብ ክትጓየን ክትደፈፋእን ንቡር'ዩ።
ኣብ ሰሜን ኮርያ ከምኡ የለን፤ እቲ መዘናግዒ ማእከል ገፊሕ'ዩ እቲ ዝበጽሕ ከኣ ብኣጻብዕ ዝቁጸር'ዩ።
ኣናስታስያ ሳምሶኖቫ ንሳን እቶም ምስኣ ዝኸዱን ዝዀነ ህንጻታት ከይስእሉን ንኣካላቶም ቀሊዑ ዘርኢ ክዳን ከይለብሱን ብወግዒ ከም ዝተነገሮም ሓቢራ።
ምስ ኩሉ ክልከላታቱን ምቁጽጻርን "ነቲ ሰብ ዘይበሉ ኣዝዩ ጻዕዳ ሑጻ ዘለዎ ገማግም ባሕሪ" ኣዝያ ከም ዝተዘናጋዓትሉ ኣይሓብአትን።
"መዓልታዊ እቲ ገምገም ባሕሪ ይጸሪ፡ እቲ ሑጻ ከኣ ብግቡእ ይምድመድ። ኩሉ ነገር ኣዝዩ ጽፉፍን ጽሩይን'ዩ። እቲ መዘናግዒ ማእከላት ኩሉ ኣበር ዘይትረኸብሉ ሓዲሽ'ዩ። ብሓቒ ኣዝዩ ደስ ዝብል ገምገም ባሕሪ'ዩ፡" ኢላ።
ኮቪድ 19 ካብ ዝጅምር፡ ዝርግሐ እቲ ሕማም ንምግታእ ዝዀነ በጻሒ ናብታ ሃገር ከይኣቱ ተኸልኪሊ'ዩ ጸኒሑ።
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዞም ግን ሩስያውያን በጻሕቲ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ተፈቒድዎም።
ኣብ ለካቲት'ውን ካብ ኣውስትራልያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ብርጣንያን ዝመጽኡ በጻሕቲ'ኳ እንተተቐበለት ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዛ ግን ምኽንያት ከይነገረት ብጀካ ካብ ሩስያ ዝመጽኡ በጻሕቲ ዝዀነ ከም ዘይትቕበል ገሊጻ።
መዘናግዒ ማእከል ዎንሶን ካልማ ከኣ ኪም ነታ ሃገር መስሕብ በጻሕቲ ንምግባር ዓሊሙ ካብ ዝሰርሖም መዛናግዒ ማእከላት'ዩ።
ኣብ 2017 ሰሜን ኮርያውያን ልኡኻት ኣብ ሃገሮም መስሕብ በጻሕቲ ዝኸውን ሓሳብ ንምርካብ ናብቲ ኣብ ስጳኛ ዝርከብ መዘናግዒ ማእከል ቤኒዶርም ምስ ከዱ፡ ኣብቲ ቦታ ዝተዓዘብዎ ንመራሒኦም ምስ ኣቕረብሉ'ዩ ኪም ነቲ ሓሳብ ኣጽዲቑ ናብ ግብሪ ተኣትዩ።
ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላት ነቲ መዘናግዒ ማዕከል ንምህናጽ ግዱድ ዕዮ ከም ዝተፈጸመ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።
እታ ሃገር ብኸመይ ከም ዝተሰርሐ ክሳብ ሕጂ ብምስጢር'ያ ሒዛቶ ዘላ።
ንበጻሕቲ ምስ ተኸፈተ ድሕሪ ሰሙናት ሰሜን ኮርያ ብጀካ ሩስያውያንን ምስታ ሃገር መሻርኽቲ ካብ ዝዀና ሃገራት ዝመጽኡ በጻሕትን ንዝዀነ በጻሒ ከም ዘይተፍቕድ ኣዊጃ።
ክሳብ ሕጂ ካብ ሩስያ ክልተ ጉጅለታታት በጻሕቲ ናብቲ ቦታ ኣትዮም ኣለዉ። እቲ ሓደ ጉጅለ ሕጂ'ውን ኣብቲ ቦታ'ዩ ዘሎ።
ካብ ሩስያ ተበጊስካ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝግበር ሰለስተ ለይቲ ኣብ ዎንሶን ካልማ መሕደሪ ዘጠቓለለ ሓደ ሰሙን ብድምር 1800 ዶላር'ዩ ዝውድእ።
እቲ ከኣ ካብ ወርሓዊ ኣታዊ ሓደ ሩስያዊ ብ60 ሚኢታዊት ዝዛይድ'ዩ።
ገለ ኣወዓዋዕቲ ትካላት፡ ዎንሶን ካልማ ኣብ ጥቃ መደበር ፈተነ ሚሳኤል ስለ ዝርከብ ሚሳኤል ክፍተን እንከሎ ናይ ምርኣይ ዕድል ከም ዘሎ'የን ዝገልጻ።
ኣናስታስያ ሳምሶኖቫ ግን ንሳ ኣብኡ እንከላ ዝዀነ ፈተነ ናይ ሚሳኤል ከም ዘይተኻየደ፡ ብምስሊ ሚሳኤል ናይታ ሃገር ዝተሰርሑ ቅርጻታት ግን ብኣስታት 40 ዶላር ይሽየጡ ከም ዝነበሩ ገሊጻ።
ኣናስታስያ ሳምሶኖቫ ንሳን ጉጅለኣን ንግሆ ተሲኦም ሰዓት ሸሞንተ ቆሪሶም፡ እቲ ብሓለዋ ዝተሰነየ ንጥፈታት ሰዓት ትሽዓተን ፈረቓን ይጅመር ምንባሩ ትገልጽ።
መግቢ ከኣ መብዛሕትኡ ስጋ ኮይኑ ኣዝዩ ሽኮራውን መጺጽን ምንባሩ ገሊጻ።
500 ሚሊ ሊትር ቢራ ኣዝዩ ሕሱር ኰይኑ ኣብቲ መዘናግዒ ማእከል ብ60 ሳንቲም ይገዝእዎ ነይሮም።
ካልእ ናብ ሰሜን ኮርያ ዝበጽሐት ዳርያ ዝተባህለት ሩስያዊት ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ "እቲ ምብጻሕ ከምቲ ሩስያውያን ዝለመድናዮ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ኣይኰነን፡ እንድሕር ድኣ ናብ ኤስያ፡ ቱርክን ካልእን ምጋሽ ኣድኪምኩምን ፍልይ ዝበለ ነገር ክትፍትኑ ደሊኹምን ግን እቲ ቦታ ኣውራ'ዩ፡" ኢላ።
እንተዀነ እታ ሃገር ብሕጂኸ ሩስያውያን በጻሕቲ ክትቕበል ድያ ንዝብል ሕቶ ተኣማሚንካ ትምልሶ ኣይኮነን።
እተን ኣብ ሩስያ ኮይነን ናብ ሰሜን ኮርያ ምብጻሕ ዘሳልጣ ኣጄንሲታት፡ ኣብ መፋርቕ መስከርም ናብ ሰሜን ኮርያ ምብጻሕ ከም ዝህሉ'ኳ ምውዕዋዕ ጀሚረን እንተነበራ፤ ዳሕራይ ግን ነቲ መወዓውዒ ኣልየነኦ።
ብሓፈሻ ሩስያውያን ጥራይ ኣይኰኑን ናብ ዎንሶን ካልማ ንምብጻሕ ዝጽገሙ ዘለዉ።
ተወለድቲ ናይታ መዳውብትን መላፍንትን ሰሜን ኮርያ ዝኾነት ቻይና'ውን ናብቲ ቦታ ንኽበጸሑ ይጽገሙ ከም ዘለዉ ኣብ ዩኒቨርስቲ ስኦል ክኢላ ርከባት ሰሜን ኮርያን ሩስያን ፕሮፌሰር ኣንድሪ ላንኮቭ ይሕብር።
ንሱ ሰሜን ኮርያ፡ ዜጋታት ንነብሶም ምስቶም ሃፍታማት መጻሕቲ ከነጻጽርዋ ከይጅምሩ ብምስጋእ ደይ መደይ ኢላ ንቁጽሪ በጻሕቲ ትድርቶ ከምዘላ የብርህ።
ኣንድሪ ላንኮቭ "እቶም ኮርያውያን እዞም ሰባት ብዘይ ዓቢ መራሑና፡ ወዱን ጓሉን ከመይ ኢሎም'ዮም ኣዝዩ ጽቡቕ ዝነብሩ ዘለዉ ክብሉ ይኽእሉ'ዮም፡" ይብል።
ምስ ኩሉ እገዳኡ፡ ሰሜን ኮርያ ንሩስያውያን በጻሕቲ ክፍትቲ ምዃና ምስ ሓበረት፡ ብዙሓት ሩስያውያን'ዮም ናይታ ሃገር ናይ ምኻድ ድሌት ኣሕዲሮም።
ምስቲ ሩስያውያን ናብ ካልእ ሃገራት ዘካይድዎ ምብጻሕ ክነጻጸር እንከሎ ግን ኣዝዩ ውሑድ'ዩ።
ኣብ 2024 ኣስታት 1500 ሩስያውያን ከም በጻሕቲ ናብ ሰሜን ኮርያ ከም ዝገሹ ካብ ሩስያ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።
ንምንጽጻሩ ግን ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት 6.7 ሚልዮን ሩስያውያን ናብ ቱርኪ፡ 1.9 ሚልዮን ሩስያውያን ከኣ ናብ ቻይና ምብጻሕ ኣካይዶም።
ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት 2025 ግን 1673 ሩስያውያን ናብ ሰሜን ኮርያ ምብጻሕ ኣካይዶም።
ኣብ ውሑድ ግዜ ክንድዚ ዝኣኽሉ በጻሕቲ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ድሕሪ 2010 እዚ ንፈለማ'ዩ።
ዎንሶን ካልማ ንክስራሕ መንግስቲ እታ ሃገር ካብ 2018 ምጅማር እቲ ፕሮጀክት ጀሚሩ ሰባት ልዕሊ ግቡእ ንኽሰርሑ የገድድ ከም ዝነበረ ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላት ብተደጋጋሚ ከጋሕዎ ጸኒሖም'ዮም።
ቢቢሲ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ለንደን ንዝርከብ ኢምባሲ ሰሜን ኮርያ ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪቡ'ዩ። መልሲ ግን ኣይረኸበን።
ዋላ ድኣ ናብ ዎንሶን ካልማ ንምብጻሕ ዘሎ ጸገማትን ኣብታ ሃገር ምስ ኣተኻ'ውን ዘሎ ክቱር ምክትታል ኣካላት ጸጥታን እታ ሃገር ይሃሉ፡ ኣናስታስያ ሳምሶኖቫ ናብታ ሃገር ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዳግማይ ክትበጽሕ ዓቢ ድሌት ኣለዋ።
"እዞም ብሓባር ዝኣተና ጉጅለ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት'ውን ብሓባር ክንከይድ ኣብ ሓሳብ ኣለና፡ ይክኣል ድዩ ኣይክኣልን ርግጸኛ ኣይኰንኩን፡ ካልእ ኣብ ጥቃ ዎንሶን ካልማ ካልእ ኣብ ሰማይ ትበረሉ መዛናግዒ ማእከል ከምዘሎ'ውን ስለዝሰማዕና ናብኡ'ውን ሓንቲ መዓልቲ ንበጽሕ ንኸውን፡" ኢላ።