ልዕሊ 40 ሽሕ ዓመታት ዘቝፀረ ጥንታዊ መሳርሒ ሃድን

እቲ ኣብ ዓለምና ጥንታዊ ዝበሃል 'ቡመራንግ' ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሕሰብ ዝነበረ ዕድመኡ ዝያዳ ዝነውሐ ብምዃኑ፡ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነብሩ ደቂ ሰባት ዝነበሮም ብልሓት በሪኽ ከምዝነበረ ሂቡ።

እዚ ኣብ 1985 ኣብ ፖላንድ ኣብ ዝርከብ ሓደ በዓቲ ዝተረኽበ መሳርሒ፡ ሕጂ ዕድመኡ 40 ሽሕ ከም ዝዀነ ይግመት። ተመራመርቲ ስነ-ኵዕታ፡ ካብ ስኒ ሓርማዝ ብዘገርም ደረጃ ክእለት ዝተሰርሐ ምዃኑ ይዛረቡ።

ተመራመርቲ ካብ ቅርጺ ኣሰራርሓኡ ተበጊሶም ከምዝተዓዘብዎ እንተዀይኑ እቲ መሳርሒ ንቕድሚት ክውንጨፍ ይኽእል'ዩ፣ እንተዀነ ናብቲ ዝደርበየ ኣካል ግን ኣይምለስን።

ባህላዊ ወይ ስነ-ጥበባዊ ዋጋ ነይርዎ ክኸውን ከምዝኽእል ዝገመቱ እዞም ተመራመርቲ፡ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ሰባት እንስሳት ንምህዳን ይጥቀምሉ ከምዝነበሩ ኣሚቶም።

ኣብ መጀመርታ ኣስታት 30,000 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ኣዝዩ ጥንታዊ ተገይሩ እዩ ዝሕሰብ ነይሩ።

ኣብዚ ቦታ ዝተረኽበ ሓድሽን ዝያዳ ዘተኣማምንን ሬድዮካርቦን ቅሪተ-ሰብን እንስሳን ግን ካብ 39,000 ክሳብ 42,000 ዓመት ከምዝኾነ ይሕብር።

"ኣብ ዓለም እቲ ጥንታዊ ቡመራንግ'ዩ፡ ኣብ ዓለም ድማ ብኸምዚ ቅርጽን ክንድዚ ነዊሕን ዝተሰርሐ ኣብ ፖላንድ ዝርከብ እንኮ'ዩ" ክትብል ዶክተር ሳህራ ታላሞ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቦሎኛ ኢጣልያ ገሊጻ።

ብፍላይ ድማ ቅድሚ 42 ሽሕ ዓመታት ዝነብር ዝነበረ ዓሌት ሰብ- 'ሆሞ ሳፒየንስ' እንስሳታት ንምህዳን ይጥቀመሉ ከምዝነበረ ብምጥቃስ ብዛዕባ ባህርያት ደቂ ሰባት "ዘደንቕ ርድኢት" ከምዝህብ ሓቢራ።

እቲ ቡሜራንግ ብፍሉይ መልክዑ ብጽቡቕ ዝተዓቀበ ኮይኑ ብየማናይ ኢድ ውልቀሰብ ንኽጥቀመሉ ተጸሪቡንን ተቐሪጹን ከም ዝነበረ ይሕብር።

ቡመራንግ ብሓፈሻ ምስ ባህሊ ኣውስትራልያ ዝተኣሳሰሩ እዮም።

ይኹን እምበር፡ ካብ ኣውስትራልያ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ታሪኻዊ መዝገብ ሳሕቲ ዝተርአየ ርኽበታት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ኣህጉራት ከም ዝተጠቕሙ ይሕብሩ።

እቲ ዝጸንሐ ዝፍለጥ ቡማራንግ ካብ ኣውስትራልያ ቅድሚ ኣስታት 10,500 ዓመት ዝጅምር ኮይኑ፡ ካብ ዕንጨይቲ ዝተሰርሐ እዩ።

ኣብ ኣውስትራልያ እቶም ዝጸንሑ ምስልታት ቡመራንግ ግን 20 ሽሕ ዓመት ዝዕድሚኦም ስእልታት ስነ-ጥበብ ከውሒ ምዃኖም ሃገራዊ ቤተ መዘክር ኣውስትራልያ ይሕብር።

ኣብ መንጎ ዴንማርክን ጀርመንን ኣብ እትርከብ ሓውሲ ደሴት ዩትላንድ፡ ኣስታት 7000 ዓመታት ዘቝፀረ ዕንጨይቲ ቡመራንግ ክርከብ እንከሎ፡ ቁርጽራጽ ናይ ሓደ 2000 ዓመት ዝገበረ ጽሕዲ ቡሜራንግ ኣብ ሆላንድ ተረኺቡ።

ካብ ፖላንድ፣ ኢጣልያ፣ ጀርመን፣ ፈረንሳ፣ ስዊዘርላንድን ዓባይ ብሪጣንያን ዝመጹ ጉጅለ ሳይንቲስት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣብ መጽሔት ፕሎስ ዋን ተሓቲሙ ኣሎ።