እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ካብ ሩስያ ዝተለገሰላ 25 ሽሕ ቶን እኽሊ ተቐቢላ
ኣብ ዝሓለፈ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ቃል ብዝኣተዎ መሰረት፡ ኤርትራ ካብ ሩስያ ዝተላእከ 25 ሽሕ ቶን እኽሊ ከም ዝበጽሓን፡ ነቲ ኣኽሊ ዝጸዓነት መርከብ ብሓሙስ 4 ጥሪ ወደብ ባጽዕ ከምዝኣተወትን ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኤርትራ ኢጎር ሞዝጎ ንማዕከን ዜና ስፑትኒክ ኣፍሪቃ ሓቢሩ።
እታ መርከብ ኣብ ወደብ ባጽዕ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን፡ እቲ ኣምባሳደር ሩስያ፡ ሓላፊ ወደብን ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ወደብ ኣቶ ኤፍረም መኮነን ተረኺቦም ነይሮም።
ሩስያ፡ ኣብ ሓምለ 2023 ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩስያን፡ ንሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓገዝ እኽሊ ክትገብር ብዝኣተወቶ መብጽዓ’ያ ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ኣስታት 25 ሽሕ ቶን ናይ ስርናይ ረዲኤት ልኢኻ ዘላ።
ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኤርትራ ኢጎር ሞዝጐ ንማዕከን ዜና ስፑትኒክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ሩስያ ብነጻ ቀረብ እኽሊ ብምግባሩ ክሕጐሱን ከመስግኑን እዮም። እዚ ድማ ኣብ ውሕስነት [መግቢ] እዛ ሃገር ዓቢ ኣበርክቶ ሩስያ ክኸውን እምነት ኣለኒ” ክበል ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ፡ ዳርጋ ብምሉኡ ኤርትራ እተእዎ እኽሊ ካብ ሩስያ ከምዝዕደግን ዳርጋ 90 ሚእታዊት ኣካል ናይቲ ክልተኣዊ ንግዳዊ ሽርክነት ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።
እቲ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ እኽሊ፡ በብዓመቱ ይውስኽ ምህላዉ ብምሕባር፡ ኣብ 2020 - 20 ሽሕ ቶን፡ ኣብ 2022 – 27,500 ቶን፡ ሎሚ ዓመት ድማ 33 ሽሕ ቶን ከምዝዓደገት ኣመልኪቱ።
እተን ሩስያ ካብ 25 ሽሕ ክሳብ 50 ሽሕ ቶን ረዲኤት እኽሊ ክትልግሰለን ዝወሰነት ሽዱሽተ ሃገራት፡ ኤርትራ፡ ሶማል፡ ማሊ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ኒጀርን ዚምባብወን’የን።
ብዛዕባ ልግሲ ሩስያ ዛጊት ብወገን ኤርትራ ዝወጸ ወግዓዊ ግብረመልሲ የለን። እቲ እኸሊ’ውን ኣብ ምንታይ መዓላ ከምዝውዕል ገና ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ኤርትራ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ኰይና፡ ህዝቢ እታ ሃገር ቍጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።
እታ ሃገር ናጽነታት ካብ እትረክብ ክሳብ ሎሚ ውሕስነት መግቢ ይዅን ነቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ቍጠባዊን ማሕበራዊን ልምዓት ከተረጋግጽ ኣይከኣለትን።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2021 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ብዓይኒ ነዊሕን ጥዕና ዝመልኦ ህይወት፡ ፍልጠትን ደረጃኡ ዝሓለወን መነባብሮ ዜጋታትን ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ከምእትስራዕ የብርህ።
ኣብታ ናይ “ዕንጋሎ ቍጠባ” እትውንን ኤርትራ፡ ጥምየት ብሰፊሑ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ፤ እንተዀነ ሰብመዚ ብዛዕባ’ቲ ኵነታት ንጹር ጸብጻባት ኣይህቡን’ዮም።
ንኵነታት ጥምየት ዝዕቅን ‘ግሎባል ሃንገር ኢንደክስ’ ዝተባህለ ትካል፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ደረጃ ጥምየት ሃገራት “ንኤርትራ ብሰንኪ ስእነት ሓበሬታ” ከምዘይጠቐሳ ይፍለጥ።