እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጽምዋን ኣብ መዓልቲ 15 ሽጋራ ምትካኽን እንታይ የመሳስሎም?
ዜጋታት ኣመሪካ ዳርጋ ከም ለበዳ ክርአ ዝኽእል ጸገማት ጽምዋ የጋጥሞም ከም ዘሎ ሓደ ላዕለዋይ በዓልስልጣን ጥዕና እታ ሃገር ኣጠንቂቑ።
ክኢላ ሓፈሻዊ መጥባሕቲ ዝኾነ ቪቬክ ሙርቲ፡ ጽምዋ ዳርጋ ኣብ መዓልቲ 15 ሽጋራ ከም ምትካኽ ንጥዕና ሓደገኛ ምዃኑ’ዩ ዘጠንቅቕ።
ንሱ ኣብ ዝዘርግሖ ምኽሪ፡ ካብ ሕብረተሰብ ተነጺልካ ብሕትውና ምምራጽ ልክዕ ከም ክራሸ ወይ ወልፊ ዕጸፋርስ ክርአ ከም ዝግባእ ሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ክኢላ፡ ካብ ኩሎም ኣብ ዝተፈላለየ ሞያታትን ጽፍሕታት ህይወትን ዝርከቡ ኣመሪካውያን እቶም ፍርቂ ጸገም ጽምዋ ከም ዘጋጥሞም ይግመት።
ብተወሳኺ ነዚ ፀገም ንምምካት ኣብ መንጎ ዜጋታት ማሕበራዊ ርክብ ንምሕያል ሃገር-ለኸ ውጥን ከም ዘሎ እውን ሓቢሩ።
ጽምዋ፡ ሕማም ሽኮርን ሕማም ልብን፡ ስእነት ድቃስን ምስ ዕድመ ዝተኣሳሰር ጸገም ኣዕምሮን ካልኦት ጸገማት ጥዕናን ብኣግኡ ዘጋጥም ሞት ብ30 ሚእታዊት ክውስኽ ከም ዝገበሩ ይንገር።
ሙርቲ፡ ኣብ ሚያዝያ 2017 ምስ ጽምዋ ከም ዝተቓለሰ ይዛረብ።
"ኣብቲ እዋን'ቲ ንስድራይን ኣዕሩኽተይን ሸለል ኢለዮም፤ ኣብ ስራሕን ኣብ ስድራይን ፈተውተይን ከተኩር ኣዝዩ ከቢድ'ዩ ኢለ ሓሲበ ነይረ" ይብል።
ብተወሳኺ ጽምዋን ማሕበራዊ ተነጽሎን ኣብ ቤት ትምህርትን ስራሕን ትሑት ብቕዓት ከስዕብ ከም ዝኽእል እቲ ክኢላ ዝዘርግሖ ምኽሪ የመልክት።
ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ዘጋጠመ ለበዳ ኮቪድ፡ ነቲ ንበይንኻ ምዃን ዘስዕቦ ጸገም ከም ዘጋደዶ ይንገር።
ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ፡ ማሕበራዊ ርክብ ናይቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት ብ16 ሚእታዊት ከም ዝነከየ ሓደ መጽናዕቲ ይሕብር።
እዚ ኣብ ህዝቢ ሱር ሰዲዱ ዘሎ ናይ ጽምዋ ጸገም ንምክልኻልን ባህላውን ፖሊሲኣውን መፍትሒ ንምርካብን፡ "ኣብ ሃገርና ዘሎ ማሕበራዊ ምትእስሳር ንምድልዳል ሓባራዊ ጻዕሪ ምግባር" ከም ዘድሊ ቪቬክ ሙርቲ ኣስሚሩ።
ኣብዚ መስርሕ እዚ ትካላት ጥዕናን ዝተፈላለዩ ወገናትን ሓበሬታን ደገፍን ብምሃብ ዝሳተፉሉን ኣበርክቶ ዝገብሩሉ መስርሕ ተዳልዩ ኣሎ።
እዚ ጉዳይ ኣካል ናይቲ ምምሕዳር ጆ ባይደን ንጉዳያት ጥዕና ኣእምሮ ኣቓልቦ ንክረክብ ዝገብሮ ዘሎ ሰፊሕ ጻዕሪ ምዃኑ ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሪን ጂን ፒየር ትማሊ ሰኑይ ገሊጻ።
ግንቦት ኣብ ኣሜሪካ ወርሒ ንቕሓት ጥዕና ኣእምሮ ከም ዝዀነ ይፍለጥ።