እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መውስቦ ክልተ ኣዝማድ 'ጥዕናዊ ሓደጋ' ኣለዎ ድዩ?
ብፍላይ ኣብ ከም ኢትዮጵያን ኤርትራን ብባህልን ሃይማኖትን ኣዝማድ ንኣዝማድ ክመራዓው ውጉዝ እዩ።
ኣብ ካልኦት ባህልታት ግን ኣብ መንጐ ቀረባ ኣዝማድ ከይተረፈ መውስቦ ክግበርን ስድራ ክምስርቱን ይረአ እዩ።
ንምዃኑ ኣብ መንጐ ኣዝማድ ዝግበር መውስቦ ናይ ጥዕና ጸገም የስዕብ ድዩ?
ኣብዚ ቕነ፡ እዚ ዛዕባ ኣብ መላእ ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ኣዘራራቢ ይኸውን ኣሎ።
ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ብራድፎርድ ገለ ሓድሽ ዘተሓሳስብ መረዳእታ ምቕልቃሉ ስዒቡ እዩ፡ እቲ ጉዳይ ከም ብሓድሽ ዘዘራረብ ዘሎ።
ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ፡ መጽናዕቲ 'ቦርን ኢን ብራድፎርድ' ካብ ዝጅምሩ፡ መበል 18 ዓመት ገይሩ ኣሎ።
እዚ መጽናዕቲ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ሕክምናዊ ፈተነታት ኰይኑ፡ ኣብ መንጎ 2007ን 2010ን፡ ተመራመርቲ ኣብታ ከተማ ልዕሊ 13 ሽሕ ህጻናት መልሚሎም።
ብድሕሪኡ ካብ ንእስነቶም ክሳብ ጕውናኦም ብጽሕናን ብቐረባ ተኸታቲሎምዎም።
ኣብቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተሳተፉ ካብ መንጎ ሽዱሽተ ህጻናት እቲ ሓደ ኣዝማድ ዝዀኑ ወለዲ ዘለዎ እዩ።
መብዛሕትኦም ካብ ማሕበረሰብ ፓኪስታናዊ ብራድፎርድ ዝመጹ እዮም።
ሓደ ኣዝማድ ወለዲ ኣብ ሓደ ህጻን ሓደጋታት ጥዕና ክብርኽ ዝገብሩሉ ኣዝዩ ርኡይ መገዲ፡ ከም ሲስቲክ ፋይብሮሲስ ወይ ሕማም ሲክል ሴል ዝኣመሰለ ምዝንባዕ እዩ።
ብመሰረት ክኢላ ስነ-ህይወት ግረጎር መንደል ዘቐመጦ ጥንታዊ ክልሰ-ሓሳብ መውስቦ፡ ክልቲኦም ወለዲ ዝተፈላለየ ሓረግ ዘለዎም እንተዀይኖም፡ ውላዶም ብጂን ዝመሓላለፉ ሕማም ናይ ምውራስ ዕድሉ ካብ ኣርባዕተ ሓደ ይኸውን።
ወለዲ ኣዝማድ እንተዀይኖም ድማ፡ ክልቲኦም ሓደ ዓይነት ሰረት ክህልዎም ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ። ካብዞም ወለዲ ዝርከብ ቆልዓ 6 ሚእታዊት ናይ ምውራስ ዕድል ክህልዎ እንከሎ እዚ ኣብ ሓፈሻዊ ህዝቢ 3 ሚእታዊት ጥራይ እዩ።
እቲ ኣብ ብራድፎርድ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ግን ኣዝዩ ዝሰፍሐ ኣረኣእያ ዝሓዘ እዩ። እቶም ተመራመርቲ፡ ሓደ ህጻን ፍሉይ ምዝንባዕ ከምዘለዎ ተረጋጊጹ ድዩ ኣይተረጋገጸን ኣብ ዝብል ጥራይ ዘተኰረ ኣይነበረን።
ኣብ ክንድኡ ካብ ምዕባለ ዘረባን ቋንቋን እቶም ህጻናት ክሳብ ድግግም ክንክን ጥዕና ከምኡ'ውን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝረኽብዎ ብቕዓት ኵሉ ተዓዚቦም።
ከም ርኽበት/ድኽነት ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ኣብ መፅናዕቶም ፅልዋ ከይፈጥር'ኳ እንተተቖጻጸሩ፡ ኣብ ብራድፎርድ ዝርከብ ካብ ኣዝማድ ዝተወልደ ህጻን 11 ሚእታዊት ናይ ምዝራብን ቋንቋን ጸገም ክህልዎ ተኽእሎ ኣሎ።
ወለዶም ዘይዛመዱ ህጻናት ግን፡ እቲ ፀገም ናይ ምግጣም ተኽእሎኡ፡ 7 ሚእታዊት ጥራይ ምዃኑ ረኺቦም።
ብተወሳኺ ሓደ ካብ ኣዝማድ ዝተወልደ ቆልዓ "ጽቡቕ ደረጃ ምዕባለ" ናይ ምብጻሕ ተኽእሎኡ 54 ጥራይ እዩ።
ኣብቶም ወለዶም ዘይዛመዱ ግን እቲ ተኽእሎ 64 ሚእታዊት እዩ።
እዚ ርኽበት ብርግጽ ናይ ሓደ መጽናዕቲ ጥራይ እዩ።
ይዅን'ምበር ኣብ መላእ ዓለም መውስቦ ኣዝማድ ብዝምልከት ኣብ መንጎ ሳይንቲስት ዘሎ ስክፍታታት እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።
ንኣብነት ሕጂ ክልተ ሃገራት ስካንዲናቭያ ንመውስቦ ኣዝማድ ምሉእ ብምሉእ ካብ ሕጊ ወጻኢ ናብ ምግባር ተሰጋጊረን ኣለዋ።
ኖርወይ እቲ ተግባር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘይሕጋዊ ክትገብር እንከላ፡ ኣብ ሽወደን ድማ እቲ እገዳ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ።