እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰልፈኛታት ሊብያ ንህንጻ ፓርላማ'ታ ሃገር ወሪሮም
ኣብ ትሪፖሊ ሊብያ ኣብ ውሽጢ ኣደባባይ ሰማእታት፡ ንዝተፈጥረ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሰልፈኛታት ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።
ሰልፈኛታት ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ቶብሩክ ናብ ዝርከብ ፓርላማ ሊብያ ተጒጐም ብምእታው ዝወረርዎ ኰይኖም፡ ንገለ ክፋል ናይቲ ህንጻ ድማ ሓዊ ከምዝሰደድሉ ይግለጽ ኣሎ።
ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሑ ምስልታት፡ እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ደገ ጎማታት መኪና ከቃጽሉ እንከለዉ፡ሓያሎ ትኪ ከምዘርእዩ ይሕብሩ።
ኣብ ካልኦት ከተማታት ሊብያ ድማ፡ ብቐጻሊ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ምውሳኽ ዋጋታትን ፖለቲካዊ ዕንቅፋትን ዝቃወሙ ሰልፍታት ተኻይዶም'ዮም።
ኣብታ ተቓዋሚ ስልጣን ዝሓዘላ ርእሰ ከተማ ትሪፖሊ፡ ሰልፈኛታት ምርጫ ክካየድ ጸዊዖም።
ጠለብ እቶም ተቓውም ዘስምዕ ዘለዉ ሰልፈኛታት፡ ብሓላፊ ግዝያዊ መንግስቲ ዓብደልሓሚድ ድበይባ፡ ዝተደገፈ ኮይኑ፡ ኩሎም ትካላት እታ ሃገር ክቕየሩ ከምዘለዎም ገሊጹ።
እዚ ናዕቢ ዝፍጸም ዘሎ፡ ኣብ ጀነቫ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ዝካየድ ዘሎ፡ መረጻ ክካየድ መንገዲ ንምጽራግ ዝዓለመ ዝርርብ፡ ውሑድ ምዕባለ ከይተራእየ ድሕሪ ምዝዛሙ ሓደ መዓልቲ’ዩ።
ሊብያ ኣብ 2011 ብኔቶ ብዝተደገፈ ናዕቢ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ኮሎኔል ሙዓመር ቃዛፊ ካብ ዝእለ ጀሚራ ኣብ ህውከት ኣትያ ትርከብ።
እታ ብነዳዲ ዝሃብተመት ሃገር፡ ንገለ ካብቶም ናብ ኤውሮጳ ዝገሹ ኣሽሓት ስደተኛታት ቁልፊ መበገሲት ኮይና፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ ዝለዓለ ደረጃ መነባብሮ ዝነበረን ሃገራት ነይራ፤ ነጻ ኣገልግሎት ጥዕናን ነጻ ትምህርትን ትህብ ምንባራ ይዝከር።
እቲ ናብ ብልጽግና ዝመርሐ ምርግጋእ ግን ተበላሽዩ ፤ ርእሰ ከተማ ትሪፖሊ ድማ ኣብ መንጎ ተነሓናሕቲ ሓይልታት ተደጋጋሚ ጎንጺ ተራእዩ ኣሎ።