እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ንኣዋርሕ ደሃያ ዝጠፍአት ማህሌት ኣስከሬና ከምዝረኸበ ፖሊስ ኣፍሊጡ
ኣብ ትግራይ ዞባ ማእከል ከተማ ዓድዋ፡ ብ10 መጋቢት 2016 ዓ.ም [ግዝእ] መንነቶም ብዘይተፈልጡ ውልቀሰባት ዝተጨውየት ተምሃሪት ማህሌት ተኽላይ ተቐቲላ ከምዝተቐበረት ተጠርጠርቲ ምእማኖም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ከተማ ዓድዋ ኣይተ ተስፋይ ኣማረ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሩ።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ካብ ፖሊስ እታ ከተማ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ እታ ጓል 16 ዓመት ተማሃሪት 8ይ ክፍሊ ድሕሪ ስለስተ ኣዋርሕ ኣስከሬና ዝተቐበረሉ ቦታ ብተጠርጠርቲ ተጠቊሙ ኣሎ።
ብኸመይ ኩነታት ከምዝተቐተለትን ካልኦት ዝርዝራትን ካብ ምሃብ ዝተዓቀበ ፖሊስ፡ ብፈጸምቲ እቲ ገበን ዝተቐበረትሉ ቦታ ከምዝተሓበሮን ንስድርኣ መርድእ ከምዝተነገሮምን ሓቢሩ።
"ተጠርጠርቲ ብዝሃቡና ሓበሬታ መሰረት፡ ናብቲ ኣስከሬን ዝተቐበረሉ ቦታ ከይድና ኳዕቲ ኣካይድና ኣለና። እቲ ቦታ እንዳ ገብርኤል ወይ ድማ ቻይና ካምፕ ዝበሃል እዩ” ኢሉ።
ዝተቐበረትሉ ጉድጓድ ተፋሒሩ ኣስክሬና ከምዝወጸአን ካብ መቐለ - ሆስፒታል ዓይደር ዝመጽኡ ሰብሞያ ምርመራ ይገብሩሉ ከምዘለዉን ተዛሪቡ።
"ነቲ ተግባር ፈጺምናዮ ዝበሉ ተጠርጠርቲ ምርመራ ክካየደሎም ጽኒሑ'ሎ። ንፖሊስ መሪሖም እቲ ቦታ ስለዘርኣይዎ ኣስከሬና ወጺኡ ኣሎ። ብሰብ ሞያ ሕክምና ብዝተሓገዘ እዩ ኳዕቲ ተኻይዱ" ክብል ኣረዲኡ።
ኣብዚ እዋን ምስቲ ገበን ብዝተሓሓዝ ሽድሽተ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁጽጽር ከም ዝርከቡ ዝሓበረ ኣይተ ተስፋይ "ምጽራይ ይቕጽል ብምህላዉ ቁጽሮም ክውስኽ ይኽእል እዩ" ኢሉ።
እቲ ቕትለት መዓዝን ብኸመይን ከምዝተፈጸመ ተወሳኺ ምርመራታት ምክያድ ከምዘድልይ ዘመልከተ እቲ ሓላፊ፡ "ተጠርጠርቲ ግን ኣብታ ዝጨወይዋ መዓልቲ [10 መጋቢት 2016 ግእዝ] ናብ 11 ኣብ እተውግሕ ነቲ ተግባር ከምዝፈጸምዎ እዮም ተዛሪቦም። ካብ ድሕሪኡ ጀሚሩ ዝኾነ ሓበሬታ ዝተሰኣነ እውን በዚ ምኽንያት እዩ" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።
ጓል 16 ዓመት ማህሌት ተኽላይ፡ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ሰዓታት ኣጋምሸት ናብ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዘኛ ትኸደሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ከም ዝተጨውየት ምዕባይ ሓፍታ ዝዀነት ሚልዮን ተኽላይ ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪባ ምንባራ ይዝከር።
ንሳ፡ እቶም ንማህሌት ከም ዝሓዙን ንኽለቍዋ ሚልዮናት ዝሓቱ ዘለውን ውልቀሰባት፡ ክልተ ግዜ ናብ ወላዲ ኣቦአን ስልኪ ደዊሎም ከም ዝነበሩ ጠቒሳ።
ተምሃሪት ማህሌት፡ ኣብ ከተማ ዓድዋ ዓዲ ማሕለኻ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ካብ ዘሎ መንበሪ ገዛኣ ‘ባር ሰላም’ ተባሂሉ ናብ ዝጽዋዕ እቲ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዝርከበሉ ቦታ ትኸይድ ነይራ።
ኣብቲ ዕለት፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ተመልሰት ብዙሕ ከይጸንሐት፡ ናብቲ ማእከል ቋንቋ ንምኻድ ተሃዊኻ ምውጽኣ ሓፍታ ሚልዮን ትዝክር።