እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ርዋንዳ እንታይ ንመሃር? ትዕዝብቲ ጋዜጠኛ ቢቢሲ
- Author, ዓወት ወልደኣብ
- Role, ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትግርኛ
ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ትግርኛ፡ ካብ 23 ለካቲት ክሳዕ 2 መጋቢት ዝተኻየደ ውድድር ብሽክለታ መበል 17 ዙር ርዋንዳ ንምጽብጻብ ናብታ ሃገር በጺሖም ነይሮም።
ኣነ'ውን ከም ኣባል ናይዛ ጕጅለ ነታ እታ ምድሪ ሽሕ ኣኽራናት 'ዘ ላንድ ኦፍ አ ታውዛንድ ሂልስ' ብዝብል እትፍለጥ ርዋንዳ ክበጽሕ ዕድል ረኺበ።
ኣብዘን ውሑዳት መዓልታት ጥራሕ ንሓንቲ ሃገር ኣጸቢቕካ ንምፍላጥ ከቢድ ክኸውን ይኽእል። እንተዀነ፡ ኣብዘን መዓልታት ዝነበሩኒ ትዕዝብትታት፡ ኣብ ርዋንዳ ዝነበረኒ ኣረኣእያ ኣዝዩ ክልወጥ ዝገበረ ነይሩ።
እዛ ኣስታት 14 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ንእሽቶ ሃገር፡ ንሃገራት ኣፍሪቃ ኰነ ሃገራት ዓለም ዝተርፍ ብዙሕ እወታዊ ተመኵሮታት ኣጥርያ እያ።
ርዋንዳ ስማ ክለዓል እንከሎ፡ ብዙሓት ሰባት ቀዲሙ ዝቕጀሎም ብዛዕባ ምጽናት ዓሌት እዩ።
እወ፡ ኣብ ታሪኽ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዘስካሕክሑ ምጽናት ዓሌት፡ እቲ ኣብ ርዋንዳ ዝተፈጸመ እዩ።
ኣብ 1994 ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት ጥራሕ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ብሄረ ቱትስን ማእከሎት ሁቱን ተቐቲሎም እዮም። ኣብቲ እዋን፡ ማሕበረሰብ ዓለምን ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራትን ብስቕታ እናተዓዘቡ ነይሮም።
ይዅን'ምበር፡ እታ ሃገር ኣብ ሕሉፍ ታሪኻ ተሸኺላ ኣይተረፈትን።
እቲ ድሕሪ'ቲ ምጽናት ዓሌት ዝመጽአ መንግስቲ ሩዋንዳ፡ "ሓድነትን ዕርቅን" ዝብል ፖሊሲ ተኸቲሉ። ሓድሽ ቅዋም ኣጽዲቑን ደቂ ኣንስትዮ ንምሕያል ዝተፈላለዩ መደባት ኣዳልዩን'ዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ርዋንዳ ምርግጋእ ክዓስላን ቍጠባዊ ዕብየትን ከተመዝግብን ክኢላ እያ።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ርዋንዳ እቶም ገበን ዝፈጸሙን ግዳያትን ኣብ "ሓድነትን ዕርቅን" ተመስሪቶም ከም ጐረባብቲ ዝነብሩላ ሞዴል ኣፍሪቃዊት ሃገር ኰይና ኣላ።
ኣነ'ውን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝነበረኒ ጻንሒት ብዙሕ ክንመሃረሎም እንኽእል ተመኵሮታት ኣስተብሂለ እየ።
ስለዝዀነ ድማ ሓደ ብሓደ ትዕዝብትታተይ ከካፍለኩም።
ቤተመዘክር ዝኽሪ ጃምላዊ ህልቂት
ኣብ 1994 ኣብ ዓለምና ካብ ዘጋጠሙ ፍጻመታት ሓደ ምጽናት ዓሌት ቱትሲ'ዩ።
ፕረዚደንት ሩዋንዳ ጁቬናል ሃብያሪማናን ፕረዚደንት ብሩንዲ ሳይፕሪን ንታርያሚራን ዝጸዓነት ነፋሪት ብሚሳይል ምህራማ ከም ቅጽበታዊ መበገሲ እቲ ኵናት ሓድሕድ ኰይኑ ይርአ።
ብድሕሪ'ዚ፡ ኢንተርኣሃምዌ ብዝተባህሉ ዕጡቓት ሁቱ ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ቱትሲ ዓመጽ ዝመልኦ ምጽናት ዓሌት ብምክያድ ምላሽ ሂቦም። ኣብተን ዝቐጸላ 100 መዓልታት ድማ እታ ሃገር ብደም ጨቕያ።
ኣብ መንጎ ሚያዝያን ሓምለን 1994 ኣብ መላእ ሩዋንዳ ልዕሊ 800 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም፡ እቲ ቍጽሪ ልዕሊኡ'ዩ ኢሎም ዝምጕቱ'ውን ኣለዉ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ርዋንዳ ግዳያት ጃምላዊ ቅትለት ንምዝካር ዝቘሙ ዝተፈላለዩ ኣብያተ መዘክር ኣለዉዋ።
ሓደ ካብዚኦም ኣብ 1999 ኣብ ከተማ ኪጋሊ ኣብ ዝርከብ ጎቦ ጊሶዚ ዝተሃንጸ ዝኽሪ ምጽናት ዓሌት ኪጋሊ እዩ። ኣብዚ ቦታ ጥራሕ ልዕሊ 250,000 ግዳያት ተቐቢሮም ከም ዘለዉ ካብቲ ትካል ዝረኸብክዎ ሓበሬታ የመልክት።
ቤተመዘክር ምጽናት ዓሌት ኪጋሊ፡ ንበጻሕቲ ሓያል ተመኵሮ ዝህብ ኰይኑ፡ ዕርቂ ዘተባብዕን ብትምህርቲ ሰላም ምህናጽን ዝዓለመ እዩ።
እቲ ቤተመዘክር፡ በጻሕቲ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ እኹል ግንዛበ ክህሉዎም ብዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት፡ ኣሳእልን ቪድዮታትን ዝተመልአ እዩ። ኣብቲ ናይ 1994 ኣሰቃቒ ፍጻሜ ሰባት ዝቕተልሉ ዝነበሩ ከም ብረት፡ ፋስ፡ ጎዞሞ፡ ካራሩ፡ ከቢብ ርእሲ ዘለዎ ኣባትርን ካልእ በላሕቲ ነገራትን ኣብ ውሽጢ ቬትሮ ንምርኢት ተዘርጊሖም ይርከቡ።
ኣብቶም ኣብ መንደቕ ተሰቒሎም በጻሕቲ ክውልዕዎም ዝኽእሉ ቪድዮታት፡ ካብቲ ምጽናት ዓሌት ዝደሓኑ ሰባት ዝተፈላለዩ ተመኵሮኦምን ምስክርነቶምን የካፍሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣዕጽምቲ፡ ብጭቃን ደምን ዝተጸየቁ ክዳውንቲ፡ ኣሳእል ግዳያት ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን እውን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ምዕዛብ ይከኣል።
ና'ዚ ዝኽሪ ቅድሚ ምብጽሐይ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ 1994 ዘጋጠመ ምጽናት ዓሌት እኹል ግንዛበ ነይሩኒ ክብል ኣይክእልን። እቲ ዝኽሪ ግን እቲ ህዝቢ ዘሕለፎ መከራ፡ ስቓይን በሰላ ኣእምሮን ብንጹር ዘመልክተኒ እዩ ነይሩ።
ኣብዛ ዘስካሕክሕ ምጽናት ዓሌት ዝተፈጸመላ ሃገር፡ "ሓድነትን ዕርቅን" ክሰፍንን ሰላም ክዓስልን ምኽኣሉ ዘገርም እዩ።
ካብቲ ቤተመዘክር ናብ ካልእ ቦታ ዘብጽሓኒ ማግዋኔዛ ዝተባህለ መራሒ ታክሲ ብሰንኪ'ቲ ሕሉፍ ታሪኽ ካልእ ግጭት ወይ ምጽናት ዓሌት ክለዓል ተኽእሎ እንተ ሃልዩ ሓቲተዮ።
"ብፍጹም! ብፍጹም! ከምኡ ዝበለ ታሪኽ ብፍጹም ኣይድገምን! ብፍጹም፡" ክብል ሓውሲ ብትሪ መሊሱለይ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ግጭታት ዝርከቡ ማሕበረሰባትን ሃገራትን ድማ ካብዚ ተመኵሮ`ዚ ክንወስድ ዘለና ኰይኑ ይስመዓኒ።
ርዋንዳ ካብ ዝሓለፈ ታሪኻ ትምህርቲ ወሲዳ ብገለ መልክዑ ማሕበረሰባት ኣንጻር መንነት መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ተጻዋርነት ክህልዎም ዝሕግዝ ትምህርቲ እናኣበርከተት ትርከብ።
ጽርይቲ ሃገር ኣፍሪቃ
ርእሰ ከተማ ርዋንዳ ኪጋሊ ብጽቡቕ ትሕተ ቅርጺ ጥራይ ዘይኰነት ብጽሬት እውን እትፍለጥ ከተማ እያ።
ነዚ ኣበርክቶ ዝገበረ ድማ እቲ ማሕበረሰብ ኣብ ወርሒ ሓደ መዓልቲ ንጽሬት ኣከባቢኡ ብምውፋዩ እዩ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናይ መወዳእታ ቀዳም ካብ ሰዓት 8 ክሳብ 11 ንግሆ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ሰባት ኣብ ጽሬት ከባቢኦም ይዋፈሩ።
እቲ ህዝባዊ ወፈራ ከኣ ብቛንቋ ኪንያርዋንዳ 'ኡሙጋንዳ' ተባሂሉ ይጽዋዕ። "ሓባራዊ ዕዮ ንሓባራዊ ጥቕሚ" ዝብል ትርጕም ድማ ይህብ።
ኣብ መዓልቲ ኡሙጋንዳ፡ ኵሉ ንግዳዊ ንጥፈታት ደው ይብል ጥራሕ ዘይኰነስ ህዝባዊ መጓዓዝያ እውን ድሩት እዩ። ኵሉ ሰብ ብዝከኣሎ መንገዲ ከባቢኡ ኣብ ምጽራይ ዝነጥፈላ መዓልቲ'ያ።
ገለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እቶም ኣብ ኡሙጋንዳ ዘይሳተፉ ሰባት መንግስቲ ስለ ዝቐጽዖም፡ ኡሙጋንዳ ግዱድ ዕዩ እዩ ክብሉ ይገልጹ።
ኡሙጋንዳ ኣብ ዝካየደላ መዓልቲ ኵሉ ኣብያተ ንግዲ ስለ ዝዕጾ ሰብ ዱኳን ካብ ስራሕ በዂሮም ከም ዝውዕሉ ክገልጹ እንከለዉ፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣገዳሲ መገሻ ዘለዎ ሰብ'ውን እንተዀነ ዝዀነ ዓይነት መጓዓዝያ ስለ ዘይርከብ ብዙሕ ከም ዝከላበቱ ይንገር።
እዛ መዓልቲ ግን ኣከባቢ ጽሩይን ጽፉፍን ንምግባር ጥራሕ ዘይኰነትስ ድሕሪ ምጽናት ዓሌት ሰባት ንምቅርራብ ዝሓገዘት ከም ዝዀነት ርዋንዳውያን ይዛረቡ።
እታ ሃገር ዋላ'ኳ ጽዑቕ ብዝሒ ህዝቢ እንተ`ለዋ፡ ፌስታል ምጥቃም ግን ነውሪ እዩ - ብፍላይ ካብ 2008 ጀሚሩ ፌስታል ምጥቃም ተኣጊዱ።
ፍርያት ፕላስቲክ ናብ ሃገር ከእቱ ዝተረኸበ ሰብ እውን ንሽዱሽተ ወርሒ ብጽኑዕ ክእሰርን ብቐጻሊ ኣብ ትካላት ንግዲ ተፍትሽ ክካየድን ዝብል ሕጊ'ውን ተኣታትዩ እዩ።
ነበርቲ ይዅኑ በጻሕቲ ዓዲ ከም ኣማራጺ፡ ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ዝኽእሉ ናይ ወረቐት ወይ ድማ ካብ ቈጽሊ ካሳቫ ወይ ባናና ዝተሰርሑ መትሓዚ ጥራሕ እዮም ዝጥቀሙ። እዚ ድማ ኣብ ነታ ከተማን ነታ ሃገር ብዓባያ ካብ ብፌስታል ክስዕብ ዝኽእል ከባብያዊ ብከላ ነጻ ገይሩዋ ይርከብ።
ውሕስቲ ሃገር
ርዋንዳ ውሑስቲ ሃገር ምዃና ዝምስክሩ ዜጋታታ ጥራይ ኣይኰኑን፣ ብዙሓት ዘዘራረብኩዎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ወጻእተኛታት ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ገበን ከም ዘይጭነቑ ይዛረቡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ህብብቲ ጋዜጠኛ ዝነበረት መቲ ሸዋየ ይልማ ስለምንታይ ኣብ ርዋንዳ ወፍሪ ከም ዝገበረት ንዝቕረበላ ሕቶ፡ "ቀዳማይ ሰላምን ውሕስነት፣ ካልኣይ ሰላምን ውሕስነትን፣ ሳልሳይ ሰላምን ውሕስነት፡" ብምባል ነታ ሃገር ዝመረጸትሉ ቀንዲ ነጥቢ 'ውሕስቲ ሃገር' ምዃና ትዛረብ።
ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን እውን መልሶም ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኰነን።
እታ ኣብ 1994 ብደም ጨቕያ ዝነበረት ሃገር፡ ክንድዚ ሰላምን ውሕስነትን ክትህብ ምኽኣላ ድማ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብቐዳምነት ስማ ክትጥቀስ ይገብር ኣሎ።
መጓዓዝያን ሕጊ ትራፊክን
ከም ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ኣብ ርዋንዳ'ውን ብፍላይ ኣብ ኪጋሊ እቲ ዝቐልጠፈ መጓዓዝያ ሞተር ሳይክል እዩ። ሞተር ሳይክል ንኣቑሑት ጥራሕ ዘይኰነ ሰብ ንምጓዓዝ እውን ይውዕላ እየን።
ካብ ካልኦት ሃገራት ዝፈልዮ ነገር ግን ኣሎ፤ ዘይከም ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ርዋንዳ ንሞተር ሳይክል ዝግበር ጥንቃቐ ፍሉይ እዩ።
ዘወርቲ ጥራሕ ዘይኰኑስ ተሳፈርቲ እውን ሓደጋ መከላኸሊ ቆቢዕ ክገብሩ ግድን እዩ። እዚ ድማ ኣብ ተሳፈርቲ ዝበጽሕ ጕድኣት ኣብ ምንካይ ልዑል ኣበርክቶ ኣለዎ።
ሩዋንዳ ሓደጋ መከላኸሊ ቆቢዕ ምትእትታዋ ብሰንኪ ሞተር ሳይክል ዝስዕብ ሞትን መጕዳእቲ ርእስን ኣብ ምንካይ ርኡይ ስጕምቲ ከም ዝዀነ ይግለጽ።
ውሑስ ሓደጋ መከላኸሊ ቆቢዕ፡ ንሓደጋ ሞት ብልዕሊ ሽዱሽተ ዕጽፊ፡ መጉዳእቲ ሓንጎል ድማ ክሳብ 74 ሚእታዊት ከም ዝንክይ ውድብ ጥዕና ዓለም'ውን ይሕብር።
ኣብ ርዋንዳ ሕግታት ትራፊክ ብቐሊሉ ዝረኣዩ ኣይኰኑን። ፈቐድኡ ዝተተኸላ ካሜራታት ፍጥነት ተሽከርከርቲ ብዕቱብ ይከታተላ።
ካብቲ ዝተሓበረ ፍጥነት ንላዕሊ ዝዘወረ መራሒ መኪና ይዅን መራሒ ሞተርሳይክል ከኣ ንእለታ ናብ ሞባይሉ መቕጻዕቱ ዝሕብር መልእኽቲ ይመጽኦ።
እቲ መቕጻዕቲ፡ ፍቓድ መምርሒ ክሳብ ምሕዳግ ዝበጽሕ ስለ ዝዀነ ከኣ ነዚ ሕጊ ክጥሕስ ዝደሊ ሰብ የሎን። እነተ ሃለወ ከኣ ኣብኣ ትደዮ!
ኣብ ካልእ ከተማታት ብዙሕ ዘይስትብሃል ነገር ንኣጋር ቀዳምነት ምሃብ'ውን፡ ኣብ ርዋንዳ ዝተለምደን ዝምስገንን ተግባር እዩ።
ኪጋሊ ብተወሳኺ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሉጻት መስመራት ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣለዋ። ብፍላይ ተጓዓዝቲ መጓዓዝያ ዝጽበይሎም ቦታታት ምችው ካብ ምዃን ንላዕሊ ሞባይል ይዅን ላፕቶፕ 'ቻርጅ' መግበሪ ዘለዎም እዮም።
ነበርቲ እታ ከተማን ገጠራትን እውን ሕጊ ትራፊክ ምኽባር ብዕቱብ ዝርእይዎ ነገር እዩ። ንኣጋር ዝተነበሩ ሕግታት ዘኽብሩ ምዃኖም፡ ሓደጋታታት ኣብ ምንካይ ልዑል ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ብተወሳኺ፡ ብፍላይ ከተማ ኪጋሊ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ንዝገብሩ ነበርቲ ዝተወደቡን ደረጃኦም ዝሓለዉን ዝተወሰኑ ጽርግያታት ኣለዋ። ካብ መኪና ናጻ ዝዀኑ መንገድታት'ውን ኣለዉ።
ሩዋንዳ፡ ጥዑይ ናብራን ዘላቕነትን ንምድንፋዕ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ካብ መኪና ነጻ ዝዀነ መዓልቲ እውን ተተግብር'ያ።
መሰል ደቂ ኣንስትዮ
ርዋንዳ ኣብ ምድንፋዕ ጾታዊ ማዕርነትን ምሕያል ደቂ ኣንስትዮን መሪሕ ምዃና ይንገር። መሰላትን ዕድላትን ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋጽ ዝተዳለወ ፖሊሲታትን ተበግሶታትን ኣለዋ። ኣብ መንግስትን ባይቶን እውን እንተዀነ፡ ርዋንዳ ልዑል ውክልና ደቂ ኣንስትዮ ዘመዝገበት ሃገር እያ። ልዕሊ 61 ሚእታዊት ካብ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ደቂ ኣንስትዮ እየን።
ሩዋንዳ ምስ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፡ ማዕረ ደሞዝን መሰላት ውርሻን ዝተኣሳሰሩ ሓዊሱ ጾታዊ ማዕርነትን መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ንምድንፋዕ ሕግታትን ፖሊሲታትን ኣተግቢራ እያ።
ሩዋንዳ ቍጠባዊ ምሕያል ደቂ ኣንስትዮ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ተበግሶታት ተግባራዊ ብምግባር፡ ተበጻሕነት ልቓሕን ዕድላት ንግድን ተተግብር እያ።
እዚ ድማ ንኤርትራውያን ኢትዮጵያውንን ከይተረፈ ረብሓ ከም ዘለዎ ብዙሓት ይምስክሩ።
መንግስታዊ ምትብባዕ ንግድን ቱሪዝምን
ቋንቋ እታ ሃገር ብቐንዱ ኪንያርዋንዳ ኰይኑ፡ ኪስዋሂሊ፡ ፈረንሳ፡ እንግሊዝኛ'ውን ወግዓዊ ቋንቋታት እዮም።
ዘዘራረብኩዎም ኢትዮጵያውያን ኤርትራውያንን ብብቕዓት መንግስቲ ርዋንዳ ከም ዝግረሙ ይገልጹ። እቲ መንግስቲ ንልምዓት ተወፋይነት ስለ ዘለዎ ኣብ ወፍሪ፡ ቱሪዝምን ተበጻሕነትን ስሉጥ ኣሰራርሓ ከም ዘለዎ ይዛረቡ።
ብንያም ሓጎስ ኣብ መንግስታዊ ዘይኰነ ትካል ተቘጺሩ እዩ ፈለማ ናብ ርዋንዳ ከይዱ።
ናይ ስራሕ ውዕሉ ምስ ተወድአ ግን፡ ንርዋንዳ ስለ ዝፈተዋ ካብታ ሃገር ኣይወጽአን።
ኣብ ርዋንዳ ናይ ውልቁ ትካል ንግዲ ክምስርት ክሓስብ እንከሎ ድማ እቲ መስርሕ ካብቲ ዝሓሰቦ ንላዕሊ ቀሊልን ስሉጥን ኰይኑ ረኺቡዎ። ስለዚ ኣብታ ሃገር ወፍሪ ከካይድ መሪጹ።
"ናብታ ሃገር ንምእታው ይዅን ፍቓድ ንግዳዊ ትካል ንምውጻእ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝሓሸ ኣሰራርሓ ኣለዋ፡" ይብል።
ሩዋንዳ ብቐሊሉ ትካል ንግዲ ንምጅማር ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከም እትስራዕ ባንኪ ዓለም እውን ዝመስከሮ ጉዳይ እዩ።
ኣብ ቱሪዝምን ቍጠባዊ ተወዳዳርነትን ብዝነበራ መሪሕነት ድማ ብቤት ምኽሪ ጕዕዞን ቱሪዝምን ዓለም፣ ከምኡ'ውን፡ ብመድረኽ ቍጠባ ዓለም ተሸሊማ እያ።
ካብዚ ብተወሳኺ ዘስተብሃልኩዎ ነገር፡ ርዋንዳ ንዋዕላ ቱሪዝም ዝያዳ ኣቓልቦ ከም እትህብ እዩ።
ኣብታ ሃገር ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ዋዕላታት ይካየዱ እዮም። መንግስቲ እታ ሃገር ኣብዚ መዳይ ፍሉይ ትዅረት ገይሩ ይሰርሕ ከም ዘሎ እውን ክኢላታት ይገልጹ።
ኣነ ኣብ ዝነበርኩሉ ሰሙን ብኣማኢት ዝቝጸሩ ክኢላታትን መራሕቲ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኣብ ኪጋሊ ንዝከየድ ዋዕላ ተረኺቦም ነይሮም። እዚ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ንቝጠባ እታ ሃገር ዘለዎ ኣበርክቶ ምግላጽ ዘድሊ ኣይኰነን።
ሩዋንዳ ንምርኢታት፡ ፈስቲቫላት፡ ኣኼባታትን ብሉጽ ማእከል ኰይና ትቐጽል ኣላ።
ዙር ርዋንዳ እውን ንመበል 17 ብምክያዱ እየ ኣብታ ሃገር ተረኺበ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ መስከረም 2025 ዝካየድ ሻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ከተአንግድ ዝተመረጸትሉ ምኽንያት ካብዚ ዝረሓቐ ኣይኰነን።
ርዋንዳ ብዘይተለምደ ብዙሕነት ህይወት ዝተባረኸት ሃገር እያ። እሳተ ጎመራታታ፡ ኣኽራናዊ ጫካታታን ጽሩይ ቆላታታን ዝነብሩ ንምእማኑ ዘጸግሙ እንስሳ ዘገዳም ዘለዋ ኰይና፡ ነቶም ኣብ ምጽናት ዝርከቡ መስተንክር ጕሪላታት ንምርኣይ ክሳብ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዶላር የኽፍል።
ርዋንዳ ብሓፈሻ
ኣብ ቀረባ እዋን እናተጋደደ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘጋጠመ ግጭት ስዒቡ፡ ርዋንዳ ነቲ ኣብ መስከረም 2025 ዝካየድ ሻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ከተአንግድ ድልውቲ ኣይኰነትን ዝብሉ ርእይቶታት ይስምዑ ኣለዉ።
ሕብረት ኤውሮጳ ከይተረፈ እቲ ውድድር ኣብ ካልእ ሃገር ንኽዳሎ ጻውዒት ኣቕሪቡ እዩ።
ይዅን'ምበር፡ ኣብ መበል 17 ዙር ርዋንዳ ዝተሳተፉ ተወዳደርትን ተዓዘብትን ብሰንኪ'ቲ ግጭት ዝተሰምዖም ስግኣት ከም ዘይነበረ እዮም ዝገልጹ።
ርዋንዳ ህያው ባህሊ ዘለዋ ሃገር እያ። ነበርቲ ብምዉቕን ምሕዝነታዊን ኣቀባብላ እዮም ንበጻሕቲ ዝቕበሉ።
ተፈጥሮኣዊ ጽባቐን ጽሬትን እታ ሃገር ዘቕንእ እዩ። እሳተ ጎመራን ቀላያትን ሓዊሱ ዘደንቕ ኣኽራናዊ መልክዓ ምድራ ድማ "መሬት ሽሕ ኣኽራናት" ዝብል ሳጓ ክትረክብ ገይሩዋ እዩ።
ብእንስሳ ዘገዳም ዝሃብተመት፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ክነጻጸር እንከሎ፡ ተመጣጣኒ ዋጋ መነባብሮ ዘለዋ ሃገር እያ።
እቲ ዝያዳ ብሉጽ ዝገብራ ነገር ግን በቲ ኣብ 100 መዓልታት ልዕሊ 800 ሽሕ ዝተቐትልሉ ምጽናት ዓሌት ከይተሸበበት፡ ሰላም፡ ውሕስነት፡ ድሕነትን ቅሳነት ዘለዋ ሃገር ክትከውን ምኽኣላ እዩ።