እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ጀርመን ብዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር ሰለስተ ሰባት ሞይቶም ካልኦት ተጐዲኦም
ኣብ ደቡብ ምዕራብ ጀርመን ተጓዓዝቲ ባቡር ካብ መስመር ሓዲድ ምውፃኣ ስዒቡ፡ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም ካልኦት ብኸቢድ ብኸቢድ ከም ዝተጐድኡ ተገሊፁ።
ኣስራሒ ትካል ባቡር ጀርመን ዶቸ ባህን፡ እታ ባቡር ኣብ ጥቓ ከተማ ስቱትጋርት ሪድሊንገን ኣብ ዝበሃል ከባቢ "ብዘይተፈለጠ ምኽንያት" ሓደጋ ከም ዘጋጠማ ገሊፁ።
ቅድሚ እቲ ሓደጋ ምግጣሙ ኣብቲ ከባቢ ህቦብላ ከም ዝነበረ ፀብፃባት ይሕብሩ።
ማዕከን ዜና ጀርመን ዲፓ፡ ኣብታ ባቡር ኣስታት 100 ሰባት ከም ዝነበሩን ብውሕዱ ክልተ ባጎኒታት ከባቢ 18:10 ኣቈፃፅራ ሰዓት ናይቲ ከባቢ ኣብ ሓደ ዱር ካብ መስመር ሓዲድ ከም ዝወፅኡ ፀብፂቡ።
ቻንስለር ጀርመን ፍሬድሪክ መርዝ፡ በቲ ሓደጋ ንዝሞቱ ግዳያት ብመንገዲ ኤክስ ሓዘኑ ብምግላፅ ንስድራቤት ፅንዓት ተመንዩ።
እቲ ቻንስለር፡ ምስ ምኒስትር ውሽጣዊ ጉዳይን መጓዓዝያን ብቐረባ ይከታተሎ ከም ዘሎን፡ ኣገልግሎት ህፁፅ ሓደጋ ዝደልይዎ ሓገዝ ኵሉ ክህቡ መመርሒ ከም ዘውረደን ገሊፁ።
ፖሊስ ከተማ ኡልም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ በቲ ሓደጋ "ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት ተጓዓዝቲ ብኸቢድ ከም ዝተጐድኡን፡" ሓቢሩ።
ካብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ከባቢ ዝወፅኡ ምስልታት፡ ባጎኒታት እታ ባቡር ንጐድኒ ተገልቢጦም፡ ኣብቲ ቦታ ብዙሓት ጕጅለታት ህፁፅ ረድኤትን ኣጥፋእቲ ሓዊን ንዝተኸርደኑ ግዳያት ንምብፃሕ እንክሰርሑ የርእዩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ቦታ ዝወዳደቑ ኣግራብ'ውን ይረኣዩ።
ኣስራሒ ትካል ባቡር ጀርመን ዶቸ ባህን፡ እታ ባቡር ካብ ሓዲድ ኣብ ትወፅአትሉ፡ ኣብቲ ንኸተማታት ሲግማሪንገንን ኡልምን ዘራኽብ 90 ኪሎሜትር ዝንውሓቱ መስመር ከም ዝነበረት ገሊፁ።
ዶቸ ባህን ብመንገዲ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ "ብልክዕ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ገና ኣይተፈለጠን። ሓሳብናን ልብናን ምስቶም ግዳያትን ምስ ኵሎም በዚ ከቢድ ኵነታት ዝሓልፉ ዘለዉን'ዩ፡" ኢሉ።