እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጉዳይ ሓድጊ ኣብርሃ ካስትል ንምንታይ ኣዘራራቢ ኮይኑ?
ደጃት ኣብርሃ ኣርኣያ ኣብ መቐለ ኩጀት መሪፆም ቤተ መንግስቲ ሃኒፆም:: እንዳ ደጃት ኣብርሃ ይበሃል: ዘመናውያን ድማ ኣብርሃ ካስትል ኢሎም ፀዊዖሞ::
ኣብርሃ ካስትል ሓደ ካብቶም ኣድባር መቐለ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ጉልላት እዩ::
ኣብ 19/20 ክፍለ ዘመን ድሕሪ 10 ዓመት ሕልፈት ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮሃንስ ዝነበረ ፖለቲካዊ ምዕባለ ትግራይ ዘንፀባርቕን መሪሕነት ደጃት ኣብርሃ ዝነግር ታሪኻዊ ሓድጊ እዩ::
እንዳ ደጃት ኣብርሃ: ኣብ ብርኽ ዝበለ ስፍራ ዝተደኮነ ምስ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ ድማ ዝመዓዶ ህንጻ እዩ። መቐለ ብኣጉዶን ሰቐላን ኣብ ዝማዕረገትሉ እዋን ናብ ኩሉ ኣንፈት ንምቁማት ዝምቹእ ቦታ ዝወነነ ህንፃ ንምንባሩ ሰነዳት ታሪኽ ይምስክሩ:: እንዳ ደጃት ኣብርሃ ኣፀድ ዝለበሰ ጥዑም ንፋስ ዝነፍሰሉ ከባቢ እውን እዩ::
ንንውሕ ዝበሉ ዓመታት ዓንዩን ተረሲዑን ድሕር ምፅናሕ ብ1952 ዓ.ም ብዘበን ራእሲ መንገሻ ስዩም ከም ብሓድሽ ተመዓራርዩ ሆቴል ኮይኑ ኣገልግሎት ክህብ ጸኒሑ:: ደርግ ምስ መፀአ ድማ ብመንግስቲ ተወሪሱ ኣብ ትሕቲ ደርግ ዝውንኖም ትካላት ከም ሆቴል ቀጺሉ።
መንግስታት ብዝተቐየሩ ቁፅሪ ስም ደኣ ኣይቀየር እምበር ኣገልግሎቱ ግን እናተቐያየረ እዩ ቀፂሉ:: ደሓር ድማ ኣብ ዘበነ ኢህወዴግ ብ2007 ኣብ ዝተሓገገ ሓድግታት ብመን ከመይ ይመሓደሩ ኣብ ዝውስን ኣዋጅ: ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ ብፈደራል መንግስቲ: ኣብርሃ ካስትል ድማ ብክልላዊ መንግስቲ ክመሓደሩ ተወሲኑ::
እንዳ ደጃት ኣብርሃ (ካስትል) ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ስነ ህንፃ: ኣሰፋፍራ ህዝቢ: ሻቡ ዝነበረ ታሪኻዊን ፖለቲካዊን ምዕባለ ዘንፀባርቕ ህንፃ እዩ::
ህዝቢ ነቲ ቤተ መንግስቲ ክሃንጽ እንከሎ ሕምባሻ ይኽፈል ምንባሩ ይንገር::
ኣብርሃ ካስትል ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ?
ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓድግታት ክዕቀቡን ዝተጎድኡ ድማ ብእዋኑ ክፅገኑን ሓላፍነት ወሲዱ ዝሰርሕ መንግስታዊ ቤት ዕዮ ኣሎ:: ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ይበሃል::
እቲ ክልል ኣብ ትሕቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝመሓደረሉ ኣብዚ ሕዚ ግዜ ነቲ ቤት ዕዮ ዝመርሕዎ ዶ/ር ኣፅብሃ ገብረእግዝኣብሄር ይበሃሉ:: ዶ/ር ኣፅብሃ: ኣብርሃ ካስትል ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘሎ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ይገልፁ::
ኣብርሃ ካስትል ክሳብ ሎሚ ኣይለመዐን ጥራሕ እንተይኮነስ ዳርጋ ተረሲዑ ዝነበረ ትካል እዩ:: ባዕሉ እቲ ህንፃ ከምዘለዎ ተገቲሩ ዝተረፈ ጥራሕ እንተይኮነስ እንዳ ደጃት ኣብርሃ ዝውንኖ ኣዝዩ ሰፊሕ መሬት ለሚዑ ቁጠባዊ እቶት ክርከቦ እናተገበአ ባኺኑ ኣሎ።
"እቲ ቦታ ባኺኑ ረብሓ ከይሃበ ፀኒሑ ጥራሕ 'ተይኮነስ: ነቲ ሓድጊ ዘይምጥን መአከቢ ጓሓፍ ይበዝሕ:: እናተወሓጠ እናተበላሸወ: ትርጉሙ እናሰኣነ መፂኡ:: ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓድጊ ዝርከበሉ ከባቢ ክስርሑ ዝግበኦም ትካላት ንግዲ: ምስቲ ሓድጊ ዝዛመዱ: ተመሊሱ ነቲ ሓድጊ ዘጉልሕ: ክብርታት ትግራይ ከርእይ ዝኽእል’ዩ ክኸውን ነይሩዎ" ይብሉ ዶ/ር ኣፅብሃ::
ኮይኑ ግና እቲ ኣብ ተግባር ዝተረኣየ ኣንፃር እቲ ክኸውን ዝግበኦ እዩ:: ኣብርሃ ካስትል ኣይለመዐን ጥራሕ እንተይኮነስ ብስሩ እውን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዝርከብ ሓድጊ ከምዝኾነ ይግለፅ::
ዶ/ር ኣፅብሃ ብምቕፃል "እቲ ሓድጊ ልዑል ጠመተ ዘድልዮ እዩ:: ነዚ ሓድጊ ዓቂብካ ምቕፃል ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን" ብምባል ይዛረቡ::
ኣብ ቀፅሪ ኣብርሃ ካስትል ዘመናዊ በዓል 5 ኮኾብ ሆቴል ክህነፅ ተባሂሉ ብመንግስቲ ትግራይ ከምዝተወሰነ ይዝከር:: መንግስቲ ካብ ዝሃንፆ ድማ ንውልቀ ሰብ ሃብቲ እንተተዋሂቡ ዝያዳ ውፅኢታዊ ክኸውን ከምዝኽእል ተኣሚንሉ ሰለስተ ግዜ ጨርታ ወፂኡ ሰዓራይ ተነፂሩ ምንባሩ ይፍለጥ:: ኮይኑ ግና ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ19ን ብድሕሪኡ ዝተረኣየ ኲናት እቲ ውጥን ከይተጀመረ ፀኒሑ:: እቲ ኣብ ቀፅሪ እንዳ ደጃት ኣብርሃ ክስራሕ ዝተወሰነ ዘመናዊ ሆቴል ምስቲ ሓድጊ ከመይ እዩ ክዛመድ? እቲ ህንፃ ክፈርስ’ዩ ማለት ድዩ? ዝብሉ ስግኣት ዝፈጠሮም ሕቶታት ይለዓሉ ምንባሮም ይዝከር:: እቶም ህዝባዊ ሕቶታት ክሳብ ሕዚ ኣይተመለሱን።
ባህልን ቱሪዝምን እንታይ ይብል?
እንዳ ደጃት ኣብርሃ (ካስትል) ጥንታውነቱ ተዓቂቡ ክለምዕ ካብቲ ሕዚ ዘለዎ ኣገልግሎት ዝለዓለ ረብሓ ክህልዎ ተኣሚንሉ ምንቅስቓስ ተወጢኑ ኣሎ:: ሓድጊ ብኸመይ እዩ ንውልቀ ትካል ዝወሃብ ዝብል ከዘራርብ ከምዝኽእል ድማ ርዱእ’ዩ ዝብል ቅዋም ኣሎ:: ብዝኾነ እቲ ጨረታ ንምሉእ ዓለም ክፉት ኮይኑ ከምዝተዘርገሐ ነቲ ሻቡ ዝነበረ ሰነድ መሰረት ገይሮም ሓላፊ እቲ ቢሮ ይዛረቡ::
ዶ/ር ኣፅብሃ ገብረእግዝኣብሄር ነቲ ጨረታ ዝሰዓረ ትካል ሱር ስራሕቲ ህንፀት: ኣብርሃ ካስትል ዝነበሮ ልዕሊ 5 ሚልዮን ውንዙፍ ዕዳ ንፈደራል መንግስቲ ከፊሉ ብ175 ሚልዮን ብር ነቲ ዘመናዊ ሆቴል ክሃንፅ ከምዝግበር ነቲ ቅድሚ ናብቲ ቢሮ ምምፀኦም ዝነበረ መረዳእታ ተደሪኾም ይገልፁ::
"እዚ ሓድጊ'ዚ ልዑል ጠመተ ዝሓትት ሓድጊ እዩ:: ነዚ ሓድጊ ዓቂብካ ምቕፃል ናብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን:: ጥንታውነቱ ከይሰደደ ተወሳኺ ብቕዓት ተወሲኹዎ ናብ ልዑል ረብሓ ንምቕያር ብዝብል ርድኢት ሱር ክሰርሖ ተሓሲቡ ነይሩ:: ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዛዕባ ሕውየትን ልምዓትን ምሕሳብ ምስ ተጀመረ: ሱር ነቲ ጀሚረዮ ዝነበርኩ ክቕፅሎ እየ ዝብል ኣመልኪቱ ዋዕላ ኣካይዱ ነይሩ:: ንሕና እውን ልዑል ጠመተ ንህቦ ዓብዪ ሓላፍነት ዘለና ትካል ስለዝኾንና ኣብቲ ዋዕላ ተሳቲፍና ኢና" ይብሉ::
ኣብቲ ዋዕላ ንመበል 8 ግዜ ዝተሰርሐ ንድፊ (ዲዛይን) ቀሪቡ ነይሩ:: ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ሰባት ዝጠቅም ርእይቶን ሓሳብን ከምዝሃቡ ይፍለጥ:: ኣብ ምዕቃብ እቲ ሓድጊ ሸለል ዝበሃል ነግር ከይህሉ: ነቲ ሓድሽ ትልሚ ድማ እታወት ክኸውን ዝኽእል ሃናፂ ዝተባህለ ርእይቶ ከምዝቐረበ መግለፂ ዶ/ር ኣፅብሃ የረድእ::
"እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ዝቐርብ ዝነበረ ንድፊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ስለዝተበተነ: ዝበዝሕ ሰብ ነታ ንርእይቶ ዝቐረበት ንድፊ (ዲዛይን) ኣየነይቲ ከምዝኾነት ኣይረኣያን:: ብሰንኪ'ዚ ድማ ስግኣት ተፈጢሩ:: ፈሪሱ ድዩ ክስራሕ? ብስሩ ኸ ከም ሓድጊ ይሕሰብ ዶ? እቲ ሓድሽ ምዕባለ ነቲ ነባር ኣይጎድኦን ዶ? ዋንነቱ ኸ ንመን’ዩ ክኸውን ዝግበኦ? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ተላዒሎም ተዘትይሎም" ብምባል ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ሓድጊ ልዑል ተገዳስነት ከምዘርአየ ይገልፁ::
ዶ/ር ኣፅብሃ እቲ ጥንታዊ ሓድጊ ኣይፈርስን ጥራሕ እንተይኮነስ: ሕዚ ብዘሎ ህልዊ ኩነት ኣብ ካልኦት ገዳማት: ኣብያተ መንግስቲን ኣብያተ መዘክርን ዝስራሕ ሓድጊ ናይ ምዕቃብ ኣምር መሰረት ዝገበረ ከምዝስረሓሉ ንህዝቢ ብዕሊ ገሊፆምሉ:: ቀፃልነቱ ክረጋገፅ እዩ:: ኣብ ልዕሊ እቲ ነባር ሓድጊ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ፅልዋ ከምዘይህሉ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ብመንገዲ ሓላፊ እቲ ቤት ዕዮ ኣቢሉ ገሊፁ’ዩ::
"ፅገና ሓድጊ ናይ ባዕሉ ረቂቕ ሳይንስ ኣለዎ:: ብኡ መሰረት’ዩ ክስራሕ:: ብቐዳምነት ነቲ ሓድጊ ጥንታውነቱ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ከይለቐቐ: ከምዝቕጽል ክግበር እዩ:: እቲ ሓድሽ ዝህነፅ ልምዓት ነቲ ነባር ሓድጊ ከይጏነፆን ከየህስሶን ጥንቃቐ ንኽግበር ንዝምልከቶ ኣካል ርእይቶ ሂብና ኢና" ኢሎም::
ቱሪዝም መቐለ ኣብ ምንታይ ብርኪ ኣሎ?
መቐለ ብዓይኒ ቱሪዝም እንትረአ ኣገልግሎት ናይ ምሃብ ዓቕሚ ከምዘይብላ ይዝረብ:: ኣብታ ከተማ ሰሓብቲ ሓድግታት ኣለዉ:: ኣብ መቐለን ከባቢኣን በፃሕቲ ንመዓልታት ክፀንሑ ዘኽእል ሓድግታት ኣሎ:: ኮይኑ ግና ንዕኡ ዝምጥን መፅንሒ ቦታ የድሊ:: ምስ ካልኦት ዘወዳድር ኣገልግሎት ስለዘይርከብ ጋሻ መፂኡ ብመቐለ ኣቢሉ ክሰግር እምበር ክፀንሕ ኣይመርፅን ይበሃል::
"መቐለ ምስቲ ዘለዋ ታሪኻዊ ረብሓ: ዓርሳ ዝኸኣለት መስሕብ ክትከውን እዩ ዝግበኣ:: ንዚ ዝምጥን ኣገልግሎት ድማ የድሊ:: ነታ ከተማ ዝምጥኑ ምዕባለታት ይመፅኡ ነይሮም:: ከም በዓል ሂልተን ዝበሉ ዓለምለኸ ትእምርቲ (ብራንድ) ዘለዎ ሆቴላት ክመጽኡ ጀሚሮም ነይሮም:: ብትልሚ ዝተሓዙ ስለዘለዎ ብዙሓት ክስዕቡ ተስፋ ንገብር ኢና:: እቲ ተሓሲቡ ዘሎ ዓለምለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ክኸውን እዩ" ብምባል መቐለ ተስፋ ምዕባለ ዘለዋ ከተማ ከምትኸውን ኣሚቶም::