እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባሻር ኣል-ኣሳድ 'ከይሓሰብኩዎ'የ ካብ ሶርያ ወጺአ' ከምዝበለ ይግለጽ ኣሎ
ፕረዚደንት ሶርያ ነበር ባሻር ኣል-ኣሳድ ብዕጡቓት ተቓወምቲ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ ንፈለማ ግዜ ኣብ ዝወጸን ናቱ'ዩ ዝተባህለን መግለጺ፡ ካብ ሃገሩ ሃዲሙ ናብ ሩስያ ክወጽእ መደብ ከምዘይነበሮ ገሊጹ።
እቲ ናቱ ምዃኑ ዝንገረሉ ዘሎ መግለጺ ኣብቲ ልሙድ ፕረዚደንታዊ ቻነል ቴለግራም ዝተመሓላለፈ'ዩ። እንተኾነ ግን እቲ ቻነል ኣብዚ እዋን'ዚ መን ከምዝቆጻጸሮ ይኹን ባዕሉ ከምዝጸሓፎ ኣይተረጋገጸን።
ኣብቲ መግለጺ፡ ዕጡቓት ተቓወምቲ ንርእሰከተማ ደማስቆ ምስተቖጻጸሩዋ፡ "ስርሒታት ውግእ ንምምራሕ" ናብቲ ኣብ ኣውራጃ ላታኪያ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሩሰያ ከምዝኸደን፡ ወተሃደራቱ መዛግቦም ገዲፎም ከይዶም ከምዝጸንሕዎን ይጠቅስ።
እቲ ኣብ ሕመይሚም ዝርከብ መዓስከር ሩስያ ዒላማ "ሓያል መጥቃዕቲ ድሮናት" ብምዃኑ፡ እቶም ሩስያውያን ናብ ሞስኮ ከግዕዝዎ ከምዝወሰኑ ድማ ይዛረብ።
"ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን [ካብ ስልጣነይ] ክወርድ ይኹን ዕቑባ ክሓትት ዝሓሰብኩሉ ህሞት ወይ ከምኡ ንኽገብር ብውልቂ ይኹን ብዝኾነ ወገን ዝቐረበለይ እማመ ኣይነበረን" ክብል'ውን ይምጉት።
"እታ ሃገር ኣብ ኢድ ሽበራ ምስወደቐትን ትርጉም ዘለዎ ኣበርክቶ ምግባር ኣብ ዝጠፍኣሉን፡ ዝኾነ መርገጺ ዕላማ ዘይብሉ'ዩ ዝኸውን" ብምባል'ውን የስዕብ።
ኣሳድን ስድራቤቱን፡ እቶም ዕጡቓት ነተን ኣብ ሰሜን ዝነበራ ዓበይቲ ከተማታት ኣለፖ፡ ሓማን ሖሞስን ኣከታቲሎም ብምቁጽጻር ናብ ደማስቆ ኣብ ዘምርሕሉ እዋን'ዩ ናብ ሩስያ ሃዲሙ ከይዱ።
እቶም ብሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም (HTS) ብዝተባህለ ጉጅለ ዝምርሑ ዕጡቓት ኣብ ውሽጢ 11 መዓልታት'ዮም ንደማስቆ ክቆጻጸሩ ክኢሎም።
እቶም ተቓወምቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ድሮ ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምምዛዝ፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ምምስራት ይርከቡ።
ሓያለ ምዕራባውያን ሃገራትን ሩስያን ብወገነን ኩነታት ናይታ ንልዕሊ 13 ዓመታት ብኲናት ዝማሰነት ሃገር ንምርግጋእ ምስቶም ዕጡቓት ርክባት ክፈጥራ ምጽንሐን ገሊጸን ኣለዋ።
ነዚ ደምሳሲ መጥቃዕቲ ዝመርሐ ጉጅለ ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም ኣብ 2011 ጀብሀት ኣል-ኑስራ ብዝብል ስም ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ንጂሃዳዊ ጉጅለ ኣል-ቃዒዳ ከምዝድግፍ ብወግዒ ኣፍሊጡ ዝነበረ'ዩ።
ኣብ 2016 ምስ ኣል-ቃዒዳ ዝነበሮ ርክብ ብምታኽ ምስ ካልኦት ጉጅለታት ብምዃን ነዚ ሓድሽ ጥርናፈ ፈጢሩ።
ይኹን'ምበር ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ሓያለ ካልኦት ሃገራትን ከም ኣሸባሪ ጉጅለ'የን መዝጊበንኦ ዘለዋ።
ንደማስቆ ድሕሪ ምቁጽጻሮም እቲ ብናይ ኲናት ስሙ ኣቡ መሓመድ ኣል-ጆላኒ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መራሒ ናይቲ ጉጅለ ኣሕመድ ኣል-ሻራ፡ ንኩሎም እምነታትን ብሄራትን እታ ሃገር ተጻዋርነት ከምዝህሉ ቃል ኣትዩ'ሎ።
እንተኾነ ግን፡ ጂሃዳዊ ድሕረ ባይታ ዝነበሮ ብምዃኑ ኩሎም ዜጋታት እታ ሃገር ብቐሊሉ ክኣምንዎ ዝኽእሉ ኣይኮነን።