ናብ ሞቓድሾ ዝኣተወ ከበድቲ ኣጽዋር ግብጺ እንታይ ዓይነት'ዩ?

ሶማልያ ካብ ግብፂ ዝተፈላለዩ ከበድቲ ኣፅዋር ከምዝተቐበለት ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እታ ሃገር ኣረጋጊፁ።

እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ብዓልስልጣን ንቢቢሲ ሶማሊኛ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሃገሩ ብቐጻሊ ካብ ግብጺ ተወሳኺ ሓገዝ ኣጽዋር ከምእትጽበ’ውን ሓቢሩ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ብመርከብ ናብ ወደብ ሞቃድሾ ዝኣተወ ኣጽዋር ጸረ-ነፈርቲ ሚሳይላት፡ መዳፍዕን ካልእ ንኣሽቱ ኣጽዋርን ዘጠቓልል እዩ።

መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ብዛዕባ እዚ ብብዝሒ ናብ ሶማልያ ዝኣተወ ኣጽዋር ይጽብጽባ ኣለዋ። ነዚ ዘርኢ ምስልታት’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ይርከብ። ካብ ትማሊ ሰንበት ጀሚሩ ድማ ብጎደናታት ሞቓድሾ ክሓልፉ ተራእዮም።

እቲ ኣጽዋር፡ ብናይ ግብጺ መርከብ ተጻዒኑ ኣብ ወደብ ሞቃድሾ ከምዝተራገፈ’ውን ሓያሎ ማዕከናት ዜና ሶማልያ ጠቒሰን።

ሚኒስተር ምክልኻል ሶማልያ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ'ውን፡ "የቐንየልና ግብጺ" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

"ሶማልያ ምስ መን ከም እትመሓዞ ካብ ካልኦት ፍቓድ ክትጽበ እትግደደሉ መድረኽ ሓሊፉ'ዩ።

"ረብሓታትና ንፈልጥ ኢና፡ ስለዚ መሓዙትናን ጸላእትናን ባዕልና ክንመርጽ ኢና" ይብል ሚኒስተር ዓብዱልቃድር መሓመድ ኑር።

እቲ ምስ ቢቢሲ ሶማልኛ ቃለ መሕትት ዘካየደ እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓል ስልጣን መንግስቲ ሶማልያ ብወገኑ፡ ካብቲ ሕጂ ኣትዩ ዘለዎ ኣጽዋር ብተወሳኺ ገለ ታንክታት እውን ክኣትዋ ትጽቢት ከምዝግበር’ዩ ኣመልኪቱ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ ምስ ሶማልያ ወተሃደራዊ ስምምዕ ምግባራን ኣብታ ሃገር ሰራዊታ ክተዋፍር ዕላማ ከምዘለዋን ድሕሪ ምቅዋማ እዩ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ክልተ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ግብጺ ናብ ሞቃድሾ ከምዝኣተዋ ክግለጽ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ስጉምቲ ንሰላም እቲ ዞባ ስግኣት እዩ ክትብል ምንቃፋ ይዝከር። ሶማልያ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ናብ ግዝኣታ ክኣትዉ ክትፈቅድ የብላን ብምባል ድማ ተቓውሞኣ ገሊጻ ነይራ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ታሕሳስ ኢትዮጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኣፍደገ ባሕሪን ኣፍልጦ ሃገራውነትን ዝምልከት ስምምዕ ምፍርራመን፡ ንሶማልያ ኣቖጢዑዋ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝተፈጥረ ወጥሪ ስዒቡ፡ ብሰንኪ ግድብ ህዳሰ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ምስ ኢትዮጵያ ክትተፋነን ዝጸንሐት ግብጺ፡ ንሶማልያ ኵሉ ኣድላዪ ደገፍ ክትህብ ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ’ላ።

ሶማሊላንድ ብሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ ግብረመልሲ፡ ዋሕዚ ኣጽዋር ግብጺ ናብ ሶማልያ "ቅድድም ኣጽዋር" ከስዕብ ከምዝኽእልን ኣብ ሞቓድሾ ዘሎ መንግስቲ ናይ ምዕቃቡ ዓቕሚ ከምዘይብሉን ኣጠንቂቓ።

"እዚ ኣጽዋር'ዚ ኣብ ኢድ ከም ኣል-ሸባብ ዝበሉ ኣኽረርቲ ጉጅለታትን ሚሊሻ እንዳታትን ከይኣትዉ ብፍላይ ሻቕሎት" ከምዘለዋ እቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ምምሕዳር ዝወጸ መግለጺ ይጠቅስ።

"ሰፊሕ ግጭት ከይፍጠርን ነቲ ድሮ ተነቃፊ ዝኾነ ምርግጋእ ናይቲ ዞባ ንምዕቃብን ሕጹጽ ስጉምቲ ክውሰድ' ሶማሊላንድ ጸዊዓ'ላ።