ኣዘርባጃን ኣብ ኤርትራ ብዝተታሕዛ ሰለስተ መራኽባን ሰራሕተኛታትን ተቓውሞኣ ኣስሚዓ

ኣዘርባጃን፡ ሕዳር ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኤርትራ ብዝተታሕዛ ሰለስተ መራኽባን ሰራሕተኛታተንን፡ ጥርዓን ከምዘቕረበት ወሃቢ ቃል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣዘርባጃን ኣይክሳን ሓጂዛዳ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል እቲ ምኒስትሪ ንሮይተርስ ኣብ ዘሃቦ ሓበሬታ፡ እተን 18 ሰራሕተኛታት ዜጋታት ኣዘርባጃን ዝጸዓና መራኽብ፡ ብመትረብ ስዌጽ ናብ ኣቡዳቢ ክሓልፋ እንከለዋ፡ ብሰንኪ ሕማቅ ኵነታት ኣየር ናብ ማያት ኤርትራ ምስ ኣተዋ፡ ብ7 ሕዳር ከምዝተቐየዳ ገሊጹ።

እተን ብጨንፈር ኣዘርባጃን ካስፒያን ማሪን ሰርቪስስ ቢ.ቪ.ዝመሓደራ መራኽብ ሲኤምኤስ ፓሂልያን፣ ሲኤምኤስ ኢጊድን ሲኤምኤስ-3ን ዝተባህላ መራኽብ ኣብ ማያት ኤርትራ ምስ ኣተዋ፡ ምስ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ርክብ መስሪተን እኳ እንተነበራ እቲ ዘድሊ ዘበለ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘይሃባ ሓጂዛዳ ሓቢሩ።

ኣዘርባጃን ብዛዕባ እቲ ማእሰርቲ ምስ ፈለጠት ኣብ ኢትዮጵያን ሩስያን ብዘለዋ ኤምባሲታታ ኣቢላ ናብ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ መልእኽቲ ከም ዝሰደደት እውን ኣረዲኡ።

ኣብ ርእሲኡ፡ ነቲ ኵነታት ንምፍታሕ ምስ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ኣብ ቱርክን ሞስኮን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲታት ኤርትራ'ውን ኣኼባታት ተኻይዱ።

"ነተን መራኽብን ሰራሕተኛታትን ንምፍታሕን ኣድላዪ ቆንስላዊ ሕጋዊ ሓገዝ ንምሃብን ስራሕ ይቕጽል ኣሎ" ክብል'ውን ተዛሪቡ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ዝተዋህበ ወግዓዊ ምላሽ'ውን የለን።

ኤርትራ፡ ዓሳ ክገፋ ናብ ክሊ ማያታ ንዝኣትዋ መራኽብ በብእዋኑ ኣብ ቀይዲ ከምእተእትዎም ይፍለጥ።

ኣብ ሓምለ 2024፡ ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም ዝነበሩ 55 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ዓዶም ከምዝተፋነዉ ማዕከናት ዜና የመን ኣቓሊሓን ነይረን።

እቶም የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ኣብ ሓሙሽተ ጀላቡ ተጻዒኖም፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዓሳ ክገፉ እንከለው ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ተታሒዞም ከምዝተወስዱ መንግስቲ የመን ወቒሱ ነይሩ።