ኣባ ተኽለማርያም ሰምሃራይ፡ ንስርዓተ ኣምልኾ ግእዝ ዝተቓለስሉ ኣቦ

ቀዳማይ መጽሓፈ ቅዳሴ ግእዝ ካቶሊክ ብ1548 ብኣባ ተስፋጽዮን ድሕሪ ምሕታሙ፡ ካልኣይ ዝሰዓበ ኣብ ከረን ብ1890 ዝተሓትመ እዩ፣ ድሕሪ 342 ዓመታት።

ቅዳሴ ወይ ስርዓተ-ኣምልኾ ግእዝ ብብዙሓት ኤውሮጳውያን ምስዮናውያን "ይንዓቕ"ን ብስርዓት ሮማይስጥ (ላቲን) ንምቕያር ወትሩ ጻዕርታት ይካየድን ነበረ፤ ድሮ'ውን ኣብ መላእ ቍምስናታት ምድረ-ሓበሻ ተዘርግሐ።

ቅዳሴ ግእዝ ብሮማይስጥ ናይ ምትክኡ ድሌት ንዘመናት ዝጸንሐ እዩ። ኣብ መበል 16ን 17ን ዘመን ዝነበሩ እየሱሳውያን ምስዮናውያን፡ ስርዓተ ቅዳሴ ሮማይስጥ ናብ ኣብያተ ክርስትያን ምድረ ሓበሻ ከገድዱ ከም ዝፈተኑ ታሪኽ ዘዘንቱዎ እዩ፤ ግናኸ ብትሪ ተነጺጎም እዮም።

እዚ ኣብ መወዳእታ 19 ዘመን ዝተሓትመ ኣብ ኣገልግሎት ኣብያተ ክርስትያን ካቶሊኽ ክውዕል ምስ ተኣመመ'ውን፡ ንስርዓተ ክብርታቶም ደው ኢሎም ዝማጐትሉ ደቀባት ኣይተሳእኑን፣ ሓደ ካብኣቶም ኣባ ተኽለማርያም ሰምሃራይ ነበሩ።

ኣብቲ ብ1890 ኣብ ከረን ዝተሓትመ ቅዳሴ ግእዝ ምስ 14 ኣኰቴተ ቍርባን ገለ ክፋል ቅዳሴ ሮማይስጥ ስለ ዝኣተዎ፡ ኣባ ተኽለማርያም ብዘይ ሕንዳ ነቐፋኦም ኣቕረቡ።

ብዛዕባ ኣባ ተኽለማርያም ዘጽንዑን ዝተፈላለየ ጽሑፋት ዘበርከቱን ኣባ ዕቝባጋብር ወልደጊዮርግስ - ካብ ቍምስና ከረን - ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ "እቲ ኣብ መወዳእታ 1890ታት ኣብ ከረን ዝተሓትመ፡ ከምቲ ኣባ ተኽለማርያም ዝደልዩዎ ኣይኰነን ዝነበረ። ከምቲ ብቓሎም ዝበሉዎ፡ 'ጕዚ ገይርኩሞ፣ ከም ዝጥዕመኩም ቈራሪጽኩሞ' ይብሉ ነበሩ፡" ብምባል የብርሁ።

ካብዚ ነቒሎም ድማ ንዝጐደለ ክምልኡን ነቲ ከም ዝለግስ ዝግበር ዝነበረ ብግቡእ ከጽንዑን፡ ሓይሎም ብዝለዓለ ኣብ ስርዓተ ኣምልኾ ግእዝ ገበሩ። ዋላ እኳ ብሰንኩ ብዙሕ ገድሊ እንተ ኣሕለፉ፡ ዝተረፈ ህይወቶም ንኡ ደኣ ወፈዩ።

እቲ ዝገደፉዎ ሓድጊ ከኣ ወለዶታት ዘነቓቕሕ ታሪኽ እዩ. . .

ዜና መዋእል ኣባ ተኽለማርያም ሰምሃራይ

ዑስማናውያን፡ ኣብቲ ካብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ክሳብ ኒልን ክንዮኡን ንግዲ ዘካይድሉ ዝነበሩ እዋን፡ ንኸተማ ከረን ኣገዳሲት መተሓላለፊት ቦታ ብምባል ይገልጹዋ ነይሮም ይዀኑ።

ምዕራባውያን፡ በቲ ካብ 3 ለካቲት ክሳብ 27 መጋቢት 1941፡ ኢጣልያን እንግሊዝን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንመወዳእታ ግዜ ዝተዋግኡላ ቦታ ምዃና ይዝክሩዋ ይዀኑ።

ኤርትራውያን ግን ብርግጽ ዝተፈላለዩ ብሄራትን እምነታትን ብስኒት ዝነብሩላ ከተማ ኢሎም እዮም ዝገልጹዋ።

ሓድሓደ ኣብ ትሕቲኦም ኰይኖም መንፈሳዊ ምህሮ፡ ቋንቋ፡ ባህልን ወግዕን ዝተመሃሩ ድማ ኣባ ተኽለማርያም ሰምሃራይ ዝተወለዱላ ብምባል ይዝክሩዋ ይዀኑ።

ኣቦኦም ኣቶ ሰምሃራይን ኣደኦም ወ/ሮ ሃያር ደብሮምን ኣብታ ኣብ ጥቓ ጥንታዊ ገዳም ደብረ-ሲና እትርከብ ዓዶም ሽዕብ ሰለባ እዮም ዝቕመጡ ዝነበሩ። ኣብቲ ግዜ'ቲ ብሰንኪ ዝነበረ ውግእን ዕግርግርን ድማ ዑናኦም ሓዲጎም ናብ ከረን ከም ዝገዓዙ ጽሑፍ ኣባ ዕቝባጋብር ወልደጊዮርግስ ይገልጽ።

ብ23 ነሓሰ 1871 ኣብ ከረን ዝተወልዱ ኣባ ተኽለማርያም፡ ኣብ መበል 12 ዓመቶም ብ1883 ናብ ዘርኣ-ክህነት ከረን ተጸንበሩ።

ኣብቲ ኣቡነ ማርሰል ቱቬ ሓዋርያዊ መስተናብርት ኤርትራ ዝነበርሉ ግዜ ድማ፡ ንዓሰርተ ዓመታት መንፈሳውን ስሩዕ ትምህርትን ብምቕሳም፡ ንመጻኢ ህይወቶም መሰረት ኣንበሩ።

ብ27 ግንቦት 1893 ኣብ ከረን ክህነት ተቐቢሎም፡ ካህን ሰበኻ ኰይኖም ናብ ሓሊብ መንተል ተመደቡ። ቀጺሎም'ውን ናብታ ዝተመሃሩላ ዘርኣ-ክህነት ከረን ተመልሱ።

ናብ መበቈል ዓዶም ሽዕብ ሰለባን ሮብቶን ካቶሊኽነት ከም ዘተኣታተዉን ኣብተን ጥንታውያን ኣብያተ ክርስትያን መጋርሕን ባምቢን ከም ዘገልገሉን ኣባ ዕቝባጋብር ይሕብሩ።

ኣብ 1899 ንሓዋርያዊ መስተናብርት ኤርትራ ወኪሎም ከኣ ኣብቲ ኣብ ቱሪን - ኢጣልያ - ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ተሳተፉ።

ተጋድሎ ንስለ ስርዓተ ኣምልኾ ግእዝ

ኣባ ተኽለማርያም ኣብ ከረን ዘርአ-ክህነት እናተማህሩ እንከለዉ፡ ምስ ፍሉጣት ተጣበቕቲ ስርዓተ ቅዳሴ ግእዝ ዝነበሩ ኣባ ተኽለሃይማኖት ተኽለዝጊ፡ ቀሺ ሽታልን ካልኦትን ክራኸቡ ዕድል ረኺቦም እዮም።

ኢትዮጵያዊ ሊቅ ስነልሳን ሃለቃ ክፍለጊዮርግስ ብዓል ኣንኮበር፡ በቲ ግዜ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተላዕለ ሃይማኖታዊ ክርክር ዓዶም ክለቁ ተገዲዶም ኣብ ከረን ነበሩ። ኣባ ተኽለማርያም ኣብ እግሪ እዞም መዝገበ-ቓላት ግእዝ-ኣምሓርኛ ከምኡ'ውን ትርጓመ ሕዝቅኤል ዘዳለዉ ሊቅ ኰይኖም ክመሃሩ ከኣሉ።

ገና ኣብ ሸዊት ዕድመኦም ምስ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ምሁራን ምርኻቦም ድማ ንመጻኢ ህይወቶም "ቅርጺ ከም ዘትሓዞ፡" ኣባ ዕቝባጋብር የውክኡ።

ብተወሳኺ ኣባ ተኽለማርያም፡ ናይቲ ብ1879 ኣብ ወደብ ምጽዋዕ ተራጊፉ ብኣግማል ተጻዒኑ ኣብ ከረን ዝተተኽለ ቤት-ማሕተም ካብ እግሪ ተኽሉ ኣትሒዞም ሓደ ካብ ተጠቀምቱ ክዀኑ በቕዑ።

"ቀዳማይ ሕትመት ዝተመሃሩን ዝጥቀሙላ ዝነበሩን ኣባ ተኽለማርያም እዮም። ላዛሪስታውያን ብ1894 ካብ ኤርትራ ምስ ወጽኡ ድማ እቶም እንኮ ማሕተም ዝፈልጡ ዝተረፉ ንሶም ነበሩ፡" ክብሉ ኣባ ዕቝባጋብር ይገልጹ።

ቀጺሎም፡ "ብኡ ኣቢሉ ከኣ ፍቕሪ ንባብን ምርምርን ኣሒድሮም ኣብ ሰዋስዉ፡ ምልከት ቋንቋታት፡ ስነሕሳብ፡ ባህልን ልምድን ኣድህቦ ገበሩ። ቀንዲ ኣተኵሮ ዝገብርሉ ዝነበሩ ግን ስርዓተ-ኣምልኾ እዩ፡" ይብሉ።

ኣብቲ እዋናት፡ ካብ ጥልያንኛ ናብ ግእዝ ዝተተርጐመት ናይ ካቶሊኽ ቀዳመይቲ መዝሙር ዳዊት "ንኡስ መጽሓፍ ደቂ ማርያም" እትብል ኣርትዑን ናብ መፈጸምታ ኣብቅዑን። ቀጺሎም፡ "የግዕዝ ቋንቋ ሰውዋስው" (1899) ዝተሰምየት ብኣምሓርኛ ዝጸሓፉዋ ኣሕተሙ።

ኢጣልያ፡ ኤርትራ ግዝኣታ ምዃና ብ1890 ምስ ኣወጀት፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ላዛሪስታውያን ወጺኦም ማሕበር ካፑቺኒ ተክኡዎም። ሽዑ ድማ እዩ ስርዓተ ኣምልኾ ሮማይስጥ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ካቶሊኽ ንምእታው ኣበርቲዑ ዝቐጸለ።

ኣባ ዕቝባጋብር ካብ ቍምስና ከረን ነዚ ከብርሁ ከለዉ፡ "እቲ ብላዕሊ ዝነበረ መምርሒ ቤተ ክርስትያን ብስርዓትን ልምድን ናይተን ሃገራት ክትከዱ ኣለኩም ዝብል እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ዝመጽኡ ዝነበሩ ምስዮናውያን ግን ብግላዊ ተበግስኦም ናቶም ስርዓት ከተኣታትዉ ይደልዩ ነይሮም፡" ይብሉ።

"እቶም ኣብቲ ግዜ'ቲ ዝነበሩ ምስዮናውያን ላዛሪስት ካብ ፈረንሳ ዝመጽኡ እዮም ነይሮም። እቲ ናታቶም ስርዓት ምስ ናይ ምስራቓውያን [oriental churches] ስለ ዝዛመድ፡ ካልእ ስርዓት ከተኣታትዉ ብዙሕ ኣይጸቐጥሉን። እቶም ሰባት'ውን ኣብ ከም ሶርያን ባይዛንታይንን ዝኣመሰላ ዘገልገሉ ስለ ዝነበሩ፡ ብዛዕባ ስርዓተ ኣምልኾ ናይ ምስራቕ እንዶ ነይሩዎም እዩ።"

"ድሕሪ ምእታው ኢጣልያ ናብ ኤርትራ፡ እቶም ፈረንሳውያን ላዛሪስት ወጺኦም ኢጣልያውያን ካፑቺኒ ምስ ኣተዉ፡ ስርዓተ ኣምልኾ ላቲን ከእትዉ ብዙሕ ተበግሶታት ገበሩ። ንኣብነት፡ እዚ ሸውዓተ ምስጢራት ንብሎን ካልእ ምስ መንፈሳዊ ነገራት ዝተሓሓዝን ኣእትዮም፡" ክብሉ ኣባ ዕቝባጋብር የብርሁ።

በቶም ደቂ ሃገር ግን ተቓውሞ ነይሩ። "ንሕና እኹል ናትና ኣለና። ነቲ ናትና ብግቡእ ኣጽኒዕኩም ከም እንግልገለሉ ደኣ ግበሩ እምበር፡ ናይ ካልእ ስርዓት ኣምጺእኩም ኣብ ሃገርና ከተተግብሩዎ ኣይንቕበሎን ኢና፡" ይብሉ ከም ዝነበሩ ኣባ ዕቝባጋብር ይገልጹ።

ከምኡ ዘበሎም ምኽንያት ክገልጹ ከለዉ ድማ፡ "ምስ ካልኦት ኣሕዋት ክርስትያን (ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ማለቶም'ዩ) ሓድነት ኣለና። ንሕና በይንና ካልእ ስርዓት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ናትና ርስቲ ኣለና፣ ርስትና ክዕቀበልና ድማ ንደሊ ኢና፡" ይብሉ ከም ዝነበሩ ይዛረቡ።

ስርዓተ ኣምልኾ ግእዝ እንታይ እዩ?

ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ ኣብቲ ካብ 1975 ክሳዕ 1981 ኣብ ስምይቲ መጽሔት "ትምጻእ መንግስትከ" ዘውጽኡዎ ዝነበሩ'ሞ፡ ደሓር ብመጽሓፍ ዝጠርነፉዎ ጽሑፎም፡ ንስርዓተ ኣምልኾ፡ "ንሰብ ምስ ኣምላኹ ዘራኽቦ፡" ክብሉ ብሓጺሩ ይገልጹዎ።

ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ ኰነ ዶ/ር ሃብተሚካኤል ኪዳነ (ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ምዕባለን ናይ "ስርዓተ ቅዳሴ ግእዝ" እትብል መጽሓፍ ዝጸሓፉ) ከም ዝገልጹዎ፡ ስርዓተ ቅዳሴ ግእዝ ካብ ግዜ ዳግማይ ስብከት ወንጌል ማለት፡ ሓሙሻይን ሻዱሻይን ዘመን ኣትሒዙ ኣብ ኣኽሱም ከም ዝጀመረ የብርሁ።

ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ካብ እተመስረተትሉ ግዜ ኣትሒዛ፡ ንትምህርቲ ሃይማኖት ይዅን ኣምልኾ እግዚኣብሄር እትግልገለሎም መጽሓፍቲ ቅዳሴ ጸኒሖማ እዮም።

እዚ መጽሓፍቲ ቅዳሴ'ዚ ብቝጽሪ 14 (ኣኰቴተ ቍርባን) እኳ እንተ'ለዎ፡ ብኣገባብ ኣፈጻጽማኡ ግን ሰለስተ ክፍልታት ኣለዎ፤ 1) ግብኣተ መንጦላእት (ግዜ ምድላው)፣ 2) ጸሎተ ኣኮቴት (ግዜ ትምህርቲ)፣ 3) ኣኰቴተ ቍርባን (ፍረ ቅዳሴ) ይበሃሉ።

እቶም 14 ቅዳሴታት ድማ ቅዳሴ ሓዋርያት፡ ቅዳሴ እግዚእ፡ ቅዳሴ ዮሓንስ ወልደ ነጐድጓድ ወዘተ. እናበሉ ይዝርዘሩ።

ኣባ ተኽለማርያም ኣብ እየሩሳሌምን ሮማን

ኣባ ተኽለማርያም ብ1910 እየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ካቶሊኻዊ መዓርፎ ኣጋይሽ ተመደቡ። ኣብቲ ግዜ'ቲ ወዲ 39 ዓመት ኰይኖም፡ ብዛዕባ ስርዓተ ቅዳሴ ግእዝ ይዅን ቋንቋ ግእዝ ዝሓሸ ፍልጠት ኣኻዕቢቶም ነበሩ።

"መጀመርታ ምስቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኦርቶዶክሳውያን መነኰሳት ብግእዝ እናተዘራረቡ ኣፍልጦኦም ኣዕበዩ። ካብኡ ሓሊፎም፡ ከም ግብጺ፡ ሶርያ፡ ኢትዮጵያ፡ ሩስያ፡ ኣርመን ዝኣመሰላ ኵለን ምስራቓውያን ኣብያተ ክርስትያን ኣብ እየሩሳሌም ቦታ ስለ ዘለወን፡ ኣባ ተኽለማርያም ምስ ብዙሓት ክራኸቡን ስርዓተ ኣምልኾ ግእዝ ምስ ናይ ካልኦት ምስራቓውያን ከነጻጽሩን ዕድል ረኸቡ። ብዙሕ ድማ ጸሓፉ።"

ኣባ ዕቝባጋብር ከም ዝገልጹዎ፡ ኣሕዋት ካፑቺኒ ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምእታዎም፡ ስርዓተ ኣምልኾ ሮማይስጥ ንምትእትታው ካብቲ ቕድሚ ሽዑ ዝነበረ ብዝሓየለ መልክዑ ከም ዝቐጸለ እዩ።

ካብ ሮማይስጥ ናብ ግእዝ ዝተተርጐመ "መጽሓፍ ሊጡርጊያ" ዝተሰምየ ብ1910 ከምኡ'ውን ብ1924 ተሓትመ። እታ ኣብ 1890 ተሓቲማ ዝነበረት እውን ኣብ 1913 ዳግማይ ተሓትመት።

"ኣብ ገለ ምስዮናውያን ምስትንዓቕ ነይሩ። ስርዓትኩም ዝረብሕ ኣይኰነን፣ ካብ መጠን ንላዕሊ ነዊሕ እዩ ወዘተ፡" ዝብል ዘረባታት ከም ዝነበረ ኣባ ዕቝባጋብር የውክኡ።

ብኻልእ ወገን፡ እቶም ኤውሮጳውያን ምስዮናውያን ንስርዓተ ኣምልኾ ግእዝ ዝምልከት ብቛንቋኦም ዝተሓትመ ጽሑፋት ስለ ዘይነበረ፡ ኣብቲ ብደቀባት ዝግበር ምስጢራት ምጥርጣር ከም ዝነበሮም ይሕብሩ።

እዚ ድማ ነቶም ደቀባት ካህናት'ውን ምድንጋርን ዘይምርድዳእን ፈጠረሎም። ኣብ ከምዚ ኵነታት ኣብ ዝነበርሉ፡ ኣባ ተኽለማርያም ሰምሃራይ ኣብ መንጎ ካህናት ስምረት ክህሉን ኣብ መንነቶም ክጸንዑን ጸውዑ።

"ኣብቲ እዋን፡ ኣባ ተኽለማርያም ሰምሃራይ እቶም እንኮ ንኣካይዳ ናይቶም ምስዮናውያን ብግልጺ ዝነቐፉ ነበሩ። ኣብቲ ብ6 ሓምለ 1913 ካብ እየሩሳሌም ዝሰደዱዎ ሓያልን ወግዓውን መልእኽቲ፡ ንታሪኻውን ሊጡርግያውን ኣመዓባብላ ቅዳሴ ግእዝ ምስ ግብጻዊት ቤተ-ክርስትያን ብምንጽጻር ገለጹ።"

"ንኣጠመማታ እቶም ምስዮናውያን ብምንቃፍ፡ እቲ ካቶሊኻዊት ቤተ-ክርስትያ እትጥቀመሉ ዝነበረት ቅዳሴ ግእዝ ምስቲ ኣብ እየሩሳሌም ዝነበረ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፍ ንምንጽጻር ተበግሶ ወሰዱ።"

ስርዓተ ኣምልኾ ግእዝ ወጻእተኛታት ክፈልጡዎን ክርድኡዎን ኣለዎም ዝብል ልዑል ንያት ከኣ ኣሕደሩ።

ኣባ ተኽለማርያም ኣብ እዮሩሳሌም ንኣስታት 17 ዓመታት ጸኒሖም ናብ ሮማ ተመደቡ። ካብ 1927 ክሳዕ 1933 ድማ ኣብ ውሽጢ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኮለጅ ኢትዮጵያ ንዝነበሩ ተመሃሮ መንፈሳዊ ኣቦ፡ መምህር ቅዳሴን ቋንቋ ግእዝን ኰይኖም ሰርሑ።

"እቲ ዘሕዝን ግን፡" ይብሉ ኣባ ዕቝባጋብር፡ "ኣብቲ ኮለጅ ኣብ ዝነበርሉ፡ ምስቶም ኣብኡ ዝነበሩ መነኮሳት ኣይተሳነዩን። ኣብ መንጎ መራሕቲ ኮለጅን ኣባ ተኽለማርያምን ብዙሕ ግርጭታት ተፈጥረ፡" ይብሉ።

"ገሊኦም ፈረንጂ ንስርዓተ ኣምልኾ ግእዝ ስኣን ምርድኦም የቈናጽቡዎ ስለ ዝነበሩ፡ ኣባ ተኽለማርያም ድማ ኣብቲ ዝኣመንሉ ኣዝዮም ጽኑዕ እዮም። ኣብኡ ብዙሕ ክርክርን ምስሕሓብን ተፈጥረ። ነቶም ሽዑ ኣብ ቫቲካን ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተመሃሮ፡ እዚ ትመሃሩዎ ዘለኹም ኣብዚ ሓዲግኩም ናይ ዓድኹም ልማድ ኣዘውትሩ ይብሉዎም ነበሩ፡" ክብሉ ኣባ ዕቝባጋብር ይገልጹ።

"እዚ ሰላም ኣይህበናን እዩ ክብሉ ጀሚሮም። ካብኡ ከም ዝስጐጉ ድማ ገበሩዎም።"

ካብ 1933 ክሳዕ 1936 ናብ ፈረንሳ ግዒዞም ከም ካህን ኰይኖም ኣገልገሉ። ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝጸንሕሉ፡ ኣብ ሃገራዊ ቤት-ንባብ ፈረንሳ ዝነበሩ ጽሑፋት ብምጽናዕ፡ ነቲ ዝቐሰሙዎ ትምህርቲ "ጦማረ ፓሪስ" ብዝብል ጸሓፉዎ።

ድሕሪ ናይ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ጻንሒቶም ኣብ ፓሪስ ድማ ነቶም ስርዓተ ኣምልኾ ግእዝ ዝመሃሩ ሓዋርያዊ ሓገዝ ንምሃብ ናብ ሮማ ተመልሱ።

"ሽዑ'ውን እቲ ምስ ኮሌጅ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ቅርበት ንገለ መራሕቲ ጥርጣረን ቅንኢን ስለ ዘሕደረሎም፡ ካብ ሮማ ኣርሒቖም ናብ ግሮታፈራታ ወይ ናፖሊ፡ ቋንቋ ግእዝን ኣምሓርኛን ክምህሩ ክሰዱዎም ፈተኑ። ብዕድል ግን እዚ መደብ'ዚ ኣይተዓወተን፡" ይብል ጽሑፍ ኣባ ዕቝባጋብር።

"ንሶም ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሎም እዮም፣ ብቐሊሉ ኣይኰነን ሓሊፈሞ፡" ዝበሉ ኣባ ዕቝባጋብር፡ "ገሊኡ ክሳዕ ሕጂ ዘይተንከፍናዮ፡ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስትያን ብልማድ ካብ ቀደም ዝግበር ዝነበረ ኣኰቴተ ቍርባናት ኣባቴ ብናቶም ጻዕሪ ዘሕተምዎ ኣሎ፡" ይብሉ።

ኣብነታት ክህቡ ከለዉ ድማ፡ "ንሶም ዘሕተሙዎ ማእዛ ቅዳሴ ማርያም ዝበሃል ኣሎ። ኣኰተቴ ቍርባን ወንጌላዊ ማርቆስ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ኢትዮጵያ'ውን ዘየሎ ኣባ ተኽለማርያም ዘሕተሙዎ ኣሎ። ናይ ያዕቆብ እኅሁ ለእግዝእነ'ውን ብተመሳሳሊ፡" ክብሉ ይዝርዝሩ።

"ነዚ ናብ ገዳማት ትግራይን ውሽጢ ኢትዮጵያን እናኸዱን ብራናታት እናተወከሱን እዮም ኣብ ጽሑፍ ኣስፊሮሞ። እቲ ዝጸሓፉዎ ቀሊል ኣይነበረን፣ ምስ ትንታንኡ ዝቐረበ እዩ። ንኣብነት፡ ቅዱስ ማርቆስ ሰባኺ ወንጌል ኣብ ግብጺ እዩ ዝበሃል። ክርስትና ኤርትራን ኢትጵያን ምስ ግብጺ ፍሉይን ጥቡቕን ምትእስሳር ከም ዝነበሮ እዩ ዝግለጽ። ከመይ ገይሩ ደኣ ቅዳሴ ቅዱስ ማርቆስ ኣብ ምድረ ሓበሻ ዘየሎ? ኢሎም ዘቕረቡዎ ትንታነታት ኣሎ፡" ይብሉ።

ኣባ ዕቝባጋብር ንቢቢሲ ከም ዝገለጹዎ፡ "ኣብ ሮማ ከለዉ ታሪኽ፡ መንፈሳውነት፡ ባህልን ወግዕን ናይ ህዝብና ክፈልጡ ዝደልዩ ብዙሓት ወጻእተኛታት ንኣባ ተኽለማርያም ይውከሱዎም ነበሩ። ፈረንሳ፡ ላቲን፡ ጣልያን. . . ይኽእሉ ስለ ዝነበሩ'ውን ንጽሑፋት ናይቶም ተመራመርቲ ይእርምሎም ነይሮም፡" ይብሉ።

ኣበርክቶ ኣባ ተኽለማርያም ሰምሃራይ ኣብ ቋንቋ ግእዝ

ተመራማሪ ነገረ ሃይማኖት፡ ቋንቋን ባህልን ኣቶ በረኸት ዕቝባጽዮን፡ "ኣባ ተኽለማርያም ብንእሽቶኦም ስለ ዝመንኰሱ ክልተ ዕድላት እዩ ገጢሙዎም። ቀዳማይ፡ ሊቃውንቲ ምስ ዝነበሩ ሃለቃ ክፍለጊዮርጊስን ቀሺ ሽታልን ክፋለጡን ክመሃሩን ክኢሎም። ካልኣይ፡ ምስቲ ሽዑ ዝተኣታቶ ዝነበረ መስርሕ ሕትመት ብምልላዮም፡ ክጽሕፉን ኤውሮጵያውያን ብዛዕባ ግእዝ ዝነበሮም ግንዛበ ክርድኡን ጠቒሙዎም እዩ፡" ይብል።

በረኸት፡ "እዚ ኵሉ ምስቲ ዝነበሮም በሊሕ ኣእምሮን ኣፍልጦ ትግራይትን ትግርኛን ተወሲኹ፡ ልዕሊ'ቶም መምህራኖም ክበሃል ብዝከኣል ብዛዕባ ግእዝ ተመራሚሮም። መርኣያ ናይዚ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ሓበሻ ንመጀመርታን ንመወዳእታን ሰዋስው ግእዝ ብግእዝ ዝጸሓፉ ኰኑ፡" ይብል'ሞ፡ ንሰዋውስ ግእዝ ጥራሕ ዝምልከት፡ ዓሰርተ መጽሓፍቲ ከም ዝጸሓፉ ይገልጽ።

እዞም ንመጀመርታ ግዜ "ቋንቋ ሕሳብ" ብግእዝ ዝጸሓፉ ኣቦ፡ ካብ ቃላት ግእዝ (ትግርኛን ትግራይትን'ውን) ኣጣሚሮም ሓደስቲ ቃላት ኣብ ምፍጣር "ዘገርም ብቕዓት" ከም ዝነበሮም የብርህ።

በቲ ዝጸንሐ ከይተሓጽሩን "ሓበሻዊ ሕፍረት" ከይተሰምዖምን ምርምሮም የካይዱ ምንባሮም ዝገልጽ በረኸት፡ "ኣብ ኤርትራን ትግራይን ንንባብ ትእዛዛትን ምልክታትን ዝወሃቦም ኣስማት ብኣምሓርኛ እዩ። ኣባ ተኽለማርያም ግና ንግእዝ ብግእዝ ስም ክወሃቦ ቅኑዕ ስለ ዝመሰሎም፡ አልዕልን፡ አንህ፡ አድንን፡ አህዝ ዝብል ስያመታት ሂቦም ˆ ˇ ˚ ˉ ምልክታት ከም ዝገበሩሎም፡" ይገልጽ።

"እዚ ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብ ትግርኛ ምህዞ ሎሚ መሲሉ ዝቀላቐል ዘሎ፡ ኣባ ተኽለማርያም ቅድሚ 110 ዓመታት ዝመሃዙዎ እዩ።"

ድምጺ ፊዳላት ግእዝ ከመይ ገይሩ ከም ዝተመዛበለ ብዝርዝር ከም ዝጸሓፉ፣ "ኣብቲ ኣምሓርኛ ከም ቋንቋ ንጉስ፡ ትግርኛ ድማ ከም ቋንቋ ጐሓላሉ ምዃኑ ዝንገረሉ ዝነበረ እዋን፡ ግእዝ ካብ ናብ ኣምሓርኛ ናብ ትግራይትን ትግርኛን ከም ዝቐርብ፡ ኣብቲ ብኣምሓርኛ ዝጸሓፉዎ መጽሓፍ ሰዋስዉ ከም ዝጠቕሱ፡" ይሕብር።

"ክሳዕ ሎሚ ኣብ ዘለዉ መጻሕፍቲ ግእዝ፡ ንስርዓተ ነጥቢ ዘብርህ የልቦን። ግእዝ ብመሰረቱ'ውን ስርዓተ ነጥቢ ኣይነበሮን። እቶም ስርዓተ ነጥቢ ዝመስሉና፡ ክልተ ነጥቢ፡ መስቀል ዝመስል ብዓል ሸውዓተ ነጥቢ፡ መፍለዪ ቃላት ደኣ'ምበር፡ ስርዓተ ነጥቢ ኣይነበሩን።"

ኣባ ተኽለማርያም ግና ኣብቲ ኣብ 1899 ዓ.ም.ግ ዝጸሓፍዎ መጽሓፍ፡ ነጥብ፡ ሰረዝ፡ ነቍጥ፡ ትእምርተ ቃለ ሐተታ፡ ትእምርተ ቃለ አንክሮ፡ ትእምርተ ቃለ ስላቅ ከም ዝጠቕሱ በረኸት ይገልጽ። "እዚኦም ቅድሚኦምን ድሕሪኦምን ኣይተሰምዩን። ንኣይ ከም ዝመስለኒ፡ ጽልዋ ንባባት ኤውሮጳዊ ስነጽሑፍ እዩ።"

ኣብ ኣጸሓሕፋ ፊደላት'ውን ምምሕያሻት ገይሮም እዮም። "ፊደላት ግእዝ ብቕርጺ ጥራሕ ክትፈልዮም ከለኻ ደሓን ክጸንሑ ከለዉ፡ ካብ ካዕብ ክሳብ ሳብዕ ኣብ ዘሎ ግና ምስቶም ደቂ ምድቦም ኣይሳነዩን እዮም። ኣባ ተኽለማርያም ኣብ ብራናታት ብዝገበሩዎ ምርምር፡ ከምኡ ከም ዘይነበረ ንፈረንሳዊ ዲ. ኣባዲ ብምጥቃስ ይምግቱ፡" ይብል።

"ኣባ ተኽለተማርያም ኣብ ዝጸሓፉዎም መጻሕፍቲ፡ እሞ ከኣ ነቲ እዋን ኣብ ግምት ኣእቲኻ መወከሲታት ክረኽቡ ኣጸጋሚ እዩ። እንተዀነ፡ ወጻእተኛታት ንእኒ እዮብ ሉዶልፍ፡ ዲልማን፡ ፕሮተርዮስ፡ ዲ. ኣባዲ፣ ካብ ደቂ ሓበሻ ከኣ ሃለቃ ክፍለጊዮርጊስ ኣብ እግረ-ጽሑፎም ይጠቕሱ። እዚ ከኣ ንኻልኦት ጸሓፍቲ ዝነበሮም ኣኽብሮትን ኣብ ምርምራዊ ጽሑፋት ዝነበሮም ኣፍልጦን እዩ ዘረድኣና፡" ብምባል ኣድናቖቱ ይገልጽ።

ተመራማሪ ነገረ ሃይማኖት፡ ቋንቋን ባህልን ኣቶ በረኸት፡ ኣባ ተኽለማርያም ሰምሃራይ ኣብ ቋንቋ ግእዝ ንመጀመርታ ግዜ ዘእተውዎ ብዙሕ እዩ ዝገልጽ። እዚ ኣብዚ ጽሑፍ'ዚ ተጠቒሱ ዘሎ ውሑድ ኣብነት እዩ።

ኣባ ተኽለማርያም ቅድሚ ሞቶም ዝተላበውዎ

ኣባ ተኽለማርያም፡ ብኣውራኡ ክርአ እንከሎ፡ ነቲ ኤውሮጳ ማእከል ዝገበረ ርእዮተ ዓለም እዮም በዲሆም - እሞ ድማ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት።

እዚ ንኤውሮጳ ኣብ ማእከል ዘቐመጠ ኣረእእያ ዓለም'ዚ፡ ምስ ናይ ገዛእ-ርእሱ ስነሓሳብ፡ ታሪኽ ወይ ክብርታት ዘይካፈሉ ሕብረተሰባት ዘግልልን ኣትሒቱ ዝርኢን እዩ። ካብኡ ሓሊፉ'ውን ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ንዘለዉ ሕብረተሰባት "መድሕን" ከም ዝዀነ ይኣምን።

ኣባ ተኽለማርያም ካብ ኤውሮጳዊ ስርዓት ብዙሕ እናተማህሩ፡ ነቲ ኣቦታቶም ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ብዙሕ ዋጋ ከፊሎም ንዘማዕበሉዎን ናብ ወለዶታት ንዘሰጋገሩዎን ስርዓተ ኣምልኾ፡ ቋንቋ፡ ወግዕን ባህልን ደው ኢሎም ቈይሞምሉ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብልሳን ኤውሮጳውያን እናጸሓፉ ከም ዝፍለጥን ከም ዝድነቕን ገይሮም እዮም።

ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ ሕቶ፡ ንሶምስ ቃልሶም ወዲኦም እቲ ውርሻኦምከ ተሰጋጊሩዶ ዝብል እዩ።

ኣባ ዕቝባጋብር ነዚ ከብርሁ ከለዉ፡ "እቲ ናቶም ሓድጊ ከምቲ ግቡእ ኣይተታሕዘን፡" ብምባል ዘረባኦም ይጅምሩ።

"እቲ ጽልዋ ናይቶም ወጻእተኛታት እዩ መስለኒ ኣባና'ውን ብዙሕ ተገዳስነት ዘርኣዩ ኣይነበሩን። ካብቶም ውሑዳት ኣብነት፡ ዝያዳ ተገዳስነት ዝነበሮም ኣብነ ኣብርሃ ፍራንስዋ እዮም።"

ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ (1918 - 2000)፡ እቶም ጓሳ ህዝቦም ዝነበሩ ስሙይ ኣቦ፡ ካብ 1961 ክሳዕ 1984 ጳጳስ ካቶሊኻዊት ቤት ክርስትያን ኤርትራ ዝነበሩ ኰይኖም፡ ኣብ ትሕቲ ኣባ ተኽለማርያም ሰምሃራይ ኰይኖም ካብ ዝተማህሩ ናይ መወዳእታ እዮም።

"ኣቡነ ኣብርሃ ንኣባ ተኽለማርያም ስዒቦም ኣብ ቤተ ክርስትያን ካቶሊኽ ብዙሕ ለውጢታት ኣምጺኦም እዮም፡" ዝበሉ ኣባ ዕቝባጋብር፡ ስርዓተ ኣምልኾና ክጸሪ፡ ናትና መንፈሳውነት፡ ባህልን ልማድን ክንሕዝ ኣለና ኢሎም ብዙሕ ከም ዝተቓለሱ ይምስክሩ።

ኣባ ዕቝባጋብር ቀጺሎም፡ ዝርአ ድኽመት መራሕቲ ድሕሪ ምልዓል፡ "እቶም ዝፈልጡ ወጻእተኛታት ይድነቕሉ እዮም። ነቲ መጻሕፍቲ እውን ብዙሕ ይውከሱዎ። ንሕና ግን ብኣንጻሩ ሸለል ንብሎ። ቀዳሞት ዝተዋደቕሉ ኣሰር ዘይብሉ ምሕዳግ ዘሐብነና ኣይኰነን፡" ብምባል ጓሂኦም ይገልጹ።

"ኣባ ተኽለማርያም ቅድሚ ሞቶም ኣብ ሮማ ኰይኖም፡ 'እዚ ናተይ መጻሕፍቲ ብግቡእ ተሰኒዱ፡ ኣብ ኣብያተ መጽሓፍ ዘርኣ-ክህነት ከረን ክቕመጠለይ ድላየይ እዩ፡' ዝብል ለበዋ ሓዲጎም እዮም።"

ቀልጢፉ ናብ ኣእምሮኻ ዝመጽእ እሞኸ ኣብ ከረን ተዓቂቡዶ ዝብል እዩ።

"እቶም ሽዑ ኣብ ሮማ ዝነበሩ ተመሃሮ፡ ለበዋ ከኽብሩ ዓቕሞም ብዘፍቅዶ ንገለ ስርሓቶም ኣምጺኦሞ እዮም። እንተዀነ፡ ገለ ሰባት ብግቡእ ክሕዙዎ ኣይከኣሉን። እቲ ዝነበረ ውግእን ምምዝባልን'ውን ናቱ ግደ ነይሩዎ፡" ይብሉ።

ኣባ ዕቝባጋብር ወልደጊዮርግስ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን ንኣባ ተኽለማርያም ዝምልከት ኣብ ዘቕረቡዎ ጽሑፍ፡ ብኣባ ተኽለማርያም ዝተጻሕፉ 45 ጽሑፋት ዘርዚሮም ኣለዉ።

እቶም 19 ዝተሓትሙ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ 26 ድማ ገና ዘይተሓትሙ እዮም።

እቶም ኣብ ገለ ጽሑፋቶም፡ "ኣባ ተኽለማርያም ወልደ ሰምሃራይ ዘብሔረ ሰለባ ዘደብረ ሲሐት" ብምባል ዘስፍሩ ዝነበሩ ኣቦ፣ እቶም ግእዝን ስርዓቱን ክምዕብልን ካብ ኤውሮጳዊ ዕብለላ (Eurocentrism) ዝተኸላኸልሉን ኣቦ፡ ብ30 ሕዳር 1942 ኣብ መበል 71 ዓመቶም፡ ገድሎም ወዲኦም ካብዛ ዓለም ተፈልዩ።

ኣብ ውሽጢ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ሃና ከኣ ሓመድ ኣዳም ለበሱ።