እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣውስትራልያ፡ ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን መጥቃዕቲ ምስ ዘካይድ ዝነበረ ሰብ ዝተጠማጠመ ኣድናቖት ይረክብ
ብሰንበት ምሸት፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ገምገም ባሕሪ ሃኑካ - ፈስቲቫል ብርሃን - ዘኽብሩ ዝነበሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ኣይሁድ መጥቃዕቲ ንዝፈጸመ ውልቀሰብ ዝተኸላኸ ሰብኣይ፡ ወዲ 43 ዓመት ኣሕመድ ኣል-ኣሕመድ ምዃኑ ሰብመዚ ኣውስትራልያ ኣፍሊጦም።
ኣብቲ ጽምብል ልዕሊ 1,000 ሰባት ከም ዝነበሩ ዝገለጸ ፖሊስ፡ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ጓል 10 ዓመት እትርከቦም 15 ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢሩ።
እቲ መጥቃዕቲ ድማ ግብረ-ሽበራዊ'ዩ ኢሉ።
ዋና ድኳን ፍሩታታትን ኣቦ ክልተ ቈልዑን ዝዀነ ኣቶ ኣሕመድ፡ ኣብ ቅልጽሙን ኢዱን ብዝበጽሖ መጕዳእቲ ኣብ ሆስፒታል መብጣሕቲ ይግበረሉ ከም ዘሎ ስድርኡ ን7ኒውስ ኣውስትራልያ ሓቢሮም።
ወዲ ሓውቦ ኣቶ ኣሕመድ ዝዀነ ሙስጣፋ ብሰንበት ኣጋምሸት ን7ኒውስ ኣውስትራልያ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ጅግና'ዩ፣ 100% ጅግና'ዩ። ኣብ ክልተ ቦታ ተጐዲኡ ኣሎ፤ ሓንቲ ኣብ ቅልጽሙ ሓንቲ ድማ ኣብ ኢዱ፡" ኢሉ።
ሙስጣፋ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ሓድሽ ሓበሬታ፡ "ደሓን ክኸውን ተስፋ እገብር። ትማሊ ምሸት ርእየዮ። ጽቡቕ ነይሩ ግን ሓኪም እንታይ ከም ዝብል ንጽበ ኣለና፡" ኢሉ።
ፖሊስ ከም ዝብሎ፡ እቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ክልተ ውልቀሰባት፡ ወዲ 50ን ወዲ 24ን ዓመት ኣቦን ወድን እዮም።
እቲ ወዲ 50 ዓመት ሰብኣይ ኣብቲ ቦታ ክመውት እንከሎ፡ እቲ ወዲ 24 ዓመት መንእሰይ ድማ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኵነታት ኣብ ሆስፒታል ከም ዘሎ ፖሊስ ኣረጋጊጹ።
ኣቶ ኣሕመድ እዞም ውልቀሰባት መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍጽምሉ እዋን ደው ንምባል ናብ ማእከሎም ክኣቱ እንከሎ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብሰፊሑ ኣብ ኢንተርነት ተዘርጊሑ ኣሎ።
ሓደ ካብቶም ዕጡቓት ኣብ ጥቓ ንእሽቶ ድንድል እግረኛታት ብድሕሪ ኦም ስየ ደው ኢሎም ናብ ሰባት እናተኰሰ የርኢ።
ብድሕሪ ደው ኢላ ዝነበረት መኪና ተሓቢኡ ዝነበረ ኣሕመድ፡ ናብቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ዘሊሉ ክሕወስ ይረአ።
ነቲ ሽጉጥ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ክምንዝዕ ክቃለስ ይርአ፤ ንዕኡ ናብ መሬት ደፊኡ ብምውዳቕ ድማ ነቲ ሽጉጥ ናብኡ ኣነጻጺሩዎ። እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ናብቲ ድንድል ክምለስ ንድሕሪት ክምለስ ይጅምር።
ብድሕሪኡ ኣሕመድ ነቲ ሽጉጥ ኣውሪዱ ንሱ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ከም ዘይኰነ ንምርኣይ ሓንቲ ኢዱ ናብ ኣየር ሓፍ ኣቢሉ።
እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ድሒሩ ኣብቲ ድልድል ካልእ ብረት ኣልዒሉ መሊሱ ክተኵስ ይረአ።
ካልእ ዕጡቕ እውን ካብቲ ድንድል ይትኵስ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ መን ወይ ንምንታይ ዕላማ ከም ዝዀነ ግን ንጹር ኣይኰነን።
ቀዳማይ ምኒስተር ኒው ሳውዝ ዌልስ ክሪስ ሚንስ ብሰንበት ኣጋምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንጅግንነት ናይቲ ኣብቲ እዋን ስሙ ዘይተገልጸ ኣሕመድ ንኢዱ።
"እቲ ሰብኣይ ሓቀኛ ጅግና'ዩ፣ ሎሚ ምሸት ድማ ብሳላ ጅግንነቱ ብዙሓት ሰባት ብህይወት ከም ዘለዉ ኣይጠራጠርን።"
ቀዳማይ ምኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዝ፡ "ሎሚ ኣውስትራልያውያን ንኻልኦት ንምሕጋዝ፡ ንነብሶም ናብ ሓደጋ ከእትዉ ርኢና ኢና፡" ኢሉ።
"እዞም ኣውስትራልያውያን ጀጋኑ እዮም፡ ጅግንነቶም ድማ ህይወት ኣድሒኑ'ዩ።"
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንኣቶ ኣሕመድ፡ "ዓቢይ ኣኽብሮት" ከም ዘለዎ ብምግላጽ ንኢዱ።
"ኣዝዩ ኣዝዩ ተባዕ ሰብ'ዩ፣ ብሓቂ፡ ከይዱ ንሓደ ካብቶም ተኳሲ ብቕድሚት ኣጥቂዑ፡ ህይወት ብዙሓት ድማ ኣድሒኑ፡" ኢሉ።