ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ሓደ ሚልየን ኣባይቲ ብዘይ ኣገልግሎት መብራህቲ ተሪፎም

ሩስያ ኣብ መሰረተ ልምዓት ፀዓትን ኢንዳስትሪን ዩክሬን ብተኸታታሊ ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልየን መንበሪ ኣባይቲ፡ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከም ዝተቛረፆም ሰብመዚ ዩክሬን ገሊፆም።

ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ዩክሬን ኢሆር ክላይሜንኮ፡ ሓሙሽተ ክልላት ዒላማ ደብዳባት ሩስያ ከም ዝኾናን፡ ብውሑዱ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝተጐድኡን ሓቢሩ።

ሰብመዝን ሰራሕተኛታት ህፁፅ ምላሽን ድማ፡ በቲ ደብዳብ ንዘጋጠመ ባርዕ ንምጥፋእን ኣገልግሎት ናብ ንቡር ንምምላስን ይፅዕሩ ከም ዘለዉ ገሊፁ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ፀዓት ዩክሬን ደብዳባት ምክያዳ ልሙድ እኳ እንተኾነ፡ እታ ሃገር ናብ ክረምቲ ትኣትወሉ ኣብ ዘላ እዋን ሞስኮ እትፍፅሞም መጥቃዕትታት ኣሐይላ ትቕፅል ኣላ።

ልኡኽ ጉዳያት ወፃኢ ፕረዝደንት አሜርካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብዚ ቀዳመ ሰናብቲ ናብ ጀርመን ብምቕናዕ፡ እቲ ኵናት ንምግታእ ምስ ፕረዝደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪን መራሕቲ ኣውሮጳን ንምዝርራብ ኣብ ዝተዳለወሉ እዩ፡ እዚ መጥቃዕቲ ተፈፀሙ ዘሎ።

ዩክሬንን ሩስያን ንምሽምጋል ይካየድ ንዘሎ ፃዕሪ ዋይት ሃውስ ዝመርሕ ስቲቭ ዊትኮፍ፡ ኣብቲ ሓድሽ እማመ ሰላም ዝምልከት ምስቶም መራሕቲ ኣብ በርሊን ክዘራረብ እዩ።

ፕረዝደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ብለይቲ ኣብ ዝፈፀመቶም መጥቃዕትታት ልዕሊ 450 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን 30 ሚሳይላትን ከም ዝተጠቐመት ገሊፁ።

ኢሆር ክላይሜንኮ ብወገኑ፡ ክልላት ድኒፕሮፔትሮቭስክ፣ ኪሮቮራድ፣ ማይኮላይቭ፣ ኦዴሳን ቼርኒሂቭን፡ ብሩስያ ከም ዝተደብደባ ሓቢሩ።

ሚኒስትር ምክልኻል ሩስያ፡ ኣብቶም ብለይቲ ዝፈፀሞም መጥቃዕትታት፡ ንኪንዛል ሃይፐርሶኒክ ሓዊሱ፡ ዝተፈላለዩ ሚሳይላት ከም ዝተጠቐመ ኣፍሊጡ። ኪንዛል ሃይፐርሶኒክ፡ እናተወንጨፈ እንከሎ ኣንፈት ዝቐያይር ብምዃኑ፡ ንምክልኻልን ንምኽሻፍን ኣፀጋሚ እዩ።

ዓለምለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ፡ መመንጨዊ ሓይሊ ኒኵለር ዛፖሪዥያ፡ ካብቲ ጣብያ ወፃኢ ካብ መርበብ ፀዓት ዝረኽቦ ኤሌክትሪክ፡ "ብሰንኪ ዘጋጠመ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲታት ብግዝያውነት ከም ዝተቛረፀ" ገሊፁ። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ግና እቲ ናብ ዛፖሪዥያ ዝተቛረፀ ፍሰት ኤሌክትሪክ፡ ናብ ንቡር ተመሊሱ ኣሎ።

መመንጨዊ ሓይሊ ኒኵለር ዛፖሪዥያ፡ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሩስያ ዘሎ ግዝኣት ዩክሬን እዩ ዝርከብ።

ኣብዚ እዋን ፀዓት የምንጨው'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኒኵለር ዝምንጭወሉ ክፋላት ንምዝሓል ግና ኤሌክትሪክ ክረክብ ኣለዎ።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ እቲ ኵናት ቅድሚ በዓል ልደት ንምግታእ ምስ ሰብመዚ ዩክሬንን ሩስያን ብዙሓት ልዝባት'ኳ እንተካየደ፡ ክሳብ ሕዚ ግና ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ዘኽእል ኣፋፍኖት ኣይተረኸበን።

ኣብቲ ኣብ በርሊን ዝካየድ ልዝብ፡ ኣየኖት መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ ከም ዝርከቡ ዛጊድ ኣይተፈጠን።

ብዛዕባ እቲ ኣኼባ ኣቐዲሙ ሓበሬታ ዝዘርገሐ ዎል ስትሪት ጆርናል፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪጣንያ ሰር ከር ስታርመር፣ ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማኽሮንን ቻንስለር ጀርመን ፍሬድሪክ መርዝን ከም ዝሳተፉ ፀብፂቡ።

ዩክሬን፡ ዝተመሓየሸ በዓል 20 ነጥብታት እማመ ሰላም ንአሜርካ ምቕራባ ስዒቡ እዩ፡ ኣኼባ ዊትኮፍ-ዘለንስኪ ዝካየድ ዘሎ።

ዕጫ ምብራቕ ዩክሬን ኣብቲ ድርድር ካብ ዘለዉ በዳህቲ ጉዳያት እንትኾን፡ ኪየቭ ብዘይሕጋዊ መገዲ ንዝተጐበጠ ግዝኣታ ንሩስያ ኣሕሊፋ ክትህብ ፍቓደኛ ኣይኰነትን።

ሞስኮ ግና፡ ዩክሬን እንተዘይ ኣንሳሒባ ንክልል ዶንባስ ሙሉእ ብሙሉእ ብሓይሊ ከም ትወስዶ ብተደጋጋሚ ክትገልፅ ፀኒሓ።

ዘለንስኪ፡ ነቲ ሕቶ 'ግዝኣት ይግበኣኒ' ንምፍታሕ ብአሜርካ ዝቐረበ እማመ ጥርጣረ ኣለዎ። እቲ እማመ፡ ሰራዊት ዩክሬን ካብቲ ክልል ከንሳሕብን "ፍሉይ ቁጠባዊ ዞባ ክኸውንን" ዝጠልብ እዩ።

እቲ ፕረዝደንት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሩስያ ሰራዊት ዩክሬን ናብ ዘንሳሕበሎም ከባብታት ከይትሓልፍ ቃል ከም ትኣትው፣ ካብኡ ኣብ መንጎ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክሬምሊን ዘለዉ ከባብታት ዶንባስን መስመራት ምክልኻል ዩክሬንን ዘሎ መሬት፡ ካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ነፃ ናብ ዝኾነ ዞባ ከም ዝቕየር፡ ብአሜርካ እማመ ከም ዝቐረበ ገሊፁ።

ዘለንስኪ፡ "(ሩስያ) ንከይትግስግስ ዝገትኣ እንታይ እዩ? ወይ ድማ ሓይልታት ሩስያ ሰለማውያን መሲሎም ሰሊኾም ከም ዘይኣትዉ'ኸ?" ኢሉ።

ዩክሬንን ኣብ ኣውሮጳ ዝርከባ መሻርኽታን፡ ብአሜርካ ዝምርሑ ልዝባት ፅቡቕ ይኸዱ ከም ዘለዉ እዮም ብወግዒ ዝገልፃ። እቲ ብአሜርካ ዝቐረበ እማመ ሰላም፡ ኣብ ፈለማ ንሩስያ ዝወገነ ይመስል'ኳ እንተነበረ፡ ደሓር ግና ንዝተገበሩ መመሓየሽታት ንኢደን እየን።

ይኹን'ምበር፡ ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ትራምፕ ብዘለንስኪን ንዕኡ ዝድግፋ ሃገራት ኣውሮጳን፡ ትዕግስቱ ይፅንቀቕ ከምዘሎ ዘርእዩ ምልክታት ኣለዉ።

ፕረዝደንት አሜርካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን ምስ ፖለቲኮ ኣብ ዘካየዶ ተሪር ቃለመሕትት፡ ንመራሕቲ ኣውሮጳ "ድኹማን" ኢሉ ብምንቃፍ፡ ዩክሬን መረፃ ክተካይድ ዳግማይ ፀዊዑ።

ፕረዝደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብወገኑ፡ አሜርካን ኣውሮጳን ዘድልይ ውሕስና ፀጥታ ዝህባ እንተኾይነን፡ ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት መረፃታት ክካየድ ከም ዝከኣል ገሊፁ።