እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እሳተ-ጐመራ መዓስ ከም ዝነቱግ ኣቐዲምካ ምፍላጥ ይከኣልዶ?
ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈንጀረ እሳተ-ጎመራ ሃይሊ ጉቢ ን12,000 ዓመታት ተደጒሉ እዩ ጸኒሑ፣ ክሳዕ ዝሓለፈ ሰንበት ከኣ ዝዀነ ዓይነት ምንቅስቓስ ኣየርኣየን ነይሩ።
ካብቲ እሳተ-ጎመራ ዝወጽአ ሓመዅሽቲ፡ ክሳብ ኣስታት 305 ሜትሮ ንላዕሊ ተጒጉ፤ ደቀቕቲ ስብርባራት ድማ ኣብ ሰማይ ተራእዮም።
ሃይሊ ጉቢ ካብ ኤርታዕለ 15 ኪሎሜተር ርሒቑ ይርከብ። ኤርታዕለ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ ንጡፍ እሳተ-ጎመራ እዩ።
ምንታጕ ሃይሊ ጉቢ፡ ልዑል መጠን ዘለዎ 'ማግማ' ኣስዒቡ፣ በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ መሬት ጐድጒዱ።
ማግማ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝርከብ ብኸፊል ወይ'ውን ምሉእ ንምሉእ ዝመኸኸ ከውሒ እዩ።
ሃይሊ ጉቢን ኤርታዕለን ኣብ ሃጓፍ ስንጭሮ ምብራቕ ኣፍሪቃ - ሪፍት ቫሊ- ይርከቡ። እዚ ጐልጐል'ዚ ናይ ኣፍሪቃን ኣረቢያን ቴክቶኒክ ፕሌታትን (ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከቡ ቀጸላታት ኣኻውሕ) ዝራኸብሉ ቦታ እዩ።
ቴክቶኒክ ፕሌት (tectonic plates) ንላዕለዋይ ሽፋን መሬት ዝሽፍኑ ጽኑዓት ኣኻውሕ እዮም።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል ተመራማሪት ስነፍልጠት መሬት ዝዀነት ፕሮፌሰር ጁልየት ቢግስ፡ ነቲ ዞባ ንዓመታት ኣጽኒዓቶ እያ።
ምፍንጃር ኤርታዕለን ሃይሊ ጉቢን ምትእስሳር ከም ዘለዎም ትረዛብ።
"ኤርታዕለ እናማህመነ ስለ ዝመጽአ ኵሉ ነገር ብሃይሊ ጉቢ እዩ ዝወጽእ፡" ትብል።
ኣብ ውሽጢ ማግማ ዝፈሰሰ ከውሒ፡ ማዕድናትን ዝፈሰሰ ጋዝን ይርከቡ። እቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ተዓቚሩ ዘሎ ጋዝ ናብ መሬት የስፋሕፍሕ።
እዚ ድማ ብሰንኪ ለውጢ ከባብን ኣብ ትሕቲ መሬት ዘሎ ጸቕጥን ዝፍጠር እዩ።
ኣብ ትሕቲ መሬት ዘሎ ጸቕጢ ልዑል ደረጃ ምስ በጽሐ፡ እቲ ማግማ ይነድድ።
ኣብ ትሕቲ እሳተ-ጎመራ ሓድሽ ማግማ ምስ ዝፍጠር ከም ሃይሊ ጉቢ ዝኣመሰለ ምፍንጃር የጋጥም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ በርሚንግሃም ተመራማሪ ከባቢ ማይክ ካሲዲ ከም ዝበሎ፡ ካልእ ምኽንያት፡ ከም ምምካኽ በረድ (glacier melting) ወይ ምጕሕጓሕ መሬት ዝኣመሰለ ከባብያዊ ለውጢ እዩ።
ኣብ መንጎ ንጡፍን ዝተደጐለን እሳተ-ጎመራ ዘሎ ኣፈላላይ
ንጡፋት እሳተ-ጎመራታት፡ ብቐሊል ኣገላልጻ እቶም ኣብዚ እዋን ንጡፋት ዘለዉ ክንብሎም ንኽእል። ብኣንጻሩ ዘለዉ ድማ ዘይንጡፋት ወይ ዝተደጐሉ እሳተ-ጎመራታት (dormant volcanoes) ተባሂሎም ይጽውዑ።
ሃይሊ ጉቢ ቅድሚ ምፍንጃሩ፡ ዘይንጡፍ እሳተ-ጐመራ እዩ ነይሩ። እዚ፡ ከም ንጡፍ እሳተ-ጎመራ ዝርኣየሉ እዋናት'ውን ኣሎ።
ቅድሚ 11,650 ዓመታት ምድሪ ንመወዳእታ ግዜ ብበረድ ካብ እትሽፈን ንደሓር ዝተላዕሉ እሳተ-ጎመራታት ንጡፋት ይበሃሉ።
እቲ ዘይንጡፍ ወይ ዝተደጐለ ዝበሃል ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዘይተፈንጀረ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ኣብ ዝዀነ እዋን ግን ናይ ምንታጕ ተኽእሎ ኣለዎ።
ካልእ ዓይነት እሳተ-ጎመራ ድማ ዕረፍቲ-ኣልቦ (restless) እሳተ-ጎመራ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ መሬት ምትእኽኻብ ወይ ምንቅስቓስ ማግማ ዘርኢ እዩ።
ዕርፈቲ-ኣልቦ እሳተ-ጎመራ ብቐጻሊ ዝነድድ እዩ።
ኣብ ኣመሪካ ጂኦሎጂካል ሰርቨይ ዝሰርሕ ማይክል ፖላንድ ከም ዝብሎ፡ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ እሳተ-ጎመራታት ሓድሓደ ግዜ ካብቲ ሳይንሳዊ ሕግታቶም ክወጽኡ ይኽእሉ እዮም።
"እሳተ-ጎመራ ሎስቶን ን70,000 ዓመታት እኳ እንተ ዘይተፈንጀረ፡ ንቑሕ እተሳ-ጎመራ ኢና ንብሎ። ገሊኦም እሳተ-ጎመራታት ኣስኪኦም ንነዊሕ ዓመታት ይጸንሑ እሞ ሃንደበት እዮም ዝፍንጀሩ፡" ክብል የረድእ።
ካልእ ዓይነት እሳተ-ጎመራ ድማ ዳግማይ ዘይነትጉ (extinct volcanoes) እዮም፣ ማግማ ዘይብሎም ከኣ እዮም።
ዋላ'ኳ እቲ ኣብ ሩስያ ዝተፈንጀረ ቦልሻያ ኡዲና ኣብ ዝርዝር ዳግም ዘይፍንጀሩ እሳተ-ጎመራታት እንተሃለወ፡ ኣብ 2017 ውሱን ምንቅስቓስ ድሕሪ ምርኣዩ ግን ከም ድጕል እሳተ ጎመራ ተመዲቡ።
እሳተ-ጎመራ ቅድሚ ምንታጉ ዘርእዮም ምልክታት
እሳተ-ጎመራ መዓስ ከም ዝፍንጀር ንምፍላጥ ሓበሬታ ምእካብ ኣገዳሲ እዩ። ሞያዊ ትንበያ ንምግባር እውን መርትዖ ክህሉ ኣለዎ።
ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ምንቅስቓስ ጋዝ እሳተ-ጎመራ ወይ ምንቅስቓስ ትሕቲ ምድሪ፡ እሳተ-ጎመራ ክፍንጀር ከም ዝቐረበ የመላኽት።
ዝያዳ መረዳእታ እናተኣከበ ምስ ከደ፡ እሳተ-ጎመራ መዓስ ከም ዝነቱጕ ብዝበለጸ ክንግምቶ ንኽእል።
ኣብ ጂኦሎጂላል ሰርቨይ ኣመሪካ ዝሰርሕ ማይክል ፖላንድ፡ "ነትጒ እሳተ-ጎመራ ኣብ ምግማት ዝሓሸ ኴንና ኣለና፡" ይብል።
ይዅን እምበር: እሳተ-ጎመራ፡ "ንኽነቱጕ ኣዝዩ ዝቐረበ" ምዃኑ ምልክታት ተራእዮም፡ "መሬት ብሸፋፉ (ጥልቀጥ ዘይብሉ) ጥራይ እትኽፈተሉ፡" እዋናት ከም ዘሎ የረድእ።
እዚ ጸቢብ ክፍተት'ዚ ማግማ ካብ መሬት ንኽወጽእ የኽእሎ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል ተመራማሪት መሬት ፕሮፌሰር ጁልየት ቢግስ፡ ምስሊ ሳተላይት ንንጥፈታት እሳተ-ጎመራ ንምግማት ወሳኒ መሳርሒ ምዃኑ ትዛረብ።
ንሳ፡ ምስሊ ሳተላይት ተጠቒምካ ብዛዕባ ከም ብዓል ሃይሊ ጉቢ ዝኣመሰሉ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ዝዀኑ ከባቢታት ትንበያታት ክግበር ከም ዝኽእል ትዛረብ።
"ኵሉ እቲ እንገብሮ ትንበያታት ቅኑዕ ኣይኰነን። ቅድሚ ምስሊ ሳተላይት ምጥቃምና፡ ንምንቅስቓስ ምንታጕ እሳተ-ጎመራ ከይርኣናዮ ኢና ተሪፍና፡" ትብል።
ሃይሊ ጉቢ ን12,000 ዓመታት ኣስኪኡ ምጽንሑ እውን ትጠራጠር። ምንቅስቓስ እቲ እሳተ-ጎመራ ከይተራእየ ወይ ከይተመዝገበ ሓሊፉ ክኸውን ከም ዝኽእል ትግምት።
ድሮናት ብምጥቃም'ውን ብሰብ ክዕቀን ዘይኽእል ልዑል ሙቐት ምምዝጋብ ይከኣል።
ኣየናይ እዩ እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ እሳተ-ጎመራ?
ኣብ ዩኒቨርሲቲ በርሚንግሃም ተመራማሪ ከባቢ ማይክ ካሲዲ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ሓደገኛታት እሳተ- ጎመራታት እቶም ናብ ሰባት ወይ ህንጻታት ዝቐረቡ እዮም።
ኣብ ስያትል ዝርከብ እሳተ-ጎመራ ረይነርን፡ ኣብ ኢጣልያ ኔፕል ዝርከብ ካምፒ ፍሌግረይን ከም ኣብነት ይጠቅስ።
ኣስታት 45 ሚእታዊት ካብቶም ንጡፋትን ተደጒሎም ዘለዉን እሳተ-ጎመራታት ክትትል ይግበረሎም።
መብዛሕትኡ እቲ ክትትል ብመንግስታትን ውልቀሰባትን ዝካየድ ኰይኑ፡ ብዙሕ መረዳእታ ዘይእክባ ሃገራት እውን ኣለዋ።
ኣብ ኢጣልያ ዝርከብ ኢታናን ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ሉቶንን ካብቶም ብቐረባ ክትትል ዝግበረሎም እሳተ-ጎመራታት'ዮም።
ኢታና ካብ እሳተ-ጎመራታት ኤውሮጳ እቲ ዝበዝሐ ንጡፍ እሳተ-ጎመራ እዩ።
እሳተ-ጎመራ ኢታና፡ ኣብ ኢንዶነዥያ፡ ፊሊፒንስን ቫኑዋቱን ካብ ዝርከቡ 160 እሳተ-ጎመራታት ብዝበለጸ መጽናዕቲ ተገይርሉ።
ምፍንጃር ሃይሊ ጉቢ ንመብዛሕትኦም ክኢላታት ኣገሪምዎም። ኣዝዩ ሃንደበታዊ ስለ ዝነበረ ብተዛማዲ ዘይፍለጥ እሳተ-ጎመራ እዩ ነይሩ።
"ኣብ ዓለም ኣስታት 1,500 እሳተ-ጎመራታት ኣለዉ። ብዛዕባ [ሃይሊ ጉቢ] ብዙሕ ኣይፈልጥን እየ። ኣብኡ ከይደ ኣይፈልጥን፡" ይብል ፕሮፌሰር ማይክ ካሲዲ።
ኤርታዕለ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ ንጡፍ እሳተ-ጎመራ እዩ።
ዝለዓለ ኣሃዝ ንጡፍ እሳተ-ጎመራ ዝርከበለን ሃገራት
እዘን ዝስዕባ ሃገራት ኣብ ዓለምና ዝበዝሑ ንጡፋት እሳተ-ጎመራታት ከም ዘለወን ኣብ ትሕቲ ስሚሶኒያን 'ግሎባል ቮልካኒዝም ፕሮግራም' ይሕብር።
ኣመሪካ - 165
ጃፓን - 118
ሩስያ - 107
ኢንዶነዥያ - 101
ቺለ - 90
ኢትዮጵያ - 50
ፓፑዋ ኒው ጊኒ - 39
ኢኳዶር - 36
ሜክሲኮ - 35
ኣይስላንድ - 35