እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራዊት ስኒት ሃብተኣብ ንግስቲ ወይዘሪት ኣፍሪቃ ኣሜሪካ 2023 ኰይና
ኤርትራዊት ስኒት ሃብተኣብ ንግስቲ ወይዘሪት ኣፍሪቃ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ (Miss Africa USA) 2023 ብምዃን ዘውዲ ደፊኣ።
ኣብቲ ብቐዳም ምሸት ኣብ ሆቴል ክራውን ፕላዛ ከተማ ግሪንበልት ዋሽንግተን ዝተኻየደ ወግዓዊ ጽምብል፡ ባንዴራ ኤርትራ ዝሓዙ ደገፍታ ሓጐሶም ብዓውታ ክገልጹ ተራእዮም።
ኣብ ቈልዑ ብፍላይ ከኣ ኦቲዝምን ዳውንሲንድሮምን ዘለዎም ሰባት ኣብ ምሕጋዝ ክትሰርሕ ከም እትደሊ ንቢቢሲ ዝገለጸት ስኒት፡ ኣብ 1999 ኣብ ኤርትራ ተወሊዳ ዝዓበየትን ኣብ ክፍለግዝኣት ቨርጂንያ ኣሜሪካ እትነብርን እያ።
ስኒት 10,290 ድምጺ ብምርካብ ቀዳመይቲ ክትከወን እንከላ፡ ተወላዲት ኮንጎ ኣሚኒ ቦናነ 5,155 ካሜሩናዊት ኣዝሂንዊ ካትያነ ከኣ 2,440 ድምጺ ረኺበን ካልኣይትን ሳልሰይትን ኰይነን ኣለዋ።
ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈት ኢትዮጵያዊት ኤልዳዊት ሳምሶን 340 ነጥቢ ረኺባ።
ዕላማ እቲ ውድድር መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ማሕበረሰበን ናይ መሪሕነት ተራ ንኽህልወን ምሕያልን ግሎባዊ ሰብኣውነት ዝያዳ ተበጻሒ ንምግባር ምዃኑን መርበብ ሓበሬታ እቲ ውድድር የረድእ።
ውድድር ወይዘሪታ ኣፍሪቃ ኣሜሪካ፡ በብዓመቱ ዝካየድ ኰይኑ ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለወን ደቂኣንስትዮ ካብ መላእ ኣሜሪካ ዝሳተፋኦ እዩ።
ስኒት ንውድድር ወይዘሪት ኣፍሪቃ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ "ነቲ ዓቢይ ራእየይ ዝዀኑ ሓገዝትን መሻርኽትን ኣብ ምርካብን ምስ ዝተፈላልዩ ዓበይቲ ዕድላትን ሰባት ንምርኻብ ባይታ ክፈጥረለይ ሰፊሕ ዕድል ስለዘለዎ፡ ከም ናብቲ ሸቶይ መብጽሒ ድልድል እየ ዝርእዮ” ትብል።
ንሳ ኣቐዲማ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት፡ ዳውን ሲንድሮም ዘለዋ ጓል 16 ዓመት ምንኣሳ ሓፍታ ምስቲ ኵነታታ ዝሳነ ብቝዕ ትምህርቲ ዘይምርካባ፡ ኣብቲ ዓውዲ ኣድሂባ ክትሰርሕ ከምዝደረኻ እያ ገሊጻ።
ስለዚ ከኣ “በቲ እግዚኣብሄር ዝሃበኒ ናይ ምምህርና ፍቕሪ፡ መጽናዕትን ትምህርትን ወሲኸ ንኵነታትን ዓቕምን ናይዞም ሓገዝ ዘድልዮም ቈልዑ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ንዕኦም ዝበቅዕ ስርዓተ ኣመሃህራ ወይ ካሪክለም ከመሓይሾን ከዐርዮን እየ ዝሓስብ ዘለኹ፡” ትብል።
ነዚ ክውን ንምግባር ከኣ ዝተፈላለየ "ንዕላማይ ከሳልጥ ይኽእል እዩ" ኣብ ዝበለቶ ኣጋጣሚታት ንእትረኽቦ ዕድል ትምህርትታትን ስልጠናታትን ትወስድ ምህላዋ’ውን ገሊጻ።
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዘምርሐት ስኒት ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆርጅ ሜሰን (George Mason University)፡ 4ይ ዓመት ተማሃሪት ኒሮሳይንስ እያ።
ብተወሳኺ ኣብ ናይ ሞንተሰሪ ናይ ቅድመ ትምህርቲ ተማሃሮ ከም ተሓጋጋዚት መምህር ብምዃን ትሰርሕ ኣላ።
ቋንቋ ትግርኛ፡ ጣልያንኛ እንግሊዘኛን ጽቡቕ ገይራ እትመልኽ ስኒት፡ ቋንቋ ፈረንሳን ኣምሓርኛን እውን ማዕረ እዞም ሰለስተ ቋንቋታት ደኣ ኣይዅን እምበር ብዝተወሰነ ደረጃ ትዛረብ እያ።
ስኒት ኩዕሶ ሰኪዐትን ቴኒስን ከምእትጻወትን ሳሕቲ’ውን ሳዕስዒት ሳልሳ ከምእተዘውትር ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሚስኣፍሪካዩኤስኤ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ሓቢራ።