እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዙር ጋቦን 2023፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ሳልሳይ ወጺኡ ኤርትራ መሪሕነታ ዓቒባ
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ጋቦን ስጳኛዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ቡርጎስ፡ ኣንገል ፈረናንደስ ክዕወተሉ እንከሎ፡ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሄኖክ ሙሉብርሃን መበል ሳልሳይ ብምውጻእ ኣብ ብጫ ማልያ ናብ ሳልሳይ ደይቡ።
ካብ ካንጎ ናብ ኣንጎንድጀ ኣብ ዝተኻየደ 103.5 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ናይ ሎሚ ውድድር ንኣንገል ፈርናንደስ ተኸቲሉ ዕዉት ቀዳማይ መድረኽ እዚ ውድድር ፈረንሳዊ ጀፍሪ ሱፐ ካልኣይ ክኸውን እንከሎ ሄኖክ ሙሉብርሃን ሳልሳይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።
ሄኖክ ሙሉብርሃን በዚ ናይ ሎሚ ዓወቱ ተሓጊዙ ነታ ትማሊ ዘረከባ ንመንእሰይ እትውሃብ ማልያ ሎሚ ናብ ዝባኑ መሊስዋ ኣሎ፡ ብዘይካ እዚ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ’ውን ትማሊ ዝተረከበቶ መሪሕነት ንቶታል ኢነርጂ ብ19 ካልኢት መሪሓ ሎሚ ዓቒባቶ ኣላ።
ናይ ሎሚ ጸወታ ተጻወተቲ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሰዓት 49.5 ኪሎሜተር እናዘወሩ ዘካየድዎ ናህሪ ዝነበሮ ጸወታ ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኽ ዙር ጋቦን እቲ ዝልዓለ ፍጥነት ዝተመዝገቡ መድረኽ ኮይኑ ኣሎ።
ናይ ዝሓለፈ መድረኻት ውጽኢት
ኣብ ናይ ግዜ ብጫ ማልያ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ዝተረከባ ጃሶን ቴሶን ክሳብ ሕጂ ንዝተኻየደ ሓሙሽተ መድረኻት ብ14 ሰዓት፡ 36 ደቒቕን 7 ካልኢትን ብምዛዘም ክዕቕባ እንከሎ ወዲ ጋንትኡ ጀፍሪ ሱፐ ብ4 ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ከኣ ትማሊ ካብ ዝነበሮ ደረጅኡ ብሰለስተ ክብ ብምባል ብ17 ካልኢት ድሒሩ ናብ ሳልሳይ ደረጃ ሓኲሩ ኣሎ።
ኣብታ ብሄኖክ ሙሉብርሃን ተወኒና ዘላ ንመንእሰይ እትውሃብ ማልያ ካብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኤፍሬም ገብረህይወት ራብዓይ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ከኣ መበል ታሽዓይ ተሰሪዖም ኣለዉ።
ብነጥቢ ወናኒ ብጫ ማልያ ፈረንሳዊ ጃሶን ቴሶን ብ112 ቀዳመይ ክኸውን እንከሎ ሄኖክ ሙሉብርሃን ብ78 ነጥቢ ሳልሳይ ተሰሪዑ ኣሎ።
ንኣንበሳ ዓቐብ ኣብ እትውሃብ ማልያ ናይ ሎሚ ውድድር ኣብ ጎልጎል ስለዝነበረ ካብ ናይ ትማሊ ዝተቐየረ ውጽኢት የለን፡ ቤልጂማዊ ለነርት ተጉልስ ብ8 ነጥቢ ቀዳማይ ስጳኛዊ ማርዮ ኣፓሪኮ ብተመሳሳሊ ነጥቢ ካልኣይ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ከኣ ብ6 ነጥቢ ኣብ ሳልሳይ ተሰሪዑ ኣሎ።
ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙሻይ መድረኽ ካብ ኤርትራውያን ተጻወትቲ ኩሎም ግዜ ከይከሰሩ፡ ሚኪኤል ሃብቶም መበል 14፡ ኤፍሬም ገብረህይወት መበል 15፡ ናትናኤል ብርሃን መበል 16፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ መበል 17፡ ዳዊት የማነ መበል 21 ከምኡ ከኣ ሜሮን ተሾመ መበል 37 ወጺኦም።
ቅድሚ ሕጂ ነዚ ውድድር ዝተዓወትሉ ተቐዳደምቲ
2022- ብምኽንያት ኮሮና ኣይተኻየደን
2021- ብምኽንያት ኮሮና ኣይተኻየደን
2020- ፈረንሳዊ ጆርዳን ለቫሱር
2019- ኢጣልያዊ ቦኒፌዞ ኒኮሎ
2018- ርዋንዳዊ ኣረሩያ ጆሴፍ
2017- ፈረንሳዊ ጀን ዮሃን
2016- ፈረንሳዊ ፐቲት ኣድርያን
2015- ቱኒዝያዊ ጊቶይ ራፌ
2014- ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ
2013- ፈረንሳዊ ጀን ዮሃን
2012- ፈረንሳዊ ቻርትዩ ኣንቶኒ
2011- ፈረንሳዊ ቻርትዩ ኣንቶኒ
2010- ፈረንሳዊ ቻርትዩ ኣንቶኒ