እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ሰባት እዮም ኣታሊሎምኒ' ልዕሊ 6 ሚልዮን ዶላር ብምትላል ዝተኸሰሱ ቀሲስ በላይ
ስኑዕ ሰነዳት ተጠቒሞም ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዶላር ከውጽኡ ፈቲኖም ብዝብል ዝተጠርጠሩን ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉን ቀሲስ በላይ መኮነን ትማሊ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።
እቶም ሃይማኖታዊ ኣቦ፡ “እቲ ተግባር ኣብ ዝተፈጸመሉ ቦታ ዝተረኸብኩ ሰባት ኣታሊሎምኒ እዩ" ክብሉ ንቤት ፍርዲ ምዝራቦም ጠበቓኦም ኣቶ ቱሊ ባይሳ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ቅድም ክብል ሃገረ ስብከት ኦሮሚያ ንምቛም ብዝገበርዎ ምንቅስቓስ ዝፍለጡ ምክትል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሃገረ ስብከት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ሊቀ ኣእላፍ ቀሲስ በላይ፡ ብረቡዕ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ነይሮም።
ንሶም፡ ስኑዕ ሰነዳት ተጠቒሞም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቀጽሪ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዝርከብ ጨንፈር ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ገንዘብ ከውጽኡ ፈቲኖም ብዝብል ከምዝተጠርጠሩ ጠበቓኦም ኣቶ ቱሊ ኣረዲኡ።
ብኸምዚ ኣገባብ ሽዱሽተ ሚልዮንን ሓምሳ ሽሕን ዶላር ከውጽኡ ፈቲኖም ብዝብል ዝተጠርጠሩ እቶም ሃይማኖታዊ መራሒ፤ ብኣባላት ጸጥታ ሕብረት ኣፍሪካ ተታሒዞም ናብ ምርመራ ፖሊስ ፈደራል ከምዝተረከቡ እቲ ጠበቓ ገሊጹ።
እቲ ገንዘብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰኑይ መዓልቲ፡ ብናይ ሓሶት ሰነድ ኣቢሉ ካብ ባንክ ሕሳብ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምውጻእ ተሓሲቡ ከምዝነበረ እቲ ሕብረት ናብ ኣሃዱ መርመራ ገበንን ሓደጋ ትራፊክን ፈደራል ፖሊስ ንዝጸሓፎ ደብዳበ ጠቒሱ ጋዜጣ "ዘ ሪፖርተር" ጸብጺቡ ነይሩ።
ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ እቲ ገንዘብ ንክፍሊት ኣርባዕተ ስርሓት ህንጸት ከምዝውዕል ብምጥቃስ እዩ ንምውጻእ ተፈቲኑ።
መርማሪ ፖሊስ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ ቀሲስ በላይ ፈተሻ ከምዘካየደን ሓንቲ ሽጉጥ ከምዝረኸበን ጠበቓኦም ንቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ።
ፖሊስ እቲ ዝረኸቦ ሽጉጥ ፍቓድ ዘለዎ ድዩ ኣይኮነን ንምርግጋጽ፣ ካልኦት ሽዱሽተ ተሓባበርቲ ጥርጡራት ንምሓዝ ከምኡ'ውን ናብ ባንክን ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ መንግስትን ንዘቕረቦ ሕቶ መልሲ ክሳብ ዝወሃቦ ንምጽባይ ተወሳኺ 14 መዓልታት መርመራ ክፍቀደሉ ንቤት ፍርዲ ሓቲቱ’ሎ።
ፖሊስ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረቦ መብርሂ፡ "ሃገራዊ ጉዳይ'ዩ፣ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ከቢድ ገበን'ዩ" ምባሉ’ውን እቲ ጠበቓ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ቀሲስ በላይ እንታይ ኢሎም?
እቶም ንተኸሳሲ ቀሲስ በላይ ወኪሎም ዝቐረቡ ሽዱሽተ ጠበቓታት ብወገኖም ተወሳኺ ግዜ መርመራ ክፍቀድ ከምዘይብሉ "ኣጥቢቘም" ከምዝመጐቱ ኣቶ ቱሊ ተዛሪቡ።
"ቀዳማይ ነገር ንሶም ናብቲ ቦታ ካብ ምኻድ ወጻኢ ነቲ ደብዳበ ኣብ ምድላው ኮነ ምቕባል ተሳትፎ ኣይገበሩን። ኣብቲ ደብዳበ’ውን ስሞምን ሕሳብ ባንኮምን የለን። ስለዚ እቲ ገበን ካብ መጀመርታኡ ብኻልኦት ሰባት ዝተፈተነ ስለዝዀነ ንዕአም ዝምልከት ኣይኰነን። እንተዀይኑ’ውን መሰል ዋሕስ ዘኽልእ ኣይኰነን" ክብል ነቲ ጠበቓታት ዘቕረብዎ ምጕት ኣብሪሁ።
ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ክዛረቡ ዕድል ዝረኸቡ ቀሲስ በላይ፡ "ንፖሊስ ዝእዘዙን ሕጊ ዝግዝኡን" ምዃኖም ከምኡ’ውን "ኣብ ዝድለዩሉ እዋን ኣብ ዝዀነ ግዜን ቦታን ክቐርቡ ከም ዝኽእሉ” ብምግላጽ ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ንኽፈትሖ ሓቲቶም።
ኣብቲ ገበን ተፈጺምሉ ዝተባህለ ቀጽሪ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተረኽቡ ከኣ፡ "ሰባት ወሲዶምዎምን ተታሊሎምን" ከምዝዀኑ ምዝራቦም ዝጠቐሰ ጠበቓኦም ኣቶ ቱሊ፡ "ኣብቲ ቦታ ካብ ምርካቦም ብዝሰገረ ካልእ ዝፈጸምዎ ተግባር ከምዘየለ" ነቲ ቤት ፍርዲ ኣረዲኦም ኢሉ።
“እቶም ሰባት እዮም ኣታሊሎም ናብኡ ዝወሰዱኒ። ናብኡ ዝኸድኩ ንምትሕብባር ከምኡ’ውን ነቶም ኣካየድቲ እቲ ባንክ ‘እዚ ሰነድ ቅኑዕ ሰነድ ድዩ ኣይኰነን’ ዝብል ንኽሓቶም እምበር ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ካብቲ ሰነድ ረብሓ ንምርካብ ሓሲበ ኣይኰንኩን። እቲ ሓላፊ ባንክ፡ 'ቅኑዕ ሰነድ ኣይኰነን' ምስ በለኒ ሽዑ ፖሊስ ዝጸዋዕኩ ኣነ እየ" ምባሎም እውን ጠበቓኦም ኣቶ ቱሊ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቶም ነቶም ሰነዳት ኣዳልዮም ዝበሃሉ ሰባት "ከምዝሃደሙ" ነቲ ቤት ፍርዲ ዝሓበሩ ተጠርጣሪ ቀሲስ በላይ፡ ብዛዕባኡ "ዝፈልጡን ክምርመሩ ዝግባኦምን" ንሳቶም ምዃኖም ኣረዲኦም።
ንሶም ኣብቲ ጉዳይ ክተሓባበሩ ዘድለየሉ ምኽንያት ነቲ ቤት ፍርዲ ከምዘይተዛረቡ ዝጠቐሰ ጠበቓኦም፡ እዚ ዓይነት ዝርዝር ኣብ ዝመጽእ መስርሕ ፍርዲ ክውሰን ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ፍርዲ ፈደራል ካብቲ ፖሊስ ዝሓተቶ ተወሳኺ ናይ 14 መዓልታት ግዜ መርመራ ነቲ ሸሞንተ መዓልታት ጥራይ ፈቒዱ’ሎ።