ዕድመ ዜጋታታ ብሓደ ወይ ክልተ ዓመት ትንኪ ዘላ ሃገር

ደቡብ ኮርያ፡ ንዕድመ ዝምልከት ሓዲሽ ሕጊ ብምእትታዋ ኩሎም ዜጋታት ዕድሚኦም ብሓደ ወይ ብክልተ ዓመት ከምዝጎድል ኮይኑ።

ዜጋታት እታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ዕድሚኦም ብባህላዊ ኣገባብ’ዮም ክቖጽሩ ጸኒሖም፡ ሕጂ ግን እታ ሃገር ከሉ ዜጋ ዕድሚኡ ከምቲ ኩሉ ዓለም ዝጥቐመሉ ኣቆጻጽራ ዕድም ክጥቐም ዘገድድ ሕጊ ስለዘተኣታተወት’ያ ዕድመ ዜጋታት ብሓደ ወይ ክልተ ዓመት ዝጎድል ዘሎ።

ደቡብ ኮርያውያን በቲ ባህላዊ ኣገባቦም፡ ህጻንት ካብታ ድቂ ዝተተሓዘሉ’ዮም ዕድሚኡ ክቆጽሩ ዝጅምሩ።

ኣብ ልዕሊኡ ዕድመ ሓደ ሰብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጥሪ ሓደ ዓመት እናወሰኸ’ዩ ዝኸይድ።

ንኣብነት 31 ታሕሳስ ዝተወለደ ህጻን፡ ካብ ዝተጠነሰሉ ወርሒ ተሓሲቡ ወዲ ትሽዓት ወርሒ ክብሃል ይጸንሕ’ሞ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ሓደ ዓመት ወሲኩ፡ ወዲ ሓደ መዓልቲ ክንሱ ወዲ ዓመትን ትሽዓተ ወርሕን ይብሃል።

መንግስቲ ደቡብ ኮርያ፡ ነቲ ባህላዊ ኣገባብ ኣቆጻጽራ ዕድም ካብ ሎሚ ረቡዕ ጀሚሩ ደው ክብል’ዩ ኣዊጁ ዘሎ።

ፕረዚደንት እታ ሃገር ዮን ሴክ ዮል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንፕረዚደንትነት ክወዳደር እንከሎ፡ ኣገባብ ኣቆጻጽራ ዕድም ምቕያር ሓደ ካብ ቀንዲ ዕላማታቱ ምዃኑ’ዩ መብጽዓ ኣትዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ዮን ሴክ ዮል እቲ ባህላዊ ኣገባብ ኣቖጻጽራ ዕድመ፤ ንመንግስቲ ናብ ዘየድሊ ወጻኢታት የእትዎ ከምዘሎ’ዩ ዝማጎት።

እዚ ‘ኮርያን ኤጅ’ እናተባሃለ ዝጽዋዕ ኣገባብ ኣቆጻጽራ ዕድመ ኣብ ክልተ ዝተኸፋፈለ ኮይኑ፡ ኣብ ገለ እቲ ቖልዓ ውልድ ምስ በለ ወዲ ሓደ ዓመት ተባሂሉ ይምዝገብ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ከኣ ናብ ካልኣይ ዓመቱ ይሰግር።

ንኣብነት በዛ ሎሚ 28 ሰነ 2023 እንተሓሲብና፡ 29 ሰነ 2003 ዝተወለደ ሰብ በቲ ኩሉ ዓለም ትጥቐመሉ ኣገባብ እንተሓሲብና እዚ ሰብ ዕድሚኡ ትሕቲ 19 ዓመት’ዩ፡ በቲ ኮርያውያን ዝጥቀምሉ ኣገባብ እንተጸብጺብናዮ ግን ዕድሚኡ ዳርጋ 21 ዓመት’ዩ።

ደቡብ ከርያ፡ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ነቲ ባህላዊ ኣገቖጻጽራ ዕድመ ደው ክብል ኣብ ታሕሳስ ብምሉእ ድምጺ ስለዘጽደቕዎ’ዩ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ዘሎ።

ብዙሓት ሃገራት ርሑቕ ምብራቕ፤ ነዚ ናይ ደቡብ ኮርያ ዝመሳሰል ኣገባብ ኣቆጻጽራ ዕድም ይጥቐማ’ኳ ኣንተነበራ መብዛሕትአን ገዶኢፈነኦ’የን፡ ጃፓን ኣብ 1950 ሰሜን ኮርያ ከኣ ኣብ 1980 ነቲ ባህላዊ ኣገባብ ኣቖጻጽራ ደው ብምባል ናብቲ ዓለም ትጥቐመሉ ዘላ ኣገባብ ዝርዓማ ሃገራት’የን።