ብሰንኪ ድርቂ ኣብ ዝነቐጸ ሩባ፡ ዘይተፈንጀረ ቦምባ ካልኣይ ኲናት ዓለም ተረኺቡ

ኣብ ሓደ ሩባ ኢጣልያ ጥሒሉ፡ ንሓያሎ ዓመታት ከዘይተፈንጀረ ዝፀንሐ ቦምባ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብሰንኪ ብርቱዕ ድርቂ ተቓሊዑ።

እቲ 450 ኪሎ ግራም ዝምዘን ቦምባ፡ ኣብ ገምገም እቲ ዝተፀንቀቐ ሩባ “ፖ” እዩ ብገፈፍቲ ዓሳ ተረኺቡ።

ሰፊሕ ክፋላት ናይቲ 650 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ሩባ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢጣልያ፡ ድሕሪ 70 ዓመታት ዘጋጠመ ዝኸፍአ ድርቂ ከምዝነቐጸ ተገሊፁ’ሎ።

ዘይልሙድ ውዑይ ኩነታት ኣየርን ትሑት መጠን ዝናብን፡ ንሕጽረት ማይ ሰሜናዊ ኢጣልያ ከጋድዶ እንከሎ፡ ንስግኣት ሳዕቤናት ክሊማዊ ለውጢ ኣዛዪዱዎ ኣሎ።

ሹመኛ ሰራዊት ኢጣልያ ኮሎኔል ማርኮ ናሲ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ቦምባ ብገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ገምገም ሩባ ፖ ተረኺቡ" ኢሉ።

ሰበስልጣን ሰራዊት ኢጣልያ ከምዝብልዎ እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተረኸበ ዘይተፈንጀረ ቦምባ ኣብ ውሽጡ 240 ኪሎ ግራም ዝምዘን ተፈንጃሪ ዝሓዘ እዩ።

ክኢላታት ምእላይ ቦምባታት፡ መስርሕ ምምካን እቲ ቦምባ ከካይዱ ብዝብል ኣብቲ ከባቢ ንዝነብሩ ኣስታት 3,000 ሰባት ካብቲ ቦታ ክወፅኡ ከምዝተገበረ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ከንቲባ ናይቲ ከባቢ ፍራንቸስኮ ኣፖሪ "ኣብ መጀመርታ ገለ ካብቶም ነበርቲ ካብ መንበሪኦም ክወጽኡ ከምዘይደልዩ ገሊጾም ነይሮም። ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ግን ንኹሉ ዘእመንና ይመስለና" ክብል ተዛሪቡ።

ክሊ ኣየር ናይቲ ከባቢ እውን ንሓጺር እዋን ዝተዓፀወ ኮይኑ ኣብቲ መስመር ማይ ዝነበረ ትራፊክ’ውን ክግታእ ተገይሩ ነይሩ።

ኣብ ኢጣልያ እቲ ዝነውሐ ሩባ ፖ ካብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣልፕስ ንታሕቲ ክሳብ ባሕሪ ኣድሪያቲክ ይውሕዝ። ካብዚ ዓመት ዝተረኽቡ ዓመታዊ ሳተላይት ምስልታት ከምዘመልክትዎ ግን ብሰንኪ ከቢድ ድርቂ ዝነቐጸ ክፋሉ ይሰፍሕ ከምዘሎ የርእዩ።

ሰበስልጣን ኢጣልያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዙርያ እቲ ኣስታት ሓደ ሲሶ ምህርቲ ሕርሻ እታ ሃገር ብመስኖ ክካየድ ዝሕግዝ ሩባ ፖ ዝርከቡ ከባቢታት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣዊጆም ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብሰንኪ ሙቐትን ሕጽረት ዝናብን ኣዝዩ ስለዝጎደለ፡ ሓረስቶት ስንጭሮ ፖ፡ ኣብዚ እዋን ጨዋም ማይ ባሕሪ ናብቲ ሩባ ይልሑዅ ብምህላዉ ኣእካል የበላሽው ከምዘሎ ይዛረቡ።