ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፌስቡክን ኢንስታግራምን ኣጋጢሙ ዝነበረ ምቁራጽ ተፈቲሑ

ሜታ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፌስቡክን ኢንስታግራምን ክቋረጹ ምኽንያት ኮይኑ ዝነበረ "ቴክኒካዊ ጸገም" ከምዝተፈተሐ ገሊጹ።

ቅድሚ ሰዓታት ብሜታ ኣብ ዝውነኑ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፌስቡክን ኢንስታግራምን፡ ሰፊሕ ከባቢታት ዝሽፍን ምቁራጽ ኣገልግሎት ኣጋጢሙ ነይሩ።

ነቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምጥቃም ዝፈተኑ ተገልገልቲ፡ ድህረ ገጻትን መተግበሪታትን ናይቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ጌጋ ከምዘጋጠመ ዝገልጽ መልእኽቲ ከምዝበጽሖምን ልሙድ ኣገልግሎት ከምዘይረኸቡን ገሊጾም።

ዳውንዲተክተር ዝተባህለ ተቖጻጻሪ ድሕረ ገጽ ብወገኑ ፡ ፌስቡክ ከምዝተቛረጸ ዝገልጹ 300 ሽሕ ጥቆማታትን ብዛዕባ ኢንስታግራም 20 ሽሕ ጥቆማታትን ከምዝቐረቡ ሓቢሩ።

እቲ ምቁራጽ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ዘጠቓለለ እዩ።

ሜታ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣብ ኣገልግሎታት እቲ ትካል ምቁራጽ ከምዘጋጠመ ገሊጹ እዩ።

“ኣብ መእተዊ ፌስቡክ ብዛዕባ ዘጋጠመ ጸገም ተረዲእና ኢና። ጉጅለ መሃንዲሳትና ነቲ ጸገም ብቕልጡፍ ንምፍታሕ ይሰርሑ ኣለዉ” ኢሉ።

ሜታ እቲ ጸገም ከምዝተፈተሐ ኣብ ዝሓበረሉ መግለጺ፡ ብሰንኪ እቲ ምቁራጽ ንዝተጸለዉ ዓማዊሉ ይቕረታ ሓቲቱ።