ርእሲ ሰብን ካልእ ኣካላትን ሒዙ ዝተረኽበ ወልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ፖሊስ ሞዛምቢክ ንሓደ ዝተቘርጸ ርእሲ ሰብኣይ ሒዙ ዝተረኽበ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ማእከላይ ዞባ ሶፋላ ዝተታሕዘ ውልቀሰብ፡ ብልዕቲን ፍረነብሲን ናይቲ ግዳይ ሒዙ ከምዝጸንሐ'ውን ፖሊስ ጠቒሱ።

ቈልዑ ወረዳ ንሃማታንዳ ነቲ ኣካላት ኣብ ጐማ ኣትዩ ድሕሪ ምርካቦም ንሰብመዚ ከምዝሓበሩ፡ ኣፈኛ ፖሊስ ሶፋላ ደሪኮ ቻካተ ገሊጹ።

ሰብመዚ ጸጥታ ብዝገበርዎ መርመራ'ዮም ነቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ ሰብ ረኺቦሞ።

እቲ ውልቀሰብ ነቲ ግዳይ ብምቕታል፡ ርእሱን ብልዕቱን ቈሪጹ ክሸጦ መደብ ከምዝነበሮ ተኣሚኑ ክብል እቲ ኣፈኛ ተዛሪቡ።

ንኻልኦት ሰለስተ ሰባት ቀቲሉ ርእሶም ከምዝቘረጸ'ውን እቲ ውልቀሰብ ተኣሚኑ'ሎ።

ብድሕሪ'ቲ ቅትለት ዘለዉ ሰባትን ዓደግቲ ናይቲ ኣካላትን ንምርካብ መርመራ ይቕጽል ከምዘለዎ ቻካተ ሓቢሩ።

ኣብታ ሃገር፡ ገለ ጠንቆልቲን ልምዳውያን ፈወስትን፡ ኣካላት ሰብ ተጠቂሞም ከሕውዩ፡ ሕማቕ ፋል ከርሕቝን ኵነታት መነባብሮ ከመሓይሹን ከምዝኽእሉ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ከምዝዝርግሑ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓደ በራሕ ሰብ ምስ ተመሳሳሊ ማሪታዊ እምነት ብዝተሓሓዝ ክሳዱ ተቘሪጹ ተረኺቡ ነይሩ።

ነቲ ዘስካሕክሕ ቅትለት ዝፈጸሙ ገበነኛታት ነቲ ዝተቘርጸ ርእሲ ናይቲ ግዳይ ክሸጥዎ ከምዝሓሰቡ ፖሊስ ሞዛምቢክ ምግላጹ ይዝከር።

ገለ ሞዛምቢካውያን፡ በራሕ ርእሲ ደቂ-ተባዕትዮ ወርቂ ኣለዎ ኢሎም ከምዝኣምኑ ይግለጽ።

በራሕ ርእሲ ንምርካብ ዝግበር ቅትለት እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን። ኣብ 2017 እውን ንተመሳሳሊ ዕላማ ቅትለት ከምዝተፈጸመ ንፈለማ እዋን ተገሊጹ ነይሩ።

ብማሪታዊ እምነት ዝተደረኸ ንግዲ ኣካላት ሰብ ኣብ ሞዛምቢክ፡ ማላዊን ታንዛንያን ዳርጋ ልሙድ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን ተመሳሳሊ መበገሲ ዘለዎ ቅትለታት ከምዝፍጸም ጸብጻባት የረድኡ።

እቲ ቅትለታት ብምፍጻም ዝርከብ ኣካላት ጽቡቕ ዕድላት ብልጽግናን ጾታዊ ፍቕርን የምጽእ'ዩ ተባሂሉ ዝእመን።

ብፍላይ ኣብ ከም ብዓል ታንዛንያ ዝበላ ሃገራት ኣካላት ናይቶም ሕማም ለምጺ ዘለዎም ሰባት ካብቶም ኣዝዮም ዝድለዩ ብምዃኖም፡ ብዙሓት ጻዕዳ ቆርበት ዘለዎም 'ኣልቢኖ' ግዳያት ክዀኑ ዝገበረ ግጉይ እምነት'ዩ።

ኣብ 2019 ፖሊስ ታንዛንያ፡ ምስ ሞት 10 ኣልቢኖ ቈልዑ ብዝተሓሓዝ 65 ጠንቆልቲ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ምንባሩ ይዝከር።

ኣልቢኖ ብብዝሒ ኣብ ታንዛኒያ ከምዝርኣዩን፡ ካብ 1,400 ታንዛናውያን እቲ ሓደ ሰብ ኣልቢኖ ከምዝዀነን ወግዓውያን ጸብጻባት'ታ ሃገር የመልክቱ።

ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም'ውን ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣካላት ሰብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ዓለምለኻዊ ገበናት ምዃኑ ይፍለጥ።