'ፈላሚ' ሕደ-ጾታዊ ኢማም ሃይማኖት እስልምና ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ዓለም ፈላሚ ሕደ-ጾታዊ ኢማም ዝኾነ መራሒ ሃይማኖት እስልምና ከምዝተቐተለ ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።
ወዲ 57 ዓመት ሙሕሲን ሄንድሪክስ ብቀዳም'ዩ ኣብታ ዝነብረላ ከተማ ቀበርሃ ተቐቲሉ።
ናይ ጸጥታ ካሜራታት (ሲሲቲቪ) ዝቐድሖ ቪድዮ ከምዘመልክቶ፡ ሓደ ገጹ ዝተሸፈነ ሰብ ነቲ ኣብ መኪናኡ ዝነበረ ኢማም 'ብፒክ-ኣፕ' መኪና ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ወሪዱ ብመስኮት ጥይት ተኲሱሉ።
ፖሊስ እታ ሃገር ቀተልቱ ኣብ ምህዳን ከምዘለዉ ምክትል ሚኒስተር ኣንድሪየስ ኒል ገሊጹ'ሎ።
እቲ ኢማም ኣብቲ ከባቢ ንመሰላት ሕደ-ጾታውያን ተኸተልቲ እምነት ምስልምናን ካልኦት ዝተወገኑ ወገናትን ዝሕለቕ ዝነበረ'ዩ። ሞቱ ድማ ነቶም ማሕበረኮማት ኣሰንቢድዎም ኣሎ።
መርመራ ይካየድ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ምክትል ሚኒስተር ፍትሒ፡ ዛጊት ካብ ጽልኢ ዝተበገሰ ድዩ ኣይኮነን ንምርግጋጽ ከምዘይክኣል ተዛሪቡ።
ነቶም በቲ ቅትለት ዝተጠርጠሩ (ስሞም ዘይተጠቕሰ) ወገናት ፖሊስ ይከታተልዎም ምህላዎም'ውን ምንጭታት ፖሊስ ብምጥቃስ እቲ ብዓልስልጣን ሓቢሩ።
"ኩላትና ንኾርዓሉን ክንኮኖ እንብህግን ደቡብ ኣፍሪቃዊ'ዩ ነይሩ" ክብል ድማ እቲ ምክትል ሚኒስተር ይገልጾ።
እስላማዊ ቤት ምኽሪ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተባህለ ሓደ ካብ ዓበይቲ ማሕበራት ሃይማኖት እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዋላ'ኳ ምስ ጾታዊ ሕርያታቱ ዘይሰማማዕ እንተኾነ ንቕትለቱ ግን ኮኒንዎ'ሎ።
"ከም ኣባላት ደሞክራስያዊን ብዙሕነታዊን ሕብረተሰብ፡ እስላማዊ ቤት ምኽሪ ሰላማዊ ምክእኣልን ምክብባርን ክህሉ ዘይስልኪ ተሓላቕነት" ከምዘካይድ ኣፍሊጡ።
ሕብረት ቤትምኽሪ ዑላማ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተባህለ ካልእ እስላማዊ ማሕበር ብወገኑ፡ "ዘይሕጋዊ ቅትለታት" ከምዝኹንን ብምግላጽ፡ ብዛዕባ መበገሲ ቅትለት ናይቲ ኢማም ብዘይ መርትዖ መደምደምታ ከይወሃብ ተማሕጺኑ'ሎ።
ስርዓት ኣፓርታይድ (ብጸዓዱ ውሑዳት ዝምራሕ) ኣብ 1994 ድሕሪ ምውዳቑ ዝጸደቐ ቅዋም እታ ሃገር ጾታዊ ማዕረነት ዘረጋገጸ ፈላሚ ሕገ-መንግስቲ ዓለም'ዩ ነይሩ። ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ 2006 እውን ሕደ-ጾታውያን ክመርዓዉ ኣፍቂዳ እያ።
እታ ሓንቲ ካብ ዝለዓለ መጠን ቅትለት ዘለወን ሃገራት ዓለም ዝኾነት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊ ሕደ-ጾታውያንን ጾታ-ሰገርን ዝበሉ ወገናት ጎነጻዊ መጥቃዕቲን ምፍርራሕን ዝፍጸመላ ምዃና ትፈለጥ።
ኢማም ምሕሲን ሄንድሪክስ ኣብ 1996 ብወግዒ ሕደ-ጾታዊ ምዃኑ ድሕሪ ምፍላጡ ኣብታ ዝነብረላ ዝነበረ ከተማ ኬፕ ታውንን ካልእ ቦታታትን ዓቢ ስንባደን ኣቓልቦን ፈጢሩ ነይሩ።
ኣብቲ ዓመት ድማ፡ ነቶም ካብ ንቡር ወጻኢ ጾታዊ ይኹን ካልእ ኩነታት ዘለዎም ኣመንቲ እስልምና ምስ ሃይማኖቶም ክሳነዩ ዝሕግዝ 'ውሽጣዊ ዓንኬል' (The Inner Circle) ዝብል ማሕበር መስሪቱ።
ጸኒሑ ኸኣ፡ ንኹሉ ክፉት ዝኾነ መስጊድ ኣል-ቁራባህ መስሪቱ ይመርሕ ነይሩ።
ኣብ 2022 ብዛዕባኡ ኣብ ዝተሰርሐ 'ሕሉፍ' (The Radical) ዝብል ሰነዳዊ-ፊልም፡ ምፍርራሕ ከምዝበጽሖ ብምግላጽ "ሓቀኛ ምስልኻ ምግላጽ ካብ ከይትመውት ዘሎ ፍርሒ ይዓቢ" ክብል ይዛረብ።
ነቶም ከምኡ ዝበሉን ካልእ ፍሉይ ኩነታት ዘለዎም ሰባት ዘጋጥሞም ስነኣእምሮኣዊ ቅልውላዋት ንምእላይ ኣብ ሞንጎ እምነታት ልዝብን ምጽውዋርን ከምዘድሊ ይሰብኽ ምንባሩ'ውን ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይገልጹ።
"ሃይማኖት ከም ጸላኢ ጌርና ምርኣይ ከነቋርጾ ኣለና" ክብል'ውን ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኬፕ ታውን ዝተኻየደ ዋዕላ ሕደ-ጾታውያንን ሉውጠ-ጾታን መሰልቶምን ተዛሪቡ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







