ኢትዮጵያ ሎሚ ናብ ኬንያ ወግዓዊ መሸጣ ሓይሊ ኤለክትሪክ ጀሚራ

ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ዝተዘርግሐ በዓል 500 ኪሎ ቮልትመተሓላለፊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ንኡስ ጣብያ ኮንቨርተርን ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ መሸጣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝጀመረ ብዓልመዚ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓይሊ ናይ ምትሕልላፍ ፈተነ ካብ 29 ጥቅምቲ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ ክካየድ ምፅንሑ እቲ ኩባንያ ኣዘኻኺሩ’ሎ።

“ሎሚ ብወግዒ መሸጣ ዝጀመረ መስመር መተሓላለፊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮ-ኬንያ፡ ኣብ ዓመት ክሳብ 100 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ናይ ምምፃእ ዓቕሚ ኣለዎ” ኢሉ።

ካብ ኬንያ ሰጊሩ፡ ካብ ታንዛንያ ክሳብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ዘለዋ ሃገራት እውን ኣስታት ክልተ ሽሕ ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምትሕልላፍ ዓቕሚ ከምዘለዎ ወሲኹ ገሊፁ።

ፕሮጀክት መስመር መተሓላለፊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮ-ኬንያ፡ ብሓፈሻ ኣስታት ሓሙሽተ ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ወፃኢ ከምዝተገበረሉ ይዝረብ።

“ሓፈሻዊ ህንፀት "CET" ዝተብሃለ ቻይናዊ ኩባንያ ምስ ሲመንስ ዝተባህለ ካልእ ኩባንያ'ዩ ተፈጺሙ” ይብል መግለፂ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢትዮጵያ።

እቲ መስመር መተሓላለፊ ብክልል ደቡብ፡ ዞባታት ወላይታ፣ ጋሞን ኮንሶን፣ ከምኡ ድማ ብክልልእ ኦሮምያ፡ ዞባ ቦረና ኣቢሉ እዩ ናብ ኬንያ ዝበፅሕ።

ኢትዮጵያ ናብ ሱዳንንጅቡትን መሸጣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተካይድ ከምዘላ ዘዘኻኸረ እቲ ትካል፡ “ምስ ሶማሊላንድ፣ ታንዛንያ፣ ደቡብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን እውን ስምምዕ መሸጣ ኤለክትሪክ ፈሪማ ኣላ” ክብል ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሱዳንን ጅቡትን ካብ ዝተለኣኽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 95 .4 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝረኸበት እቲ መግለፂ እቲ ጠቒሱ።