ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ ንዝካየድ ዓለምለኻዊ ውድድር 'ቅርጺ ሰብነት' ከመይ ተዳልያ ኣላ?

ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ሃገራዊ ውድድር ኣእንጊዳ ነይራ። እዚ ዓይነት ስፖርት ብተገዳስነት ገለ ውልቀሰባትን ስፖርተኛታትን ሓሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ንምርኢት ይቐርብ’ዩ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 31 ግንቦት 2024 'ዮናስ ባዲ ብውልዲን ሸው' ምስ ፈደረሽን ቅርጺ ሰብነት፣ ጥንካረን ምላዓል ክብደት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዝተዳለወ ውድድር ካብ መላእ እታ ሃገር ዝመጽኡ ልዕሊ 380 ኣትለታት ዝተወዳደሩሉ ነይሩ።

ኣብቲ ውድድር ዝተዓወቱ ከኣ ኣብ ዝመጽእ ቀዳም ኣብ ግብጺ ክካየድ መደብ ዝተትሓዘሉ ዓብዪ ውድድር ንኢትዮትጵያ ብምውካል ክሳተፉ እዮም። እዚ ውድድር ኣይ.ኤፍ.ቢ.ቢ (ዓለምለኻዊ ፈደርሽን ጥንካረ ሰውነት) ከምዘዳልዎ ይፍለጥ።

‘ስም ኢትዮጵያ ንኽነጸውዕ ዕድል ዝፈጥር’ዩ’

ኢትዮጵያዊት ኣሜርካዊት ተወዳዳሪት ቅርጺ ሰብነትን ጥንካረን ኤደን ሽፈራው ሓንቲ ካብ ደያኑ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ናይ መጻረዪ ውድድር እያ ነይራ።

ንሳ፡ ከምእትብሎ እቲ ውድድር ምስ ፈደረሽን ህንጸት ኣካልን ምልዓል ክብደትን ኢትዮጵያ ብምትሕብባር እዩ ተሳሊጡ። ብደረጃ ሃገር ዝተገበረ ብምዃኑ ድማ ፍሉይ ይገብሮ።

“ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወይ ብደረጃ ክልላት ጥራይ እዩ ዝካየድ ኔሩ። ሕጂ ግን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ንዘለዉ ዘሳተፈ እዩ። እዚ ምሪኢት ‘ዮናስ ባዲ ብውዲንግን ቢኪኒ ሸውን’ ብዝብል’ዩ ዝፍለጥ። ካብ ፈደረሽን ቅርጺ ሰብነት፣ ጥንካረን ምልዓል ክብደትን ኢትዮጵያ ውክልናን ኣፍልጦን ተዋሂብዎ ንዝሓለፉ 4 ዓመታት ኣብ ዓመት ሓንሳብ ውድድር ከዳሉ ጸኒሑሎ” ክትብል ኣረዲኣ።

ኣብቲ ብዓርቢ ዝተገበረ ናይ መጻረዪ ውድድር ካብ ኣህጉራዊ ፈደረሽን ምህናጽ ቅርጺ ሰብነትን ጥንካረን ማለት ኣይ.ኤፍ.ቢ.ቢ ክልተ ደያኑ ተላኢኾም ኔሮም።

“ኢትዮጵያ ኣብቲ ናይ ኣይ.ኤፍ.ቢ.ቢ ሊግ ኣትያ። እዚ ድማ ኣዝዩ ዓቢ ዓወትዩ። ናብዚ ሊግ ብምእታያ እያ ብደረጃ ኣፍሪቃ ኣብ ዝዳሎ ውድድር ክትሳተፍ ዕድል ረኺባ ዘላ። እዚ ከኣ ካብ ሃገርና ወጺና ስም ኢትዮጵያ ኣብ ካልኦት መድረኻት ውድድር ኣፍሪቃ ንኸነጸውዕ ዕድል ዝኸፍት’ዩ” ትብል ኤደን።

እቲ ኣብ ኢንተርኮንቲነንታል ሆቴል - ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ውድድር ኣዝዩ ሰፊሕ ጻዕሪ ዝተገበረሉን ዓለምለኻዊ ደረጃኡ ዝሓለወን ምንባሩ ኣዳለውቲ ይገልጹ።

ንዝተፈላለያ ክልላትን ከተማታትን ኢትዮጵያ ዝወከሉ ካብ ጀመርቲ ክሳብ ነባራት ተወዳደርቲ ድማ ተሳቲፎምሉ።

ደረጃ እዚ ስፖርት ኣብ ኢትዮጵያ?

እዚ ዓይነት ውድድር ኣብ ዝተወሰና ክልላት ኢትዮጵያ ብኣፍቀርቲ እቲ ዓይነት ስፖርትን ግዱሳትን ዝካየድ እምበር ኣብ ኩሉ ዝዝውተርን ዝፍለጥን ኣይኮነን።

ኤደን ከምእትብሎ ግን ብዮናስ ባዲ ብውልዲን ዝሳለጥ መድረኽ ውድድር ካብ ዝጅምር ንደሓር ዓብዪ ለውጢ ኣርእዩ’ሎ።

“ዳርጋ ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ እዩ ዘልዎ” ትብል።

ኣስዒባ “እቲ ስፖርት እናዓበየ ምስመጸአ ብፍላይ ድማ እዚ ናይ ሎሚ ወለዶ እንታይነት እቲ ስፖርት ከምኡ’ውን ዝህቦ ረብሓተ እናተገንዘቡ ብምኻዶም ፍቕሪ ሓዲርዎም ኣሎ። ይሰርሕሉ ድማ ኣለዉ” ክትብል ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ዘሎ ለውጢ ትገልጾ።

“ኣነ በቲ ዝረኣክዎ ኣዝየ ተገሪመ እየ። ብርግጽ ግዜ ወሲዱ እዩ። ብዙሕ ዝተርፈና እውን ኣሎ። ምኽንያቱ ነቲ ዝጸንሐ ግጉይ ምስልን ርዲኢትን ሰይርካ ናይ ምውጻእ ዓቢ ስራሕ ይተርፍ’ዩ። ለውጢ ግን ይረኣይ እዩ ዘሎ” ኢላ።

ከምኡ ክትብል ዝገበራ ምኽንያቱ ከኣ እቲ እናወሰኸ ዝመጸእ ዘሎ ቁጽሪ ተወዳደርቲን መደባት ውድድርን ከምዝኾነ ብምጥቃስ “ናብ ጽቡቕ ደረጃ ይኸይድ ምህላዉ ዘመልክት እዩ። ዝያዳ ንክንሰርሕ ድማ የተባባዓና” ክትብል ሓቢራ።

እቲ ንነውሕ እዋን ብዙሕ ጻዕሪ ዝተገበረሉ ውድድር ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብቲ ኣብ ግብጺ ዝካየድ መድረኽ ዝሳተፉ 12 ብቑዓት ስፖርተኛታት ንምርካብ ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ካብ መላእ ኣፍሪቃ ናብ ግብጺ ዝኸዱ ኣትለታት ዝወዳደርሉ ዓብዪ መድረኽ ክርከቡ ትፅቢት ይግበር። ግን ከኣ ሃገራዊ ፈደራሽን ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ሓቢርዎም ኣሎ።

“እዚ ዓብዪ ብድሆ እዩ ኮይኑና። ግን ከኣ ክሳብ መወዳእታ ክንረባረብ ኢና። ካብቲ ውድድር ብዙሕ ትጽቢት ኣለና። ሓደ ሓደ ተስፋ ዝሃቡና ኣካላት ኣለዉ። ንኽእሎ ኩሉ ድማ ንገብር ኣለና” ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ ትማሊ ረቡዕ ናብ ግብጺ ከምዘምረሐት ተፈሊጡ'ሎ።