እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ኣብ እዋን ኵናት: ኣብ ውሽጢ ዕርዲ ትሕተ-መሬት ተመርዒና’
ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዩክረይን እትርከብ ከተማ ማሪውፖል ዕንወትን ህልቀትን ኣጋጢምዋ ክኸውን ይኽእል።
ጐደናታታ ብዘይሕለል መዳፍዕ ሩስያ ፈራሪሶም፡ ደምበታታ ድማ ናብ መቓብር ተቐይሮም እዮም።
እዚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ግን ኣብታ ከተማ ኣብ ሓያሎ ሜትሮታት ትሕተ-መሬት ሓደ ፍቕራዊ ዛንታ ይዕምብብ ነይሩ።
ከተማ ማሪዮፖል ኣብ ጽድያ 2022 ብሓይልታት ሩስያ ተኸቢባ ነይራ።
ኣብቲ እዋን፡ ፋብሪካ ሓጺን ኣዞቭስታል ናይ መወዳእታ ዕርዲ ናይታ ከተማ እዩ ነይሩ።
እቲ ፋብሪካ’ዚ ኣብ ዘመነ ሶቭየት ካብ ንኑክሌራዊ ውግእ ንምድሓን ዝተሃንጹ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ መዕቆቢታት ኣለዎ።
ካብኣቶም ኣብ ሓደ ተዓቚቦም ካብ ዝጸንሑ ዩክረናውያን ሓንቲ ቫለርያ ሱቦቲና እያ።
“ብፍርቂ ዝፈረሰ መደያይቦ ወሪድካ፡ መሕለፊታትን ታንከራትን ኣለዉ። ንሳቶም ሓሊፍካ ዝያዳ ንታሕቲ ትወርድ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ኮንክሪት ዝተሰርሐ ሓደ ክፍሊ ትበጽሕ” ትብል እታ ጓል 33 ዓመት ቫለርያ።
ሽዑ ቫለርያ፡ ኣብቲ ዕርዲ ትሕቲ መሬት ጎኒ ጎኒ ወተሃደራትን ሲቪላትን ምስ ብርጌድ ኣዞቭ ከም ሓላፊ ፕረስ ኰይና ኣብቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ከበባ ዘጋጠሙ ዘስካሕክሑ ፍጻመታት ንዓለምለኻዊ ማዕከናት ዜና ትሕብር ነይራ።
ካብቶም ነቲ ፋብሪካ ዝከላኸሉ ዝነበሩ ሓደ ድማ ኣንድሪ ሱቦቲን እዩ።
እዚ ወዲ 34 ዓመት መኮነን ህጹይ ቫለርያ እዩ ነይሩ።
እዞም መጻምድቲ ቅድሚ እቲ ከበባ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ኣቐዲሞም’ዮም ብስራሕ ተፋሊጦም።
ኣንድሪ ምስ ቫለርያ ክራኸብ ከሎ፡ ብኡ ንብኡ እዩ ፈትዩዋ።
"ፍሉይ እዩ ነይሩ፡ ምስኡ ክኸውን ከለኹ ምቾት ይስምዓኒ" ትብል ቫለርያ። "ኵሉ ግዜ ሕያዋይ ነይሩ፡ ንዝዀነ ሰብ ንምሕጋዝ’ውን ኣብዩ ኣይፈልጥን።"
ኣንድሪ፡ እምነት ዘለዎን ተስፋ ዘሕድርን ሰብ ከምዝነበረ ትገልጽ። ብኸመይ ሕጉስ ከምዝኸውን ይፈልጥን ብንኣሽቱ ነገራት ይሕጎስን ነይሩ - ብብሩህ ኵነታት ኣየር፡ ብፍሽኽታ፡ ብምሕዝነት ኣዕሩኽ።
“ኣብታ መጀመርታ ዝተራኸብናላ መዓልቲ፡ ኣንድሪ ካብ ካልኦት ኣዝዩ ዝተፈልየ ምዃኑ ተረዲኡኒ።”
ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ፡ ኣብ ማሪዩፖል ሓንቲ ጀርዲን ዘለዋ ንእሽቶ ሓደ ደርቢ ገዛ ተኻርዮም ብሓባር ህይወት ክሃንጹ ጀሚሮም።
ቫለርያ፡ “ብዙሕ ተጓዒዝና፡ ናብ ኣኽራን ከይድና፡ ምስ ኣዕሩኽ ተራኺብና” ትብል።
“ብሓባር ዓሳ ንገፍፍን ብዙሕ ግዜ ነሕልፍን ነይርና። ናብ ትያትራት፡ ኮንሰርታትን ምርኢታትን ከይድና። ህይወት ጥዕምቲ ነይራ።”
እቶም መጻምድቲ ክምርዓዉ ወሲኖም፡ ምስ ስድርኦምን ፈተውቶምን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ድሙቕ መርዓ ክገብሩ’ውን ሓሲቦም። ቀለበት ከይተረፈ ዓዲጎም።
ቫለርያ ስሩዕ ስርሓ ኣቋሪጻ ኣብ ፈጠራዊ ውህብቶኣ ኣተኲራ፤ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ማሪዩፖል ምስ ሩስያ ዝነበረ ብርቱዕ ውግእ ዝምልከት ግጥምታት ክትጽሕፍን ክተሕትምን ጀሚራ።
"ቅድሚ እቲ ምሉእ ወራር ንሓደ ክልተ ዓመታት፡ ብሓቂ ሕጉስቲ እየ ነይረ" ክትብል ትዝክር።
ግን ኵሉ ነገር ኣብ ለካቲት 2022 ተቐይሩ።
ጽድያ ጸሓይ ናብ ጀርዲን ቫለርያን ኣንድሪን ኣምጺእዋ ስለ ዝነበረት፡ እተን ቀዳሞት ዕምባባታት ይቕልቀላ ነበራ።
"ጽድያ ከስተማቕሮ ጀሚረ ነይረ" ትብል ቫለርያ፡ "ብዛዕባ ስግኣታት ፑቲን ፈሊጥና ኲናት ከም ዝፍጠር’ውን ተረዲእና ነይርና፡ ብዛዕባኡ ግን ክሓስብ ኣይደለኹን።"
እቲ ወራር ኣብ 24 ለካቲት ከይተጀመረ እንከሎ ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ኣንድሪ ንቫለርያ ካብታ ከተማ ክትወጽእ ተማሕጺንዋ። ንሳ ግን ኣብያ።
"ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ኣብ ማሪዩፖል ክኸውንን ከተማይ ክከላኸልን ከም ዘለኒ ፈሊጠ ነይረ።"
ድሕሪ ሰሙናት ክልቲኦም ኣብ ትሕቲ መሬት፡ ኣብ ውሽጢ ዕርዲ ኣዞቭስታል ነይሮም።
ሓሓሊፎም ጥራይ እዮም ክራኸቡ ዝኽእሉ ነይሮም።
ድሕሪ’ቲ ወራር ብሰንኪ ኣብ ትሕተ ቅርጺ ዝግበሩ ዝነበሩ ደብዳባት፡ ናብ ገለ ክፋል እታ ከተማ ዝኸይድ ዝነበረ ቀረብ ማይን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ተቛሪጹ፡ ሕጽረት መግቢ እውን ኣጋጢሙ። ኣባይትን ህንጻታትን ሲቪላት ዓንዮም።
ብ15 ሚያዝያ ኣብ ልዕሊ እቲ ፋብሪካ ዓቢ ቦምባ ተደርብዩ። ቫለርያ ንሕንጢጥ ካብ ሞት ኣምሊጣ።
“ኣብ መንጎ ሬሳታት ተረኺበ፡ እንኮ ብህይወት ዝተረፍኩ’የ። ብሓደ ሸነኽ ተኣምር፡ ብኻልእ ሸነኽ ግና ዘስካሕክሕን ዘሕዝንን ፍጻመ እዩ።”
ኣብቲ ፋብሪካ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሸሞንተ መዓልታት ከቢድ ሕክምና ክትረክብ ግድን ነይሩ።
"ጨና ደምን ምብስባስን ኣብ ኵሉ ነይሩ" ትብል።
“ውጉኣት ብጾትና፡ ኣእጋሮም ዝተቖርጹ፡ ኣብ ኵሉ ቦታ ደቂሶም ስለዝነበሩ ኣዝዩ ዘፍርሕ ቦታ’ዩ ነይሩ። ናውቲ ሕክምና ኣዝዩ ውሑድ ስለዝነበረ ግቡእ ሓገዝ ክረኽቡ ኣይከኣሉን።”
ኣንድሪ ድሕሪ መጉዳእታ ብዛዕባ ቫለርያ ኣዝዩ ስለዝተጨነቐ መርዓዖም ኣብቲ ዕርዲ ንኽካየድ ምድላዋት ጀሚሩ።
"ድሕሪ ሕጂ ግዜ ከምዘይህልወና ዝፈለጠ ይመስል ተሃዊኹ ዝነበረ ኰይኑ ተሰሚዑኒ" ትብል ቫለርያ።
“ብኢዱ ካብ ቆርቆሮ ክልተ ቀለበት መርዓ ሰሪሑ፡ ክምርዓዎ ሓቲቱኒ። ብርግጽ እሺ ኢለዮ።
“ንሱ ፍቕሪ ህይወተይ እዩ ነይሩ። ብቆርቆሮ ዝተሰርሑ ቀለበታትና ድማ - ፍጹማት እዮም ነይሮም።”
ብ5 ግንቦት ኣብቲ ዕርዲ ስነ-ስርዓት መርዓ ኣካይዶም፤ ዩኒፎርሞም ከም ክዳን መርዓ ተኸዲኖም ኣብኡ ብዝነበረ ኣዛዚ ተመርዕዮም።
ኣንድሪ፡ ናብ ገዝኦም ምስ ተመልሱ ብሓቂ ቀለበትን ጻዕዳ ክዳንን ተኸዲኖም ግቡእ መርዓ ከምዝገብሩ ቃል ኣትዩላ።
ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ ብ7 ግንቦት፡ ኣብቲ ፋብሪካ ሓጺን ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት፡ ብደብዳብ ሩስያ ተቐቲሉ።
ቫለርያ ብዛዕባ’ዚ ብኡንብኡ ኣይፈለጠትን።
“መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት እትፈትዎ ሰብ ክመውት እንከሎ ኣብ ውሽጥኻ ገለ ዝስምዓካ ነገር ከምዘሎ ይዛረቡ። ኣነ ግን ብኣንጻሩ ኣብ ጽቡቕ መንፈስ ነይረ። ተመርዕየን ኣብ ፍቕሪን’የ ነይረ።"
ኣብ ኣዞቭስታል ኣብ ጎኒ ኣወዳት ተሰሪዓ ከተማኣ ትከላኸል ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ሓደ ካብቶም ዝኸበዱ ነገራት፡ “ከቢድ ሓዘን” ክትሽከም ምግዳዳ’ዩ።
“መርዓት እየ ነይረ፡ ብኡ ንብኡ ግን መበለት ኰይነ። እቲ ዘፍርሕ ቃል” ትብል።
“ኣብታ ህሞት እቲኣ ከምቲ ዝደለኽዎ ምላሽ ክህብ ኣይከኣልኩን።”
እቶም ምስኣ ዝከላኸሉ ኣወዳት “ወትሩ ኣብ ጎነይ ነይሮም። ምሳይ ኮፍ ይብሉ፡ ኣብ ጎነይ ይድቅሱ፡ መግቢ የምጹእለይን ይድግፉኒን ነይሮም” ብምባል ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኵነታት ትገልጽ።
“ንሳቶም ኣብ ጥቓይ ኣብ ዘይህልውሉ እዋን ጥራይ’የ ክበኪ ዝኽእል ነይረ።”
ኣብ ሓደ እዋን፡ ኣብ ዞባ ኲናት ምህላው ዝፈጥሮ ፍርሒ፡ ብዕቱብ ሓዘና ዝሃሰሰ ኰይኑ ተሰሚዕዎ።
“ንምፍራሕ ኣይተገደስኩን... ካብቶም ኣብዚ ምሳኻ ዘለዉ ዝዛይዱ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብታ እትቕጽል ዓለም፡ እንተሃልያ፡ ይጽበዩኻ ከም ዘለዉ ጥራይ ኢኻ ትርዳእ።”
እቶም ኣብ ኣዞቭስታል ዝነበሩ ወተሃደራት ዩክረይን ኣብ መወዳእታ ብ20 ግንቦት ኢዶም ሂቦም። ቫለርያ እውን ካብቶም ብሰራዊት ሩስያ ብሓይሊ ካብ ማሪዩፖል ዝወጹ 900 ምሩኻት ኲናት ኰይና።
“ብመስኮት ናይታ ኣውቶቡስ ኣቢልና ነቶም ንፈትዎም ህንጻታት፡ ነቶም ኣጸቢቕና እንፈልጦም ጎደናታት ንጥምት ነይርና። ነታ ከተማይ፡ ኣዕሩኽተይን በዓል ቤተይን - ንዅሉ ዝፈትዎ ነገር ኣዕንዮምን ቀቲሎምን’ዮም።”
ቫለርያ ን11 ኣዋርሕ ኣብ ምርኮ ሩስያ ኣሕሊፋ፡ ብዛዕባ ኣብኡ ዝነበረ ስቅያትን ግህሰትን ድማ ገሊጻ።
ኣንድሪ ብዙሕ ግዜ ኣብ ብሕልማ ይረኣያ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሚያዝያ፡ ከም ኣካል ምልውዋጥ እሱራት ተፈቲሓ፡ ናብ ዩክረይን ተመሊሳ።
ብሰንኪ እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ማሪዩፖል ዘካየደቶ ደብዳብ ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ምግማት ኣጸጋሚ እኳ እንተዀነ፡ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ግን እቲ ቁጽሪ ልዕሊ 20 ሽሕ ከምዝዀነ ይገልጹ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት 90 ሚእታዊት መንበሪ ህንጻታት ተሃስዮም ወይ ዓንዮም’ዮም፡ ክሳዕ ሕጂ ሬሳታት ኣብ ትሕቲ’ቲ ፍርስራስ ይርከቡ።
ቫለርያ ከምዝርዳኣ፡ ሬሳ በዓል ቤታ ኣብ ትሕቲ ፋብሪካ ሓጺን ኣዞቭስታል’ዩ ዘሎ።
ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ናብ ሰማይ እናጠመተት ከምእትዛረቦ ትገልጽ።