‘ብህይወት ዘለኹ ኣይመስለንን’ - ካብ ፍርስራስ ተፋሒራ ምስ ወጸት ዝሓረሰት ኣደ

ኣብ ሃገራ ካብ ኲናት ዝሃደመት የመናዊት ኣደ፡ ኣብ ቱርኪ፡ ካብቲ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝዓነወ ገዝኣ ድሕሪ ምድሓና ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ብሰላም ተገላጊላ።

ናይ 39 ሰሙን ብጽሕቲ ወርሒ ዝነበረት ፋተን ኣል ዩሲፊ፡ ዝሓለፈ ሰኑይ ድሕሪ ሰዓት 4 ንግሆ ኣብ ማላትያ ኣብ ዝርከብ ገዛኣ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቅድሚ ምግጣሙ፡ ንሓድሽ ውላዳ ዝኸውን መሕቖፍን ቦርሳን ኣዳልያ ነይራ።

ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ሰዓታት ምድቃስ - ደንጽይዋ፡ ማይ ስኢና ንድሕነት ናይቲ ኣብ ከብዳ ዝነበረ ውላዳ ፈሪሓ - ካብቲ ፍርስራስ ብሓደ ዓርኪ ስድራቤታ ዝኾነ ሂሻምን ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕንን ተጎቲታ ወጺኣ።

ፋተን ትማሊ ሓሙስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ክሳብ ሕጂ ብህይወት ዘለኹ ኣይመስለንን" ኢላ።

ንሳ ብቕልጡፍ ናብ ሆስፒታል ክትውሰድ እንከላ፡ ሓካይም ነታ ብዓረብኛ "ብሩር" ዝትርጉሙ ህጻን ጓላ ሉጃይን ንምውላድ መጥባሕቲ ኣካይዶም።

ድሕሪኡ ግን ዘሕዝን ዛንታ ኣሎ

ሂሻም ንሰብኣይ ፋተን ንምድሓን ተመሊሱ፡ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ህንጻ ኣብ ልዕሊ ገዛኦም ክፈርስ ምስ ረኣየ ሰንቢዱ።

በዓል ቤት ፋተን ወዲ 29 ዓመት ቡርሃን ኣል ዓሊሚ ሞይቱ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ሬስኡ ተረኺቡ።

ቡርሃን ኣብ ማላትያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኢኖኑ ኣብ ናይ መወዳእታ ዓመት ትምህርቲ ኬሚካል ምህንድስና ተምሃራይ እዩ ነይሩ።

እታ ሓራስ ፋተን ግን፡ ምስ ሓዘና፡ ድቃስ ስኢና ምስቲ ናይ ሓድሽ ውላዳ ኣመጋግባን ድቃስን ክትላመድ ትፍትን ኣላ።

"መጀመርታ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ነይሩ፡ ብፍላይ ምስቲ ኩነታት" ትብል።

እንተዀነ፡ "ንኹሎም ዝሓገዙኒን ምሳይ ደው ዝበሉን ሰባት የመስግኖም። ሰብኣየይ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፡ ስድራ ኮይኖምኒ"።

"ምስ ጓልና ጽቡቕ ህይወት ክንነብር ንሓልም ነይርና" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

"ፍቓድ ኣምላኽ ግን ልዕሊ ኩሉ እዩ። ኣብ መወዳእታ እንታይ ከም ዝኸውን ዝፈልጥ የለን።"

ኣምባሳደር የመን ኣብ ቱርኪ መሓመድ ታሪቕ ንህጻን ሉጃይን ርእይዋ ኣሎ።

ፋተንን በዓል ቤታን ናብ ቱርኪ ዝገዓዙ፡ እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ መወዳእታ 2014 ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ድሕሪ ምሓዞም እዩ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወፍሪ- መጥቃዕቲ፡ ኣብ የመን ኣብ መጋቢት 2015 ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብ ቱርኪ ዝርከብ ማሕበረሰብ የመን ናብ ልዕሊ 20 ሽሕ ወሲኹ ይርከብ።

ይኹን እምበር ቅድሚ እቲ ኲናት እውን እንተኾነ፡ የመናውያን ኣብ 2011 ብምልዕዓል-ዓረብ ዝተደፋፍአ ተቓውሞ ስዒቡ ንትምህርትን ስራሕን ናብ ቱርኪ ይስደዱ ነይሮም።

ፕረዚደንት ማሕበር ተመሃሮ የመን ኣብ ቱርኪ መሓመድ ዓመር ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ልዕሊ 8 ሽሕ የመናውያን ተማሃሮ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ መላእ እቲ ከባቢ ሸሞንተ የመናውያን ምማቶም ከምዝተረጋገጸ ሓቢሩ።

ቅድሚ እቲ ኲናት ናብ ቱርኪ ዝኣተወ የመናዊ ዶክተር መሓመድ ኣልዓዓዊ፡ በዓልቲ ቤቱ፡ ወዲ 16 ዓመት ወዱን ንእሽቶ ጓሉን ከም ዝሰኣነ ገሊጹ።

እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ኣብ ከተማ ኣዳና እኳ እንተነበረ ስድርኡ ግን ኣብ ሃታይ እዮም ነይሮም።

ንጎረባብቱ ንምብጻሕ ብተስፋ ምቑራጽ ድሕሪ ምጽዓሩ፡ ናብ ሃታይ ተጓዒዙ ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተዓጽዮም ዘለዉ ስድርኡ ምስ ፈለጠ ኣዝዩ'ዩ ተጎዲኡ።

"ኣብ ልዕሊ ፍርስራስ ምጽባይ ከምቲ ኲናት የመን እዩ" ክብል ካብ ኢስታንቡል ተዛሪቡ።

ወዲ 25 ዓመት ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ ጋዚያንቴፕ እድሪስ ኣቅላን፡ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ናብ ኢስታንቡል ይበጽሕ ነይሩ። ክልተ ቱርካውያን ኣዕሩኽቱ ከምዝሞቱዎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ የመን ብዙሕ ጽንኩር ኩነታት ኣሕሊፈ፡ እዚ ግን ኣዝዩ ዝኸበደ እዩ ነይሩ" ኢሉ።

እቲ ሃንደበታዊ ባህሪ ናይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ሰባት ንኽዳለዉ ግዜ ከምዘይሃበ ድማ ኣብሪሁ።

ኣብ ኲናት እንተወሓደ ኣብ ትሕቲ መሬት፡ ኣብ በረኻ፡ ወይ ኣብ ኣኽራን ክትሕባእ ግዜ ከም ዘሎ ይዛረብ።