'መልክዐይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ስለ ዝመሳሰል እሰግእ' - ኣይዛክ ኣሕመድ

ኣብ ሶማልያ ኣመሓዳሪ ሓደ ከባቢ ዝዀነ ውልቀሰብ፡ መልክዐይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ስለ ዝመሳሰል፡ ስግኣት ደሕነት ኣለኒ ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

“ብመልክዕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሽም ኣቦ እውን ንመሳሰል ኢና” ዝብል ኣይዛክ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ “ህይወተይ ተቐይሩ’ዩ” ይብል።

ኣብ ምብራቓዊ ሶማልያ ኣመሓዳሪ ዋይዬ ዝዀነ ኣይዛክ ኣሕመድ፡ ኣተኲሩ ንዝረኣዮ ሰብ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ክመሳሰሎ ይኽእል’ዩ።

ሶማልያዊ ኣይዛክን ኢትዮጵያዊ ኣቢይ ኣሕመድን ምምስሳል መልክዕ፡ ኣብ ፑንትላንድ ቀንዲ ኣዘራረቢ ማሕበራዊ ሚድያ ኰይኑ’ዩ ቀንዩ።

ኣይዛክ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ምምሳሉ፡ ሓደ ሓደ እዋን ፍሽኽ ዝብለሉ፡ ካልእ እዋን ድማ ዝሓርቀሉ ኣጋጣሚ ከም ዘሎ ይገልጽ።

“ሓደ ሓደ እዋን ዓበይቲ ሰበስልጣን መንግስቲ ንናይ ስራሕ ዑደት ካብ ሞቓዲሾ መጺኦም ክራዩኒ እንከለዉ፡ ‘ኣቢይ ኣሕመድ’ ኢሎም የባጭዉለይ” ይብል።

ሓደ እዋን ሓደ በዓል ስልጣን ስእሊ ብምስኣል ንፕረዚደንት ፑንትላንድ ነበር ልኢዅሉ፤ ‘ኣቢይ ኣብ ፑንትላንድ ድዩ ዘሎ?’ ኢሉ ከም ዝመለሰ ይዝክር።

ደቂ ዓዲ “ ኣዘራሪቦምኒ ሶማልያዊ ምዃነይ ምስ ፈለጡ ጥራይ’ዩ፡ ናይ መልክዕ ምምስሳል’ምበር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘይምዃነይ ዘረጋግጹ” ይብል ኣይዛክ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንነጀው ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብሽሙ ዝጽውዖ ሰብ ከም ዘየለ ድማ ይገልጽ።

“ሰባት ‘ኣቢይ’ እናበሉ እዮም ዝጽውዑኒ። ኣነ ብናይ ካልእ ሰብ ሽም ክጽዋዕ ኣይደልን። እዚ ንመዓልታዊ ህይወተይ ቀይርዎ’ዩ። ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ስለ ዝመስል ብዙሕ ሰባት ኣብ ዝተኣከብሉ ቦታ ምርካብ ንደሕነተይ የስግኣኒ እዩ” ብምባል፡ ንቢቢሲ ሶማልኛ ተዛሪቡ።

ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ፡ ሰባት ብስም ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ክጽውዕዎ ከም ዘይደልይ’ውን ገሊጹ።

'ልዕለና ኣቦታትና ይመሳሰሉ'

ምምስሳል መልክዕ ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣይዛክን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን፡ ካልእ ታሪኽ’ውን ዘለዎ’ዩ።

ኣይዛክ ኣሕመድ፡ “ሰባት መልክዕናን ሽም ኣቦናን ምምስሳሉ’ዩ። ኣቦይን ኣቦ ኣቢይን መልክዕ’ውን ተመሳሳሊ’ዩ” ይብል።

“ሓደ እዋን፡ ሓቢሩኒ ዝሰርሕን ዘመደይን ዝዀነ ሰብ፡ ‘እዚ ሰብ ትፈልጦ ዶ?’ ኢሉ ሓደ ስእሊ ልኢኹለይ። ተደናጊረ፣ ንምፍላይ ተጸጊመ። ስእሊ ኣቦ ኣቢይ እዩ ልኢኹለይ። ምስ ኣቦይ መልክዖም ሓደ ዓይነት’ዩ። ፍልልዮም፡ ኣብ ገጽ ወላዲ ኣቢይ ጸላም ነጥቢ ምህላዋ ጥራይ’ዩ” ብምባል ኣይዛክ ይዛረብ።

'ናብ ኢትዮጵያ ጸጕረይ ተላጽየ’የ ክኸይድ'

ኣይዛክ፡ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ተመሳሳሊ መልክዕ እናሃለዎ ናብ ኢትዮጵያ ንምኻድ እንተንቂዱ፡ ጽቡቕ ከም ዘየጋጥሞ ይግምት።

ኣብ ሶማልያ ሰባት፡ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝመሳሰል ክንድዚ ዝኣክል እንተድኣ ተሰማሚዖም፡ “ ናብ ኢትዮጵያ እንተኸይደ’ውን እዚ’ዩ ዝጽበየኒ” ብምባል፡ መልክዑ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምፍላይ “ናብ ኢትዮጵያ እንተድኣ ዝኸይድ ኰይነ ጸጕረይ ተላጽየ’ዩ ክኸይድ” ይብል።

“ናብ ኢትዮጵያ እንተደኣ ዝኸይድ ኰይነ፡ ጸጕረይን ጭሕመይን ተላጽየ ክኸይድ እንተዀይነ’ምበር ንባዕለይ ንሓደጋ ኣየቃልዕን” ኢሉ።