ሩዋንዳ ኣብ ልዕሊ ነፋሪት ውግእ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ተኲሳ

መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ንክሊ ኣየር እታ ሃገር “ዝጠሓሰት” ወተሃደራዊት ነፋሪት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ “መከላኸሊ ስጉምትታት" ከም ዝወሰደ ገሊጹ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ምስልታት፡ ኣብ መንጎ ከተማ ጎማ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ከተማ ጊሰኒ ሩዋንዳን ትሒታ ትበርር ዝነበረት ወተሃደራዊ ነፋሪት ብጥይት ክትህረም የርእዩ።

ካልኦት ምስልታት ድማ እታ ስርሓት ሕብረት ሶቭየት ዝኾነት ሱኾይ-25 ዝተበሃለት ነፋሪት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጎማ ብማይ ክትዝሕል የርእዩ።

ሚኒስትሪ ዜና ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ፍጻመ ብምኹናን፡ እታ ጀት ኣብ ልዕሊ ክሊ ኣየር ሩዋንዳ በሪራ ዝብል ክሲ ነጺጉ።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ነቲ ፍጻመ ዕሽሽ ኢሉ ከምዘይሓልፎ ብምግላጽ ሃገሩ ንምክልኻል "ሕጋዊ መሰል" ከም ዘለዎ ኣጠንቂቑ'ሎ።

"መንግስቲ ነዚ ብሩዋንዳ ንመበል ዓሰርተው ኽንደይ ግዜ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ምስ ተግባር ኲናት ዝመጣጠን ኮነ ኢልካ ዝተገብረ መጥቃዕቲ እዩ ዝቖጽሮ" ክብል እቲ ሚኒስትሪ ኣመልኪቱ።

ሩዋንዳ ብወገና፡ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ኮንጎ ኣብ ክሊ ኣየራ ክበራ እዚ ንሳልሳይ ግዜ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ጎረቤታ "ነዚ መጥቃዕቲ ደው ከተብል" ሓቲታ’ላ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ ሱኮይ-25 ዝዓይነታ ነፋሪት ኮንጎ ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ጊሰኒ ንሓጺር እዋን ዓሊባ ነይራ።

ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ እታ ነፋሪት ውግእ “ብጌጋ ኣብኡ ከም ዝዓለበት” ምግላጻ ይዝከር።

ሩዋንዳ ንዓመጽቲ ኤም23 ትድግፍ ኣላ ክትብል ኮንጎ ትኸስስ። ሩዋንዳ ግን ብቐጻሊ ነቲ ክሲ ክትነጽጎ ጸኒሓያ'ያ።

ኣብዚ ቅድሚ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተለዓለን ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝነውሑን ቀተልትን ግጭትታት ምዃኑ ዝንገረሉ ጎንጺ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት ሞይቶም 4.5 ሚልዮን ድማ ተመዛቢሎም እዮም።

ምብራቓዊ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ብዘይተለምደ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ዝተዓደለ እዩ። ኣብኡ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ዕጥቃዊ ውግእ፡ ማዕድናት ወሳኒ ተራ ምጽዋቶም ይግለጽ።

ብርክት ዝበሉ ተቓወምቲ ጉጅለታት ከም ብረት፡ ታንግስተን፡ ታንታለምን ወርቅን ዝኣመሰሉ ማዕድናት ብምምዝማዝ ነቲ ዞባ ንምቁጽጻር መዊሎም እዮም።

ኣብ መንጎ ወተሃደራት ኮንጎን ዕጡቓት ጉጅለ ኤም23ን ዳግማይ ውግእ ምልዓሉ ስዒቡ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ከም ዝሞቱን ይፍለጥ።

ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ኮንጎ ነቲ ናብዚ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ዘብጽሐ ግጭት ጀሚሮም ክብሉ ነንሕድሕዶም ይካሰሱ።

እዚ ዳሕረዋይ ፍጻመ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጎረባብቲ ዝፍጠር ወጥሪ ከም ዘጋድዶ ድማ ይግመት።