እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክቱር ሙቐት ኣብ ሰብነትና እንታይ የስዕብ?
ዘይንቡር ሃሩር፡ ጕድለት ምንቅስቓስ ኣየር፡ ጸቕጢ ዘለዎ ክሊማ፡ ጽዑቕ ምውስዋስ ኣካላት፡ ዝኣመሰሉ ሙቐት ሰብነትና ክውስኽ ዝገበሩ እዮም።
ነቲ ሙቐት እንተዘይተቘጻጺርናዮ ድማ፡ ኣብ ጥዕናና ሓደጋ የስዕብ።
ብፍላይ ኣብ ሃሩር ዝበዝሖ ከባቢ፡ ጽዑቕ ምውስዋስ ኣካላት ክንገብር እንከለና ሰብነት ካብ መጠን ንላዕሊ ስለ ዝመውቕ፡ ድኻም ክስምዓናን ዋዒ ሓይልና ክጽንቀቕን ይገብር።
ሙቐት ሰብነትና ካብ 40 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ንላዕሊ እንተዀይኑ፡ ባዕሉ ክዝሕል ኣይክእልን፤ ንሞት ዘቃልዕ ወቕዒ ሙቐት'ውን ከስዕብ ይኽእል።
ሙቐት ሰብነትና እናወሰኸ ምኻዱ ኣብ ጥዕናና ዘስዕቦ ሓደጋ ክንፈልጥ ኣገዳሲ እዩ።
ክቱር ሙቐት ኣብ ሰብነትና እንታይ የስዕብ?
ሙቐት ሰብነትና እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ ሰራውር ደም ይኽፈቱ።
እዚ ኸኣ፡ ጸቕጢ ደም ክንኪ ስለዝገብር ልብና ነቲ ደም ናብ ኣካላትና ንምብጻሕ ብሓይሊ ክትሃርም ይግበራ።
ሃታሃታ ሙቐት ወይ ሕበጥ እግሪ ዝኣመሰሉ ምልክታት ዝርኣዩ በዚ ምኽንያት እዩ።
ኣካላትና ነቲ ደም ናብ ቈርበት ብምፍሳስ፡ ነቲ ሙቐት ካብ ውሽጢ ኣካላት ናብ ደገ ክውጽእ ይገበር። እቲ ሙቐት ብረሃጽ መልክዕ ወጺኡ ምስ ሃፈፈ ሰብነትና ይዝሕል።
ረሃጽ ግን፡ ንሰብነትና ኣገዳሲ ዝኹኑ ፈሰስቲን ጨውን ሒዙ እዩ ዝወጽእ።
እዚን እቲ ዝነከየን ጸቕጢ ደምን ብሓባር ሓይልና ክጽንቀቕ ይግበሩ። እዞም ዝስዕቡ ምልክታት ድማ ይህልዎ፥
- ጽርውርው ምባል
- ዕግርግር ምባል
- ውነኻ ምጥፋእ
- ምድንጋራት
- ጭዋዳታት ምጭባጥ
- ሕማም ርእሲ
- ከቢድ ረሃጽ
- ድኻም
ጸቕጢ ደም ኣመና እንተነክዩ ድማ፡ ድኻም ልቢ ከስዕብ ይኽእል እዩ።
ሰብነትና ስለምንታይ ከምዚ ዓይነት ግብረመልሲ ይህብ?
ኣብ ኣይሂ ውርጪ ይዅን ኣብ ማዕበል ዋዒ ብዘየገድስ፡ ኣካላትና ማእከላይ ሙቐት 37.5 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ክህልዎ ጻዕሪ ይገብር'ዩ።
እዚ ብንቡር ኣካልና ዝለመዶን ዝዓየሉን መስርሕ እዩ።
ኵነታት ኣየር እናሞቐ ብዝኸደ መጠን ግን፡ እቲ ሰብነት ነቲ ማእከላይ ሙቐት ምእንቲ ክቈጻጸር ኣበርቲዑ ክሰርሕ ስለዘለዎ፡ ኣብ ጥቓ ቘርበትና ዝያዳ ሰራውር ደም ይኽፈት እሞ የርህጸና።
ረሃጽ ክሃፍፍ እንከሎ፡ እቲ ካብ ቈርበት ዝጠፍእ ሙቐት ብዘደንቕ መገዲ ይውስኽ።
ድኻም ዋዒ
ሰብነትና ክሳዕ 39-40 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ዝበጽሕ ሙቐት እንተሃልይዎ፡ ሓንጎልና ንጭዋዳታት ፍጥነቶም ክንክዩን ድኻም ክተኣታቶን ይነግሮም።
ኣብ 40-41 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ድኻም ዋዒ ከጋጥም ይኽእል። ልዕሊ 41 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ግን ኣካልና ደው ክብል ይጅምር።
ከሚካላዊ መስርሕ ስለዝትንከፍ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ኣካላት ዘለዉ ዋህዮታት እናዛሕተሉ ይኸዱ'ሞ ገለ ክፋላት-ኣካልትና ድማ ስርሖም ደው ከብሉ ይጅምሩ።
እቲ ናብ ቈርበት ዝፈስስ ደም ስለ ዘቋርጽ ኣካላትና ኣብዚ ደረጃ እዚ ክርህጽ ኣይክእልን እዩ።
ልዕሊ 40 ሰንቲ ግሬድ ኣብ ዝዀነ ሙቐት ከጋጥም ዝኽእል ወቕዒ ልቢ ሕክምናዊ ሓገዝ የድልዮ እዩ። ብኡንብኡ ሕክምና እንተ ዘይተገይሩሉ ኸኣ፡ ብህይወት ናይ ምቕጻል ዕድል ኣዝዩ ትሑት ይኸውን።
ሰባት ክዝሕሉ ዝኽእልሉ ዝበለጸ መገዲ፡ ኣብ ማይ በረድ ምጥሓል ወይ ከኣ በረድ ኣብቲ ወሳኒ ኣርተሪታት ዝርከበሉ ቦታ ምግባር እዩ። እዚ ግን ኣካላትና ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኣብ ዝለዓለ ሙቐት ከም ዝጸንሐ መሰረት ዝገበረ እዩ።
ጠሊ (ኣብ ኣየር ዝርከብ ጠሊ) ክንደይ ዝኣክል ክንርህጽ ከም እንኽእል ንምውሳን ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ላውቦሮ ፕሮፌሰር ኣከባብያዊ ፊዝዮሎጅን ኢርጎኖሚክስን ዝዀነ ጆርጅ ሃቨኒት ይገልጽ።
ጠሊ ልዑል እንተ ዀይኑ ናይ ምርሃጽ ክእለትና ይዳኸም፣ እዚ ኸኣ ሕማቕ ክስምዓና ይገብር። ሃሩርን ደረቕን እንተዀይኑ ግን ስለ እንርህጽ ይሕግዘና እዩ ።
"ካብ ቈርበትና ብዙሕ ጠሊ ክሃፍፍ ከሎ፡ ብኡ መጠን ካልእ ጠሊ ከነፍሪ'ውን ኣለና፡" ይብል ፕሮፌሰር ሃቨኒት።
"እዚ ማለት ቀልጢፍና ልዑል መጠን ረሃጽ ክንረክብ ኣለና ማለት እዩ፤ እዚ ኸኣ በቲ ሰባት ዘፍርይዎ መጠን ረሃጽ ክድረት ዝኽእል እዩ።"
ስለዚ ሓደ ሰብ ክሳዕ 37 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ሙቐት ኣብ ዘለዎ ከባቢ፡ ኣብ ሰዓት ኣስታት 15 ኪሎ ሜተር ዝጐዪ እንተዀይኑ ኣብ ሰዓት ኣርባዕተ ሊትሮ ረሃጽ ከፍሪ ኣለዎ።
ሙቐት ይቐትል’ዶ?
ልዑል መጠን ሙቐት፡ ሞት ከስዕብ ይኽእል እዩ። ዝበዝሕ ካብዚ ድማ ብሰንኪ እቲ ሙቐት ሰብነት ቀዋሚ ንክኸውን ዝግበር ጻዕሪ ዝመጽእ ድኻም ልብን ወቕዕን እዩ።
መጠን ሙቐት ካብ 25-26 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ክሓልፍ ከሎ ዝለዓለ መጠን ሞት ክርአ ይኽእል።
ይዅን እምበር መርትዖታት ከም ዝሕብርዎ ሞት ዘጋጥም ብሰንኪ ኣብ ጽድያ ወይ ኣብ መጀመርታ ሓጋይ ዝህሉ ልዑል ሙቐት ደኣ እምበር፡ ኣብ “ልዑል ሙቐት ዘለዎ ሓጋይ” ኣይኮነን። ብፍላይ እተን ናይ መጀመርታ 24 ሰዓታትት ሃሩር ኣዝየን ሓደገኛታት እየን።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሓጋይ ኣብ ዝኣትወሉ፡ መዓልታዊ ጠባይና ስለእንቕይር ነቲ ሙቐት ብዝያዳ ስለ እንለምዶን ክኸውን ይኽእል።
ንሓደጋ ዝያዳ ቅሉዓት መን እዮም?
እርጋን ወይ ከም ሕማም ልቢ ዝኣመሰለ ነባሪ ኵነታት ንሰባት ነቲ ኣብ ኣካላትና ዘጋጥም ውጥረት ንኽጻወሩ ዘይኽእልሉ ኵነታት ክፈጥር ይኽእል እዩ።
ሽኮርያ፡ ኣካላትና ማይ ብቕልጡፍ ከም ዝስእን ክገብሮ ከምኡ'ውን ገለ ጸገማት እቲ ሕማም ንሰራውር ደምን ናይ ምርሃጽ ክእለትን ክቕይሮ ይኽእል እዩ።
ህጻናትን ብዙሕ ዘይንቀሳቐሱ ሰባትን'ውን ብቐሊሉ ክጥቅዑ ይኽእሉ እዮም። ከም ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ዝኣመሰለ ሕማማት ሓንጎል ድማ፡ ሰባት እቲ ሙቐት ንኸይፍለጦም ወይ ከኣ፡ ዋላ ሓንቲ ክገብሩ ከምዘይክእሉ ክገብሮም ይኽእል።
ግዳም ሓደር ዝዀኑ ሰባት፡ ንጸሓይ ብዝያዳ ዝተቓልዑ ክዀኑ እንከለው ኣብ ላዕለዎት ደርቢ ኣብ ዝርከብ ኣፓርታማታት ዝነብሩን ሰባት ድማ ልዑል መጠን ሙቐት የጋጥሞም እዩ።
ሃሩር ዘዳኸሞ ወይ ወቕዒ ሙቐት ዘለዎ ሰብ እንተጋጢኒ እንታይ ክገብር ይግባእ?
ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ክዝሕል ዝኽእል እንተዀይኑ፡ ድኻም ዋዒ ከቢድ ኣይኰነን፤ የግዳስ፥
- ናብ ዝሑል ቦታ ኣግዓዞ።
- በጥ ከም ዝብልን ኣእጋሩ ቅሩብ ክብ ከብሎን ግበር።
- ብዙሕ ማይ ወይ ፈሳሲ ኣስትዩ።
- ብስፖንጅ ወይ ብዝሑል ማይ ቈርበቱ ከም ዝዝሕል ግበር።
- ይዅን እምበር ኣብ ውሽጢ 30 ደቒቕ እንተዘይዝሒሉ ወቕዒ ሙቐት ከጋጥም ይኽእል እዩ።
እዚ ጽሑፍ ጄምስ ጋለገር ካብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ዝተወስደ እዩ።