ኣቦ እታ ብጉጅለ ተዓሚጻ ብጭካነ ዝተቐትለት ጓል 11 ዓመት እንታይ ይብሉ?

ወላዲ እታ ኣብ ክልል ሶማልያ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ብጉጅለ ተዓሚጻ ብጭካነ ተቐቲላ ዝተረኸበት ጓል 11 ዓመት ቆልዓ "ፍትሒ” ክረክብ ከም ዝደሊ ተዛሪቡ።

ኣብ ወረዳ 13 ከተማ ጅግጅጋ እትነብር ዝነበረት ጓል 11 ዓመት ፋቱማ ኡጋስ፡ ብሰንበት 21 ነሓሰ 2015 እያ ብገመድ ተሓኒቓ ተቐቲላ።

ብቕትለት ጓሉ ልዑል ሓዘን ዝተሰምዖ ኣቦኣ ኡጋስ ዓረብ፡ ፍትሒ ከም ዝደሊ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ኣነ ግዳይ እየ። ፍትሒ እየ ዝደሊ። ንጓለይ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብኸምዚ ኣገባብ ህይወቶም ዝሰኣኑ'ውን ፍትሒ ይሓትት" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

እታ መንእሰይ ኣብ ገዝኣ እንከላ እዩ መጥቃዕቲ በጺሕዋ። ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካራማራ ምስ ተወሰደት ቅድሚ ብገመድ ተሓኒቓ ምሟታ ከም ዝተዓመጸት ተረጋጊጹ።

ፖሊስ ክልል ሶማል ንፋጡሞ ኡጋስ ብምዕማጽን ብምቕታልን ዝተጠርጠሩ ኣርባዕተ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተወ ኣፍሊጡ።

ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ ጅግጅጋ ብጉጅለ ዓመጽን ቅትለትን ዝፈጸሙ ኣርባዕተ ውልቀሰባት፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ምርመራ ተጀሚሩ ኣሎ" ኢሉ።

እታ መንእሰይ ኣብ ገዝኣ ተዓሚጻ ዝተቐተለት እንትትኾን፡ ኣቡኣ ኣውያታ ሰሚዑ ከም ዝተበራበረ እዩ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

“ኣብቲ እዋን እቲ ደቂሰ ነይረ። ኣብቲ ገዛ ብዘይካይ ዓበይቲ ኣይነበሩን። ናብ ጓለይ ከይደ ክርእያ እንከለኹ ትንፋስ ስለዘይነበራ ኣብ ኣፍልባ ብምጽቃጥ ከተስተንፍስ ፈቲነ። ክሳዳ እውን ብገመድ ተሓኒቓ ነይራ። ነቲ ገመድ ቆሪጸ ናብ ሓኪም ወሲደያ" ክብል ኣቡኣ ኡጋስ ተዛሪቡ።

ኣብ ሕክምና ግን እታ መንእሰይ ድሮ ከም ዝሞተት ብክኢላታት ተረጋጊጹ።

ኣቦ እቲ መንእሰይ ከም ዝብሎ፡ ንጓሉ ዓሚጾም ዝቐተሉ "ሰራሕተኛታቶም" እዮም።

ኣብ ጅግጅጋ ኣብ ዝርከብ ናይ ሞባይል መጸገኒ ትካሎም ተቖጺሮም ዝሰርሑ “ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ከም ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ይርከቡ። ሓደ ካብቶም ሰራሕተኛታተይ ጠፊኡ እዩ" ኢሉ።

ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ሶማል፡ ነታ መንእሰይ ብጉጅለ ዓሚጾምን ቀቲሎምን ዝበሎም ኣርባዕተ ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ እቲ ኮሚሽን፡ ስድራ እታ መንእሰይ ፍትሒ ክረኽቡ ከም ዝሰርሕ ገሊጹ ኣሎ።

ኮምሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ሶማል ሜጀር ጀነራል ዓብዲ ዓሊ ሲያድ፡ እቲ ሕጊ ኣብቶም ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ተግባራዊ ከም ዝኸውንን ስድራኣ ፍትሒ ከም ዝረኽቡን ገሊጹ።

እቲ ቅትለት፡ ንነበርቲ ከተማ ጅግጅጋ ዘቖጥዐ ኰይኑ፡ እቶም ነቲ ቅትለት ዝፈጸሙ ውልቀሰባት "ካብ ካልእ ብሄራት" ዝተኣኻኸቡ እዮም ብዝብል ናዕቢ ተላዒሉ ከም ዝነበረ ይግለጽ።

ብተወሳኺ ስድራ እታ መንእሰይ ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ ኣብ መንጎ ፖሊስን ዝተቖጥዑ ነበርትን ጐንፂ ኣጋጢሙ ነይሩ።

ፖሊስ ንተቓውሞ ነበርቲ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ከም ዝተጠቕሙ ይግለጽ።

ምስቲ ኣብ ማእከል ከተማ ጅግጅጋ ዝተኻየደ ተቓውሞ ተተሓሒዙ፡ ኣብ ብዙሓት መካይን ዕንወት ከም ዝወረደን፡ ምስቲ ዓመጽን ቅትለትን እታ መንእሰይ ዘስዓቦ ናዕብን ጐንፅን ብዝተኣሳሰር ሓምሳ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ኮምሽነር ፖሊስ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘይምርግጋእ ከስዕብ ዝኽእል ኵነታት ከይፍጠር ሓቲቱ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኵነታት እታ ከተማ ዝተረጋግአ ክኸውን ከሎ ውጽኢት ምርመራ እቲ ቅትለት ምስተዛዘመ ከም ዝግለጽ’ውን ተገሊጹ ኣሎ።