ሕቡራት ሃገራት ሓደጋ 'ፋይናንሳዊ ውድቀት' ኣጋጢምዎ ከም ዘሎ ዋና ጸሓፊ ኣጠንቂቑ

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ሕቡራት ሃገራት ኣባል ሃገራት ክፍሊተን ብዘይምኽፋለን ኣብ ቀረባ እዋን ሓደጋ "ፋይናንሳዊ ውድቀት" ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣጠንቂቑ።

ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ሕቡራት ሃገራት "ንዝተመደቡ ስራሓት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ" ፋይናንሳዊ ቅልውላው ከም ዘጋጠሞን እቲ ኣብ ካዝና እቲ ውድብ ዘሎ ገንዘብ ክሳብ ሓምለ ክውዳእ ከም ዝኽእልን ገሊጹ።

ንሱ ንዅለን 193 ኣባላት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ነቲ ግዴታዊ ክፍሊተን ከኽብራ ወይ ድማ ንኸይፈርስ ንፋይናንሳዊ ሕግታት ናይቲ ትካል ምሉእ ብምሉእ ክጽግና ከም ዘለወን ጽሒፉ።

እዚ እታ ቀንዲ መዋሊት ሕቡራት ሃገራት ዝዀነት ኣመሪካ ኣብ ስሩዕን ዓቃቢ ሰላምን ኣብ ካልእ ብሕቡራት ሃገራት ዝካየድ ኣዝዩ ብዙሕ ፕሮጀክታት ትስልዖ ዝነበረት ባጀት፡ "ብኽነት ዶላር ከፈልቲ ግብሪ'ዩ" ብምባል ደው ብምባላን ከምኡ'ውን ካልኦት ሃገራት ክኸፍልኦ ዝግበአን ገንዘብ ስለ ዘይከፈላን ዝሰዓበ ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።

ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መወዳእታ 2025 ኣብ ፋይናንሳዊ ስርዓቱ ብኸፊል ለውጢ ክግበር እኳ እንተ ኣጽደቐ፡ እቲ ትካል ግን ክሳብ ሕጂ ንዘይተቐበሎ ገንዘብ ክመልስ ኣብ ዓቢይ ቅልውላው ናይ ገንዘብ ክኣቱ ተገዲዱ ከም ዘሎ'ዩ ዝሕበር።

ጉተረዝ ናብ ኵለን ኣባላት እቲ ውድብ ኣብ ዝሰደዶ ደብዳበ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ እዋን ፋይናንሳዊ ቅልውላው ከም ዘጋጠሞ፡ እንተዀነ፡ እቲ ህሉው ኵነታት "ብፍጹም ዝተፈልየ" ምዃኑ ጽሒፉ።

ዋና ጸሓፊ፡ ፍሉያት ኣባላት ከይጠቐሰ፡ "ካብቲ ዝጸደቐ ስሩዕ ባጀት፡ እተን ክምውላ ዝግመታ ብጽሒተን ተሓቢርወን'ዩ፡" ብምባል እቲ ዝተገመተ ምወላ ግን ክእከብ ከም ዘይተኻእለ ኣብሪሁ።

ጉተረዝ ብመሰረት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት "ዝተገምገመ ኣበርክቶአን" ናይ ምኽፋል ግዴታአን ኣብ ምኽባር ዝምርኰስ ምዃኑ ገሊጹ።

ጉተረዝ፡ ሕቡራት ሃገራት ባጀት ከተግብር እንተ ዘይክኢሉ ኣብ ፍሉይ መደባት ዘይተጠቕመሉ ገንዘብ ንኣባላቱ ክመልስ ኣለዎ ዝብል ሕጊ፡ "ድርብ ጽፍዒት" ፈጢሩ'ዩ ኢሉ።

ብመሰረት እቲ ሕጊ ግን ዝተረፎም ገንዘብ ነቲ 77 ሚእታዊት ከም ዝመለስዎ ኣብሪሁ።

"ሕጂ ዘጋጥመና ዘሎ ኵነታት ህጹጽነቱ ክገልጾ ኣይክእልን እየ። ዝጸደቐ ግን ኣብ ኢድና ብዘየሎ ገንዘብ ክፍጸም ዝኽእል ስራሕ የሎን፣ ተቐቢልናዮ ዘይንፈልጥ ገንዘብ'ውን ክንመልስ ኣይንኽእልን ኢና፡" ኢሉ።

ከም ውጽኢት ናይቲ ሓዲሽ ሕጊ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብጭቡጥ ኣብ ኢዱ ዘይበጸሐ ሚልዮናት ዶላር ይመልስ ከም ዘሎ'ውን ኣብ ደብዳበኡ ኣፍሊጡ።

እቲ ደብዳበ፡ "ኣብዚ ወርሒ ጥራይ፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ 2026 ዝተገብረ ገምጋም፡ 227 ሚልዮን ዶላር ክንመልስ ተገዲድና - እዚ ከኣ ኣብ ኢድና ዘይኣተወ ገንዘብ'ዩ፡" ይብል።

ቀጺሉ፡ "እቲ ነጥቢ ንጹር'ዩ፡ ወይ ኵለን ኣባል ሃገራት ምሉእን ኣብ ግዚኡን ናይ ምኽፋል ግዴታአን የኽብራ - ወይ ድማ ኣባል ሃገራት ንዝቐረበ ፋይናንሳዊ ውድቀት ንምክልኻል ፋይናንሳዊ ሕግታትና ብመሰረቱ ክጽግና ኣለወን።"

ትካላት ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ ቅልውላዋት ንምምካት ዝሓተትኦ ኵሉ ገንዘብ ሳሕቲ ዝረኽባ እኳ እንተዀና፡ ዝሓለፋ 12 ኣዋርሕ ግን ብጸገም'የን ሓሊፈንኦ።

ኣመሪካ እታ ዝዓበየ ንሕቡራት ሃገራት እትምውል ሃገር ኰይና፡ ዶናልድ ትራምፕ ግን ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዘለዎ ዓቕሚ ኣይተጠቐመሉን፣ ከምኡ'ውን ነቲ ብተበግሶ ኣመሪካ ዝካየድ ናይ ሰላም ዝርርባት ደገፉ ኣይህብን'ዩ ብምባል'ዩ ዝነቕፎ።

ኣመሪካ ኣብ 2025 ኣብ ስሩዕ ባጀት ሕቡራት ሃገራት እትገብሮ ኣበርክቶ ኣይከፈለትን፣ ካብቲ ትጽቢት ዝግበረላ ምወላ ድማ 30% ጥራይ ንዕማማት ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪባ።

ድሕሪኡ ኣብ ጥሪ፡ ትራምፕ ካብ 31 ትካላት ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ካብ ዓሰርተታት ኣህጉራውያን ትካላት ኣመሪካ ትገብሮ ዝነበረት ምውላ ደው ኣቢልዎ።

ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ፡ ኣመሪካ ንሰብኣዊ መደባት ሕቡራት ሃገራት 2 ቢልዮን ዶላር ንምምዋል ቃል ኣትያ፣ እዚ ምስቲ ኣብ 2022 ዝገበረቶ ንተመሳሳሊ መዓላ ዝኸውን 17 ቢልዮን ዶላር ብምንጽጻር ኣዝዩ ውሑድ'ዩ።

ካልኦት ሃገራት ከም ዓባይ ብሪጣንያን ጀርመንን እውን ኣብ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ርኡይ ምንካይ ከም ዘርኣያ ኣፍሊጠን ኣለዋ፣ እዚ ድማ ኣብ ስራሕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጽልዋ ከም ዘሕድር ዘይተርፍ እዩ።

ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ መጀመርታ ናይታ ወርሒ፡ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዓመታት ዝኸፍአ ፋይናንሳዊ 'ጥፍሽና' ከም ዘጋጥሞ ኣጠንቂቑ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ።

ትራምፕ ንገለ ዕማማት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብቦርድ ሰላም ብምትካእ፡ ኣብ ቓዛ ይሰርሕ ኣሎ ብምባል ብገለ ብፍሉይ ይንቀፍ'ዩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንስራሕ ሕቡራት ሃገራት ንምትካእ ዲኻ ትሰርሕ ዘለኻ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ስርሑ "ምስ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር" ከም ዝፍጸም ገሊጹ።

ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ብወግዒ ምውጻኣ ኣፍሊጣ። ኣቐዲማ'ውን ኣብ 2024 ከምኡ'ውን 2025 ንውድብ ጥዕና ዓለም ክትከፍሎ ዝነበራ ገንዘብ ካብ ምኽፋል ሓንጊዳ'ያ ጸኒሓ።

በዚ ከምዝን ምኽንያት፡ ኣብታ ኣብ ዓለም ዝለዓለ መጠን ሞት ኣዴታት ዘለዋ ኣፍጋኒስታን፡ ንደቂ ኣንስትዮ፡ ኣዴታትን ህጻናትን ዘገልግል ክልኒካት ክዕጸዋ ኣገዲዱ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም'ውን ነቶም ካብ ኲናት ሱዳን ዝሃደሙ ዝህቦ ዝነበረ መቝነን መጠኑ ኣዐርዩ ከጕድሎ ተገዲዱ ኣሎ።