እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብደዉ ሓወልቱ ዘመረቐ ኣፍሪቃዊ መራሒ ህዝባዊ ቁጠዐ ፈጢሩ
ዘመነ-ስልጣኑ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ዘብቅዕ ዘሎ ፕረዚደንት ጋና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ማዕበል ተቓውሞ ገጢምዎ'ሎ።
ጠንቂ ናይቲ ህዝባዊ ቁጠዐ ግን፡ ቀልጢፉ ክእለ ዝጠልብ ዘይኮነስ፡ ምስልኻ ኣይትግደፈልና ዘስምዕ'ዩ።
ፕረዚደንት ናና ኣኩፎ -ኣዶ፡ ናይ ስንብታ ዑደት ኣብ መላእ እታ ሃገር የካይድ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ኣብ ዝበጽሓሉ ግን ዝተለገሰሉ ደገፍ ፍልይ ዝበለ'ዩ ነይሩ- ሓደ ዓቢ ሓወልቲ ክምርቕ ተራእዩ።
እቲ ኣብ ከተማ ሰኮንዲ ኣብ ፊት ሆስፒታል ብምስሉ ዝተሰርሐ ዓቢ ሓወልቲ፡ እቲ ፕረዚደንት ንልምዓት ዝገበሮ ኣበርክቶ ንምምጓስ ዝቖመ ምዃኑ ናይቲ ከባቢ ሚኒስተር ክዋበና ኦኪረ ዳርኮ-መንሳህ ገሊጹ።
"ባዕልኻ-ምንኣድ" ኮይኑ ዝተራእዮም ጋናውያን ግን ይሳሃልዎ ኣለዉ።
"ህዝቢ ምዕራባዊ ዞባ ነዚ ርእሰ-ምስሳይ ክርኢ ኣይግብኦን'ዩ" ክብል ተቓዋሚ ኣባል ባይቶ ኢማኑዌል ኣርማህ ኮፊ-ቡዋ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ድሕሪ ክልተ እብረ ካብ ስልጣኑ ክእለ ትጽቢት ዝግበረሉ ወዲ 80 ዓመት ኣኩፎ-ኣዶ፡ 80 ሚእታዊት ካብቲ ንህዝቢ ጋና ዝኣተዎ መብጽዓታት ከምዘተግበረ ይጃሃር።
እቲ ሓወልቲ ኣብ ዝተመረቐሉ ኣጋጣሚ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ዞባ ዝተፈላለየ ፕሮጀክትታት ልምዓት ከምዘበገሰ ዳርኮ መንሳህ ተዛሪቡ።
ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ግን፡ ሓያለ ዘይተዛዘሙ ኣገደስቲ ፕሮጀክትታት እናሃለዉ ሓወልቲ ንምውዳእ ምቅድዳሙ ነቒፎም።
"ዝሰርሖ ስራሕ፡ ኣብ ዝመጽእ እዋን ኣፍልጦን ናእዳን እንተዝወሃቦ ምሓሸ ነይሩ" ይብል ሓደ ተጠቃሚ ኤክስ።
ገለ ክፋል ህዝቢ ጋና'ውን እቲ ስእሉ ኣባ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርጋሕ ዝወዓለ ሓወልቲ ክፈርስ ይጽውዕ ኣሎ።
ምስራሕ ናይቲ ሓወልቲ ብዙሕ ጸገም የብሉን ዝብሉ ግን ኣይተሳእኑን።
"እዚ ፍሉይ ህያብ ይግብኦ'ዩ። እቲ ዝበለጸ ፕረዚደንተይ እዩ። ጋናውያን ክናፍቑኻ እዮም" ብምባል ዝነኣደ ሓደ ወሃቢ ርእይቶ ኣኩፎ-ኣዶ "መስራቲ ናጻ ስርዓተ-ትምህርቲ ጋና" ክብል ደገፉ ገሊጹ።
ኣብቲ ዘካይዶ ዘሎ ዑደት፡ "እቲ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ሓድጊ" ምምሕዳሩ፡ ንካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝሕተት ዝነበረ ክፍሊት ምቁራጹ ምዃኑ ክዛረብ ተሰሚዑ።
እቲ ዘካይዶ ዘሎ ዑደት፡ ተቓወምቲ ሰልፍታት ጓስጓስ ብኣጋኡ ክጅምሩ ኣበራቢርዎም ኣሎ።
ጋናውያን፡ ነቲ ንሱ ዝመርሖ ገዛኢ ሃገራዊ ሓርበኛዊ ሰልፊ ብምምራሕ ክትክኦ ትጽቢት ዝግበረሉ ምክትል ፕረዚደንት ማሃማዱ ባዊምያ ድምጾም ክህቡ ድማ እቲ ፕረዚደንት ተማሕጺኑ።
ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ዝካየድ ሓፈሻዊ መረፃ፡ እቲ ምክትል ፕረዚደንት ኣንጻር መራሒ ሰልፊ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ጉባኤ ዝኾነ ፕረዚደንት ነበር ድራማኒ ማሃማ ክገጥም'ዩ።
እታ ብወርቂ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝሃብተመት ጋና፡ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋ መነባብሮ ቀንዲ ፖለቲካዊ ዛዕባ ኮይኑ ይርከብ።
ብዓይኒ ደሞክራስን ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን'ውን፡ ኣብዚ እዋን ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ዝስርዓ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃና ይእመን።