እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ ህንጻ ካቢኔ ሚኒስተራት ዩክረይን ከምዘዐንወት ተገሊጹ
ቀዳማይ ሚኒስተር ዩክሬን ዩልያ ስቪሪደንኮ፡ ኣብ ኪየቭ ዝርከብ ህንጻ ካቢነ ሚኒስተራት ሎሚ ንግሆ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሩስያ ከምዝዓነወ ኣረጋጊጻ።
ሩስያ ኣብ መንግስታዊ ህንጻ ዩክረይን ደብዳብ ክትፍጽም እዚ ናይ ፈለማያ'ዩ።
ከንቲባ ከተማ ኪየቭ ቪታሊ ክሊችኮ ብወገኑ እቲ ህንጻ መንግስቲ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሓዊ ከምዝተቓጸለ ተዛሪቡ።
እቲ ህንጻ ኣብ ማእከላይ ኣውራጃ ፔቸርስኪ ከምዝርከብ ክሊችኮ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ሓቢሩ። መጥፋእቲ ሓዊ ገና ኣብቲ ቦታ ይሰርሑ ከምዘለዉ'ውን ጠቒሱ።
ኣብ ካልእ ቦታታት ርእሰ ከተማ፡ መኽዘን፡16 ደርቢ መንበሪ ህንጻ፡ ከምኡ'ውን ኣርባዕተ ደርቢ ህንጻ ተሃሪሞም።
ሓይሊ ኣየር ዩክረይን ከምዝሕብሮ፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ናይ ለይቲ መጥቃዕቲ ሩስያ ብድምር ኣስታት 800 ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ከምዝተወንጨፈ ገሊጹ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር፡ ትሽዓተ ሚሳይላትን 56 ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኣብ 37 ቦታታት ክሃርማ እንከለዋ፡ እቲ ስብርባር ድማ ኣብ ሸሞንተ ቦታታት ወዲቑ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር "ጸላኢ ኣብ መላእ ሃገር ንህዝብና መዓልታዊ የሸብር'ሎ" ክትብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጸሓፈት ኮይና ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክሬን ኣንድሪ ሲቢሃ ድማ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ተግባራት ራዕዲ ኣሐይላ ትቕጽለሉ ስለዘላ ካብ መሻርኽቲ ዩክሬን ሓያል ምላሽ ክወሃባ ጸዊዑ።
ብሰንኪ እቲ ናይ ሩስያ መጥቃዕቲ ክሳዕ ሕጂ ኣደን ወዲ ክልተ ወርሒ ህጻንን ከምዝተቐትሉ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጹ።
ዩክሬን ድሕሪ እቲ ዝተፈጸማ መጥቃዕቲ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ብራያንስክ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ሻምብቆ ነዳዲ ሩስያ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ሓላፊ ሓይሊ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዩክሬን ገሊጹ።
ሮበርት "ማድያር" ብሮቭዲ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ "እቲ መሳለጥያ ካብ መጻረዪ ነዳዲ ቤላሩስ ናብ ሩስያ ንምጉዕዓዝ እትጥቀመሉ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ'ዩ" ይብል።