ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ኣስላምን ስደተኛታትን ዝግንፍል ዘሎ 'ጽልኢ' ዘስዓቦ ጭንቂ

ሁማ ካን ኣብ ስቶክፖርት ዓባይ ማንቸስተር ትነብር ኰይና፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ፡ ከም መምህር ቋንቋ ኰይና እያ ትሰርሕ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ መላእ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ዝተባረዐ ዓመጽ፡ ካብቲ ንቡር ኵነታታ እንተዘየሰናኸላ’ኳ፡ ድቃስ ግን ከሊኡዋ ኣሎ።
“ናይ መጀመርታ ግብረ መልሰይ ስንባደ እዩ ነይሩ። እቲ ሰባት ‘ተቓውሞ’ ዝብልዎ ዘለዉ፡ ኣነ ብጭቡጥ ‘መጥቃዕቲ ግብረሽበራ’ ዝብሎ፡ ካብቲ ሓሶት ኰይኑ ዝተረኽበ ወረታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ እዩ፤ ቅሩብ ዘሰንብድ ይመስለኒ” ትብል ንቢቢሲ።
ካን፡ ንግዚኡ ተግባራታ ከምዘይቅይሮ ትዛረብ’ምበር ክትጥንቀቕ ከምዘለዋ ይስመዓ።
“ሐቂ ንምዝራብ ዒላማ ካብ ዝኸውን ጸኒሐ እየ፤ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነተይ፡ ብኣገባብ መልክዕ፡ ኣከዳድናይ እናተሳቐኹ እየ ዓብየ።
“ብፍርሒ ኣይክሽመምን እየ፡ ካብ ገዛይ ብዝወጻእኩ ግን፡ ናብ ኣእምሮይ እቲ ዘሕርቕ ስምዒት ይመጸኒ። 'ኣብ ገለ ዓይነት ሓደጋ ክወድቕ ድየ?' እብል” ክትብል ትሓትት።
ዘፍርሕ ህድኣት
ኵሉ ግዜ’ኳ ከምኡ እንተዘይኰነ፡ ዓመጽ ዝመልኦ ናዕቢ ናብ ዘይተለምደ ሃዋህው ክመርሕ ዓብይ ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብ ወሰን ከተማ ማንቸስተር፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ከተማ ዝርከብ ማእከል ዕዳጋ ሳልፎርድ ብሰሉስ ምስ ከድና [ጋዜጠኛ ቢቢሲ]፡ ድሕሪ ቀትሪ ብዘፍርሕ መገዲ ሕልው ዝብል ነገር ኣይነበረን።
ኣብታ መዓልቲ፡ ኣብ ኢንተርነት ዘይተረጋገጸ ጸብጻባት ተቓውሞታት ክካየድ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ትካላት ንግዲ ብኣጋኡ ክዓጽዋ ተነጊሩወን።
ፖሊስ ደው ኢሎም ንውሑዳት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝገበሩ፡ ተቓውሞ ዘየስምዑ መንእሰያት ግን ድማ ኰለል ዝብሉ ዝነበሩ ይፍትሹን ነይሮም።
ኣብቲ ዓቢን ባዶን ዕዳጋ ብኣጻብዕቲ ዝቝጸሩ ሓለፍቲ መገዲ ጥራይ እዮም ዝረአዩ ነይሮም።
ኣብ ደቡባዊ ክፋል ማንቸስተር’ውን፡ እቲ ተርእዮ ካብዚ ብዙሕ ዝተፈለየ ኣይኰነን።
ሞስ ሳይድ ካብ ኤስያ፣ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዝመጹ ንጡፋት ማሕበረሰብ ኣስላም ዝነብሩላ ከባቢ እያ።
ርግጽ፡ ብሰሉስ፡ ኣብያተ መግቢታትን እንዳ ሻሂታትን ብዓማዊል ተጨናኒቘም ነይሮም።
ብዙሓት ኣብቲ ከባቢ ዝሰርሑን ዝነብሩን ሰባት፡ ምስቲ ማሕበረሰብ ምንባር ውሕስነትን ከምዝስምዖም ይዛረቡ።
ነቲ ዝግንፍል ዘሎ ሓድሽ ፍጻመታት ግን ብዝዓበየ ስክፍታ’ዮም ዝከታተልዎ ዘለዉ።

"ኣብ 2018 ካብ ሶርያ መጺአ፡ ኣነን ስድራይን ኣብዚ ውሑስ መዕቆቢ ረኺብና" ይብል - ኣላ ዝተባህለ ሕጂ ኣብ ማንቸስተር ወናኒ ድኳን መጻሕፍቲ ዓረብ።
"ኣብ ቀረባ እዋን ዝተርአዩ ፍጻመታት ንመጻኢ ጽቡቕ ምልክት ኣይኰኑን። ንግዚኡ ድምጸይ ኣጥፊአ፡ ትሕት ኢለ እየ ዝነብር ዘለኹ። ዳግማይ ስደት ክስምዓኒ ኣይደልን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ዓብዱልሓኪም ድማ ቅድሚ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ሶማልያ ካብ ዝነበረ ኲናት ሃዲሙ እዩ ኣብዚ ኣዕቚቡ።
ሕሉፋት የማናውያን፡ ምስ ጕጅለታት ኣስላም ከይጋጨው ስክፍታ ኣለዎ።
"እዘን ክልተ [ጕጅለታት] እንተተራኺበን፡ ናዕቢ፡ ኲናት ሓድሕድ ክፈጥራ ይኽእላ እየን። ከምቲ ካብ ሶማልያ ናብ ማንቸስተር ክሰድድ ዝገበረኒ ዓይነት።"
ኣላ፡ ገለ ካብ ማሕበረሰብ ኣስላም ንመሳጊድ፡ ትካላት ንግድን ኣባይትን ክከላኸሉ - ኣድላዪ እንተዀይኑ ሓይሊ ምጥቃም ከም ኣማራጺ ምጥቃም ዝብል- ጻውዒት ምግባሮም’ውን የሻቕሎ እዩ።
“ኣነ ምስ’ዚ ጻውዒት ኣይሰማማዕን እየ። እዚ ምስቶም ድሮ ንድሕነት ኣስላም ዝሰርሑ ምምሕዳራትን ኣካላት መንግስትን ብምውህሃድ ጥራይ ክኸውን ይግባእ።
"መሳጊድና ክንከላኸል መሰል ኣለና ይመስለኒ፤ ናይ እምነት ናጽነት መሰልና ክንከላኸል መሰል ኣለና፤ እዚ ግን ብገዛእ ርእስና እንተገይርናዮ፡ ካልኦት ከም ምልክት ‘ኣሸበርቲ’ ንኽገብሩና ጽቡቕ ጉልባብ እዩ ዝዀኖም።"
ኣብ መንእሰይ ወለዶ ዝህልዎ ጽልዋ እውን ከምዘሎ ሁማ ካን ይዛረብ።
“እቲ ናይ ብሓቂ ዝኸበደኒ ነገር ምስ ደቂ ሓወቦይ ምዕላል እዩ፤ ንሳቶም ገና 12፡ 10ን ሸውዓተን ዓመት ዝዕድመኦም እዮም። ኣብ ጐደናታትና ማንቸስተር ዝርአ ዘሎ ንዅሉ ነቲ ማሕበረሰብ ዝውክል ከምዘይኰነ ከረድኦም ይሽገር ኣለኹ።”

ምንጪ ስእሊ, Handout
‘ኣብዚ ዓሌትነት ርእየ ኣይፈልጥን’የ’

መበቆሉ ካብ ሶርያ ዝዀነ ስዒድ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት እዩ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተሰዲዱ።
ኣብ ኣውሮጳ ንነዊሕ እዋን ጸኒሑን ተዘዋዊሩን እዩ።
“ኣብ መላእ ኣውሮጳ ተጓዒዘ’የ፡ ናይ ሽወደን ፓስፖርት’ውን ኣለኒ። ኮነ ኢለ ናብዛ ሃገር [እንግሊዝ] ዝመጻእኩሉ ምኽንያት ኵሉ እምነታት ማዕረ ዝኽበረላ ዓዲ ስለዝዀነት እዩ። ክርስትያን፡ ኣስላም፡ ኣይሁድ - ኵሉ ሰብ ብስኒት ይነብር ኣሎ።
እንተዀነ፡ ንሱ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ እቲ ዓሌታዊ ፍጻመታት ምስ ሰምዐ፡ ‘ብሓቂ ሰንቢደ’ ይብል።
“ኣብዚ ዓሌትነት ርእየ ኣይፈልጥን። ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ’ቲ ዜና ክንሰምዕ ከለና ቅሩብ ፈሪሕና፣ እዚ ንዓና ዘይንቡር’ዩ፤ ምኽንያቱ እዚ ክንርእን ክንሰምዕን ንፈለማ ግዜና እዩ።
“ኣብዚ ካብ ዝነብር ሰለስተ ዓመት ገይረ’የ፣ ኣብዚ ዘለዉ ሰባት ንምእማኑ ዘጸግም ሕያዎት’ዮም። ይሕግዙኻ፣ ኣብ ናይ ቋንቋ ጸገም ይሕግዙኒ፤ ስለዚ ኣብ ዜና ዝረኣኹዎ ካብቲ ኣብ ባይታ ዝረኣኹዎ ኣዝዩ ዝተፈለየ’ዩ።
ብኸመይ እዩ ተጓሃሂሩ?

ብ29 ሓምለ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ሳውዝፖርት ሰለስተ ንኣሽቱ ኣዋልድ ብኻራ ድሕሪ ምቕታለን፡ ኣብ ከተማታት ዓዲ እንግሊዝን ሰሜን ኣየርላንድን ሰፊሕ ናዕቢ ተላዒሉ።
እቲ ዓመጽ ብኢንተርነት ብዝተዘርግሐ ግጉይ ሓበሬታ፡ ሕሉፋት የማናውያንን ጸረ-ስደተኛታትን ስምዒቶም ገንፊሉ።
ድሕሪ መጥቃዕቲ ካራ ሳውዝፖርት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ጽሑፋት፡ እቲ ጥርጡር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብጃልባ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተወ ሓታቲ ዕቝባ ምዃኑ ብሓሶት ተዘርጊሑ።
ኣስላማይ ምዃኑ እውን መሰረት ዘይብሉ ወረታት ተቓሊሑ።
ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ናዕቢ ተፈጢሩ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ 2011 ብፖሊስ ብጥይት ዝተቐትለ ማርክ ዱጋን ዝተበገሰ ናዕቢ፡ እዚ ናይ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዕንወት ኣስዒቡ።
ኣቦ መንበር ጕጅለ ድሕነት ኣስላም ዓባይ ማንቸስተር ዶክተር ጃዋድ ኣሚን፡ “ርግጽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዓመጽ ዝመልኦ ፍጻመታት ርኢና ኢና” ይብል።
"ብዛዕባ እዚ ፍሉይ ፍጻመ [ኣብ ሳውዝፖርት] ዘጨንቕ ነገር እንተሃልዩ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝተዘርግሐ ግጉይ ሓበሬታ ብኢንተርነት ጽልኢ ከቐጽሉ ዝደልዩ ሰባት ጥራይ ዝተዘርግሐ ምዃኑ 'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“ብመሰረቱ’ውን፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኣስላማይ ድዩ ኣይኰነን፡ ነቲ ዝረኣናዮ ዓመጽ መበገሲ ክኸውን ኣይምተገበኦን።”




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







