እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ህይወት ናብ ሓመድ ተቐይራ’ - መሪር ዕንወት ስድራቤት ብሓደጋ ውሕጅ
ቪክቶር ማቲያስ ከም ኵሉ ኣብታ መዓልቲ ኣብ ቫለንሽያ ዝነበረ ወላዲ፡ በቲ ከጋጥም ዝኽእል ስለ ዝሰግአ፡ ቀልጢፉ መደባቱ ቀይሩ።
ገና ይነጕድ እዩ ነይሩ፤ ኣብታ እዋን - ኣጋ ምሸት - ብኣጋ ካብ ስራሕ ተፈዲሱ፡ ደቁ ካብ መዋእለ ህጻናት ብሰላም ኣውጺኡ፡ ዝፈትውዎ ድራር - ‘ክሮኬታ’ ክሰርሕ ተቐሪቡ ነበረ።
ንወዲ 5 ዓመት ኢዛንን ንወዲ 3 ዓመት ሩበንን፡ ኣደኦም ማርታ ካብቲ ትሰርሓሉ ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከብ ሱፐርማርኬት ክሳብ ትመጽእ፡ እቲ ዝተፈትወ መግቢ መጽንሒኦም እዩ።
እቲ ብድሕሪኡ ዘጋጠመ ፍጻመ ግን ኣዝዩ ዘሰቅቕ'ዩ. . .፤
እቲ ኵነታት እንታይ ከምዝመስል፡ ዘዘራረብናዮም ጐረባብትን ኣዝማድን ዝሃብዎ ምስክርነት፡ ከምኡ’ውን ኣቦኦም ቪክቶር ካብቲ ቅሩብ ዝዝከሮን ንካልኦት ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ዝሃቦ ዝተወሃሃደ እዩ።
እቲ ዘሕዝን ዛንታ ስድራ ቪክቶር ማቲያስ ኣብ ስጳኛ ዓቢ ኣቓልቦ ረኺቡ ኣሎ። ብዙሓት ብዛዕባ “Los niños desaparecidos” – እቶም ዝጠፍኡ ህጻናት - ዝምልከት ሓበሬታ ክከታተሉ ጸኒሖም እዮም።
እዚ ከምዚ ዝበለ ሓዘን እታ ስድራቤት ግን ሓዘን ብዙሓት እዩ፤ ምኽንያቱ ኣብ መላእ ዞባ ቫለንሽያ ዝተደጋገመ ዘባህርር ፍጻመ ስለዝዀነ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ብሰንኪ ዕልቕልቕ ውሕጅ፡ ብውሑዱ 219 ሰባት ከምዝሞቱን ብዙሓት ድማ ሃለዋቶም ከምዝጠፍአን ይፍለጥ።
ፍጹም ዕንወት
ድሕሪ’ቲ ኣይሂ ዝዀነ ዝናብ ኣብቲ ገዛ ምስ በጻሕና፡ እታ ስድራ ኣብ ባሕሪ ጥፍኣት ሰለይ ክትብል እያ ጸኒሓ።
ስታስቲካዊ ሓበሬታ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ከምዝሕብሮ፡ መጠን ሓደ ምሉእ ዓመት ዝዀነ ዝናብ እዩ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ኣብ ገለ ከባቢታት ቫለንሽያ ሃሪሙ።
ኣብቲ ከባቢ ዓበይቲ ኮንተይነራት፡ ዝተጨፋለቓን ዝተሓዋወሳን መካይን፡ ፍርስራስ ገዛውቲን ኣቝሑ ገዛን ካልእን ብጭቃ ተለዊሱ ይርአ።
ገለ ካብቲ ውሑድ ዘይተበላሸወ ነገራት፡ ኣብ ማዕጾ ናይቲ መደቀሲ ክፍሊ እቶም ቈልዑ ዘሎ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ቡናዊ ባይታ ጐሊሑ ተጻሒፉ ዝረአ ኣስማቶም እዩ።
ጐረቤቶም ጆናታን ፔረዝ፡ ነቲ ዘስካሕክሕ ፍጻመታት ዳግማይ ክዝክሮ እንከሎ፡ “ጽሉል ዕንወት እዩ ነይሩ ከምዚ ዝበለ ሓይሊ ርእየ ኣይፈልጥን።”
ቪክቶር ዝነገሮ ምርኩስ ገይሩ ክገልጽ እንከሎ፡ ንሱ ከመይ ገይሩ ንደቁ ኣብ ሕቑፉ ከም ዝሓዞም፤ እቲ ውሕጅ ከኣ ንዅሎም ናብ ደገ እናጐተቶምን ንሳቶም ኣብ ቅልጽሙ ከምዝሓዝዎን የዘንቱ።
ሽዑ ግን - ዋላ’ኳ ንኽሕዞም ሓያል ጻዕሪ እንተገበረ፡ ንሳቶም ግን ሰተት ኢሎም ካብ ኢዱ ጠፊኦም።
ቪክቶር - እቲ ኣቦ - ድሕሪ ኣርባዕተ ሰዓታት ኣቢሉ ልዕሊ 200 ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ሓደ ገረብ ተጣቢቑ ጸኒሑ።
ኣደኡ – ዓባዮም ነቶም ቈልዑ – ቪክቶር ንነብሱ ናብቲ ውሕጅ ደርብዩ ዕጫኡ ክቕበል ድሉው ምንባሩ ገሊጻ። እንተዀነ ደው ኢሉ፤ ንሰበይቱ በይና ክገድፋ ከም ዘይክእል ንነብሱ ነገራ።
ዕንወት ገነት እታ ስድራ
ነቶም ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ኢዛንን ወዲ ሰለስተ ዓመት ሩበንን፡ ካብቲ ጀርዲን ገዛኦምን ዝነበረ መጻወቲ ቦታ ንላዕሊ ውሑስ ኰይኑ ዝስምዖም ቦታ ኣይነበረን።
እቶም ቈልዑ፡ ዓንደርቲን ሕጕሳትን ከምዝነበሩ ኣሞኦም ትገልጽ።
ወለዲ እቶም ቈልዑ፡ ነቲ ገዛ ካብ ሓደ ፍራንሲስኮ ጃቪየር ኣሮና ዝበሃል ሰብኣይ ኣብዚ ቅሩብ ግዜ ከምዝገዝእዎ ይፍለጥ።
ጃቪ ንማዕከናት ዜና ስጳኛ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ገዛ ንስድራቤት ማቲያስ “ገነት” ኰይኑሎም ከምዝነበረ ይገልጽ።
ብፍቕሪ ከምዝሃነጾ ዝገልጽ ዋና እቲ ገዛ ነበር ጃቪ፡ ብፍሉይ ቅዲ፡ ዝተፈላለየ ቅርሲታትን ስልማታትን ገይሩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ከምዝሃነጾ ገሊጹ።
ኣብ ደገ ውሑድ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ዝነበሮ ኰይኑ፡ እዚ ማለት እቶም ክልተ ኣሕዋት ከይተሰከፉ፡ ካብ ዝዀነ ሓደጋ ከይሰግኡ ዝጻወቱሉ ከባቢ ከምዝነበረ ይገልጽ። እንተዀነ ዘይተሓስበ ሓደጋ ውሕጅ ደኣ ዕምሮም ኣሕጸሮ።
እታ ስድራ
እቲ ብ 29 ጥቅምቲ ዝመጽእ ዝነበረ ውሕጂ ኣመና ከቢድ ስለዝዀነ፡ ካብቲ ሓዪሉ ዝዘንብ ዝነበረ ዝናብ ኣብ ቤቱ ንምጽላል፡ ብኣጋ ስርሑ ዓጽዩ፡ ነቶም ክልተ ደቁ ካብ መዋእለ ህጻናት ኣውጺኡ እዩ ናብታ ቤቱ ዘምርሐ።
እታ ጓል 72 ዓመት ዓባዮም ነቶም ቈልዑ - ኣደ ቪክቶር - ንወዳ ከባቢ ሰዓት 18፡00 ከምዝደወለትሉን እቶም ቈልዑ ክበኽዩ ከምዝሰምዐትን ትገልጽ።
እቲ ዝወርድ ዝነበረ መጠን ዝናብ ዝእመን ኣይነበረን፤ ብኡ ንብኡ ድማ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣቋሪጹ።
ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ መጠን ውሕጅ እናወሰኸ ይኸይድ’ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሽዑ ግን ደሓን ነይሮም። ንዓኣቶም ገነት እዩ ነይሩ ብምባል፡ እቲ ገዛ ብድሕሪኡ መዕረፍ ዓበይቲ መካይን ስለዘሎ፡ እዚ ድማ ብኸመይ ንሓደጋ ከምዘቃልዖም ጐረቤቶም ጆናታን ይግለጽ።
ንሱ፡ “ዓባይ መኪና ብሓይሊ ንድሕሪ እቲ ገዛ ሃሪማ፡ እቲ ሓይሊ ዝነበሮ ውሕጅ ድማ ነቲ መንደቕ በሲዑ ኵሉ ነገር በታቲንዎ፡” ብምባል ነቲ ቪክቶር ዝነገሮ የዘንቱ።
“ቪክቶር ተንሲኡ መርገጺኡ ኣደልዲሉ ንኽልቲኦም ደቁ ኣብ ሕቝፉ ተሰኪምዎም፤ ደሓር ግን ኣብ ኢዱ ከምዘየለዉ ፈሊጡ፤ እቲ ማይ ንዅሉ ነገር ንኣንፉ ወሲድዎ፡” ክብል ይገልጽ።
ኣሞኦም ባርባራ፡ እንተወሓደ ሓንቲ ዓባይ መኪና ጽዕነት ነቲ ገዛ ብሓይሊ ጐኒጻ ከምዝኸፈተቶ ትዛረብ፣ እዚ ድማ እቶም ቈልዑን ኣቦኦምን ምስቲ ወሓዚ ናብቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረ ጐልጐል ገጾም ክግፍዑ ኣገዲዱዎም።
ወናኒ ናይቲ እተን መካይን ዘዕርፋሉ ቦታ ንሓንቲ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መካይን ናይታ ስድራቤት ገዛ ከምዘይሃረማ ብምግላጽ፡ ነቲ ቀታሊ ዕንወት ዘውረደ ሓይሊ ናይቲ ዝናብ ምዃኑ ይምጕት።
ድልያ ነቶም ቈልዑ
ምሉእ ገዛውቲ - ላ ኩራ - ብሰንኪ እቲ ዕልቕልቕ ውሕጅ ብዝወረደ ዕንወት ሰንቢዱ፣ ኣብ ምድላይ እቶም ኣሕዋት ኢዛንን ሩበንን ተዋፊሩ።
ሓደ ዓርኪ ቪክቶር ዝርከቦም ካብቶም ኣብ ጥቓኦም ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ተሓጊዞም፡ ተስፋ ዘይብሉ ምድላይ ጀሚሮም።
ግን ካበይ ይጀመር?
መካይን፡ ፍርስራስ መናድቕ፡ ንብረት ገዛን ካልእ ነገራትን ከካብ ዝነበሮ ኣማኢት ሜትሮታት ዛሕዛሕ ኢሉ ተወሲዱ እዩ። ኣባላት መጥፋእቲ ሓውን ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝመጹ ወለንተኛታት ህይወት ኣድሕንን ሓያል ጻዕሪ የካይዱ ኣለዉ። እንተዀነ እቲ ክልተ ሰሙን ኰይንዎ ዘሎ ጽዑቕ መዓልታዊ ዝግበር ዘሎ ድልያ፡ ነቶም ክልተ ኣሕዋት ክረክብ ኣይከኣለን።
ህይወት 'ናብ ሓመድ ተቐይራ'
ማርታ - ኣደ እቶም ኣወዳት - ኣቦኦም ካብ ቤት ትምህርቲ ኣውጺኡ ናብ ገዛኦም ከም ዝወስዶም ስለእትፈልጥ፡ ኵሉ ነገር ቅድሚ ምቕያሩ ኣብ ዝነበራ ሒደት ሰዓታት፡ ኣብቲ ድኳን ኣብ ናይ እብረ ስርሓ ቀሲና እያ ጀሚራ ነይራ።
ንጽባሒቱ ንግሆ ግን ክልቲኦም ደቃ ከምዘየለዉ ተነግራ። እቲ ሽዑ ዝተሰምዓ ስምዒት ክግለጽ ከምዘይክእል እዮም ኣዝማዳ ዝዛረቡ።
ኣደ ዓባይ ኣንቶንያ ማሪያ፡ ህይወት ወዳ ቪክቶር ከም ዝዓነወት ትገልጽ - ብናታ ኣዘራርባ “ናብ ሓመድ ተቐይራ።”
ቪክቶር ኣብ ሆስፒታል እናተኣለየ፡ ካብቲ ዑና ገዛኦም ዝተረፈ ኮቦርታታት ደቁ ኣብ ገጹ ሸፊኑ ክድቅስ ይመርጽ።
ንሕጂ ክገብረሎም ዝኽእል እዚ ጥራይ እዩ. . .።