ታሪኻዊ ምብጻሕ ፕረዚደንት ዩክረይን ኣብ ኣፍሪቃን ኣገዳስነቱን

ኣብ ኲናት ተጸሚዱ ዘሎ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ኣፍሪቃ ታሪኻዊ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ትማሊ ሓሙስ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣተወ ዘለንስኪ ምስ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎዛ ተራኺቡ ተዘራሪቡ።

ሩስያ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጸጥታዊ ምትእስሳር እናሐየለቶ ኣብ እትኸደሉ ዘላ እዋን ዘለንስኪ ናብታ ኣህጉር ምብጽሑ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

"ሩስያ በዚ ምብጻሕ እዚ ባህ ከምዘይብላ ርግጸኛ እየ፡ ግና ክትገብሮ ትኽእል ዘሎ ኣይመስለኒን" ይብል ኣባል ደቡብ ኣፍሪቃዊ ትካል ዓለምለኻዊ ዝምድናታት ስቲቨን ግሩዝድ።

እቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደ ዩክሬናዊ መራሒ ብሰንኪ ሩስያ ዘካየደቶ ብዙሓት ሰባት ዝቐተለ ሓድሽ መጥቃዕቲ ሚሳይል ግን መገሻኡ ከሕጽሮ ተገዲዱ'ዩ።

ፕረዚደንት ራማፎዛ ምስ ዘለንስኪ ብምዃን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ፍጻመ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትእስሳር ዘረጋግጽ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ዘለንስኪ ኣብ 2019 ፕረዚደንት ኮይኑ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ንፈለማ እዋን'ዩ ናብ ኣፍሪቃ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ።

ነቲ ኣብ 2022 ዝተኣወጀ ወራር ሩስያ ምኹናን ዝኣበየት ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምብጽሑ ንኪቭ ዓቢ ዲፕሎማስያዊ መኽሰብ'ዩ።

"ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ነታ ኣህጉር ዕሽሽ ኢሉዋ'ዩ ጸኒሑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ግን ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበራ 10 ኤምባሲታት ናብ 20 ክብ ከምዝብል ብምግባር" ዝምድናታታ ተስፍሕ ከምዘላ ገሩዝድ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"እንተዀነ ሕጂ ጽቕጥቅጥ ዝበዝሖ ኰይኑ'ዩ - ሩስያ፡ ቻይና፡ ቱርኪን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኵለን ኣብ ኣፍሪቃ ዘለወን ጽልዋ ንምዕባይ'የን ዝፍትና ዘለዋ።"

እቲ ካልእ ኣገዳስነት ምብጻሕ ዘለንስኪ ናብ ፕሪቶርያ ድማ፡ ዩክረይን ምስታ ቀንዲ ምንጪ ወተሃደራዊ ኣጽዋራ ዝዀነት ኣመሪካ ዘለዋ ዝምድና ኣብ ዝሕርፍፈሉ ዘሎ እዋን ምፍጻሙ'ዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጥሪ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምላሱ፡ ንኪቭ ዝወሃብ ዝነበረ ወተሃደራዊን ስለያዊን ደገፍ ንሓጺር እዋን ኣቋሪጽዎ ምንባሩ ይዝከር። ካብዚ ሓሊፉ'ውን ትራምፕ ንዘለንስኪ "ዉልቀመላኺ" ክብል ዘሊፍዎ ነይሩ።

"ዩክረይን ኣብ ኣውሮጳ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክትረኽቦ እትኽእል ዝዀነ ዓለምለኻዊ ተቐባልነት የድልያ እዩ። ዓወት ኲናት ኣብ ዓውደ-ውግእ ጥራይ ዘይኮነ ዝረጋገጽ፡ ብዓይኒ ርእይቶ ህዝቢ ዓለም እንኮላይ እዩ" ይብል ተንታኒ ፖለቲካ ፕሮፌሰር ሲፋማንድላ ዞንዲ ካብ ጆሃንስበርግ ዩኒቨርሲቲ ብወገኑ።

ምብጻሕ ዘለንስኪ ንፕረዚደንት ሲሪል ራማፎዛ'ውን ማዕረ ኣገዳስነት ዘለዎ'ዩ። ምኽንያቱ ሃገሩ ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ምምሕዳር ትራምፕ ሓያል ጸቕጢ ክግበረላ ጸኒሑ'ዩ።

"ኣመሪካ ንዲፕሎማሲ ቁልቁል ኣፉ ደፊኣቶ'ያ" ዝብል ግሩዝድ "ኵሉ ሓደስቲ መሓዙት ኣብ ምንዳይ'ዩ ዝርከብ" ብምባል ነቲ ኵታት ይገልጾ።

ራማፎዛ፡ ነቲ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝሰሓበ ምብጻሕ ተጠቒሙ ከም ደላዪ ሰላም ምቕራቡ'ውን ከይጠቐሞ ኣይተርፍን'ዩ።

ኣብቲ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ፕሪቶርያ ንጋዜጠኛታት ዝሃብዎ መብርሂ፡ እቲ ኣፍሪቃዊ መራሒ፡ ቅድሚ ምብጻሕ ዘለንስኪ ምስ ፕረደዚንት ትራምፕን ሩስያዊ መዘናኡ ቭላድሚር ፑቲንን ከምዝተራኸበ ብምጥቃስ ኲናት ዩክረይን ደው ንምባል "ኣጠቓላሊ ሰላም" ከምዘድሊ ተዛሪቡ።

እቲ ብተለፎን ዝተኻየደ ርክብ ነቶም መራሕቲ ሓያላን ሃገራት ንዘይምቕያም ዝተኻየደ ዲፕሎማስያዊ ስልቲ'ዩ ዝመስል።

ኣብቲ ምስ ፑቲን ዝገበሮ ርክብ፡ "ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተሪር ዝምድና ከምዘሎ ኣረጋጊጽና" ክብል እቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ መራሒ ኣብ ኤክስ ሓቢሩ።

"ብተወሳኺ፡ ንግጭት ሩስያን ዩክረይንን ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ብሓባር ክንሰርሕ ተረዳዲእና"።

ኣብ 2023 ራማፎዛ ነቲ መፍትሒ ዝተሳእነሉ ኲናት ዩክረይን ንምህዳእ ሓደ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝሓዘ ጕጅለ ልኡኽ ሒዙ ናብ ሞስኮን ኪቭን በጺሑ ነይሩ'ዩ።

እቲ ስጕምቲ ድሕሪ'ቲ ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆ ባይደን ዘቕረበሉ ነቐፌታ'ዩ ተወሲዱ። ኣብ ምትእኽኻብ ብሪክስ መሓዛኣ ዝኾነት ሩስያ ከተቐይም ዘይደለየት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ ኲናት ዘይሻራዊ መርገጺ ምሓዛ ንኣመሪካ ባህ ኣየበላን ነይሩ።

ኣብ ፕሪቶርያ ዝነበረ ኣምባሳደር'ውን እታ ሃገር ንሩስያ ኣጽዋር ትህባ ከምዘላ ምግላጹ ነቲ ርክብ መሊሱ ኣኽሪርዎ'ዩ። ነቲ ክሲ ዝነጸገ ራማፖዛ ብወገኑ፡ ብሓደ ዳኛ ነበር ዝምራሕ ኣጻራዪ ኣካል ብምቛም ንሞስኮ ዝተዋህበ ኣጽዋር ከምዘይነበረ መጒቱ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ሩስያ ዘለዋ ጥቡቕ ዝምድና ነቲ ንባዕሉ ምስ ፑቲን ምዉቕ ርክብ ክገበር ዝመጣጠር ዘሎ ትራምፕ'ውን ጸገም ከይከውን ይኽእል'ዩ።

ራማፎዛ ኣብ መግለጺኡ፡ ኲናት ዩክረይን ደው ብምባል ሳላማዊ ፍታሕ ክረከበሉ ከምዘለዎ ምስ ትራምፕ ከምዝተረዳድአ'ዩ ተዛሪቡ።

እንተኾነ፡ ፕሪቶርያ ምስቲ ኲናት ቓዛ ብዝተሓሓዝ ንእስራኤል ናብ መጋባእያ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ ምውሳዳ ንትራምፕ ዘቖጥዐ ስጉምቲ'ዩ ነይሩ። ብዘይካ'ዚ፡ ካብቶም ኣፍሪካነርስ ተባሂሎም ዝፍለጡ ጸዓዱ ማሕበረሰብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝቐርብ ጥርዓናትን ክስታት ምግሃስ መሰላትን ኣድልዎን'ውን ዒላማ ነቐፌታ ትራምፕ ገይሩዋ'ዩ።

ስለዚ ራማፎዛ፡ ምብጻሕ ዘለንስኪ ነቲ ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ዘሎ ርክብ ዘጋድድ ከይከውን ተጠንቂቑ ዝሓዞ ይመስል።

ኣብቲ ብተለፎን ዘካየዶ ልዝብ'ውን ብዛዕባ ክልተኣዊ ጉዳያት ንምዝርራብ "ኣብ ቀረባ እዋን ንምርኻብ" ከምዝተሰማምዑ ጠቒሱ።

"ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ [ትራምፕ ዝደፍኣሉ ዘሎ] ጻዕርታት ሰላም ንምምላእ እምበር ምስቲ ናይ ኣመሪካ ተበግሶታት ንምውድዳር ዝዓለመ ከምዘይኮነ ክትገልጽ ከድልያ እዩ" ይብል ፕሮፌሰር ዞንዲ።

ትራምፕ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ'ውን ኣብ ልዕሊ ናብ ሃገሩ ዝኣቱ ኣቑሑን ፍርያትን ደቡብ ኣፍሪቃ 30 ሚእታዊት ቀረጽ ምውሳኑ ይዝከር። እቲ ወሰኽ ጸኒሑ ን90 መዓልታት ከምዝተወንዘፈ ይዝከር።