እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልኡኽ ሰላም ኣፍሪቃ ኣብ ሩስያን ዩክረይንን፡ እንታይ ሒዙ ነቒሉ፡ እንታይ ከ ኣፍርዩ?
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መራሕቲ ኣፍሪቃ ናብ ዩክረይንን ሩስያን ዘካየድዎ ጕዕዞ "ታሪኻዊ" ክብል ብምንኣድ፡ "መራሕቲ ኣፍሪቃ ክንዮ'ታ ኣህጉር ንፈለማ እዋን ኣብ ተልእኾ ሰላም" ከምዝተሳተፉ ገሊጹ።
ይዅን እምበር፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ኣብ ዝርርብ ሰላም ኣይተስማምዑን።
እዚ ኰይኑ ግን እቲ ተልእኾ፡ ዝዀነ ዘዐወቶ ነገር ኣሎ ድዩ? ወይስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸገማት ምኽንያት፡ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ኣቓልቦ ንምርካብ ራማፎሳ ዝገበሮ ፈተነ ጥራይ እዩ?
መራሕትን ወከልትን 7 ሃገራት ዝሓቘፈ ኣፍሪቃዊ ጕጅለ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ተራኺቡ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኣወጀን ብሚስተር ራማፎሳ ዝምራሕን ጕዕዞ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ንኵነታት መነባብሮ ብሕማቕ ዝጸለወ ኲናት ንምውዳእ ክሰርሕ ተስፋታት ነይሩ።
አብቲ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ግብጺ፡ ሰኔጋል፡ ኮንጎ-ብራዛቪል፡ ኮሞሮስ፡ ዛምብያን ዩጋንዳን ዝመጸ ልኡኽ ልኡላውነት ሩስያን ዩክረይንን ኣፍልጦ ምሃብን ብዘይ ዕንቅፋት ሰደድ እኽሊ ምቕጻልን ሓዊሱ 10 ነጥብታት ዝሓዘ እማመ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ውግእ ደው ኢሉ፡ ልዝብ ብህጹጽ ክጅመርን፡ ምሩኻት ኲናት ክፍትሑን ዝያዳ ሰብኣዊ ደገፍ ክግበርን ካልእ ሕቶታት’ውን ጸዊዖም።
ክልቲአን ሩስያን ዩክረይንን ጽምዶአን ክቕጽላ ከምዝተሰማምዓ ደቡብ ኣፍሪቃ እኳ እንተገለጸት፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ግን ዓበይቲ ክፋላት ናይቲ ውጥን ዝነጸገ ይመስል። ዩክረይን እውን ዝሕል ዝበለት ኰይና ተራእያ።
እቲ ግጭት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ሕጽረት እኽልን ድዅዕን ኣስዒቡ ኣሎ።
ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተፈላለየ ምህርቲ ካብ ዩክረይንን ሩስያን ከምዘእትዋ ይፍለጥ።
እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ዋጋታት መግቢ ክውስኽ ገይሩ ኣሎ።
ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ፡ እቲ ኲናት ኣብታ ኣህጉር ኣስታት 30 ሚልዮን ቶን እኽሊ ሕጽረት ንክፍጠር ብቐጥታ ምኽንያት ምዃኑ ይገልጽ።
ፕረዚደንት ፑቲን፡ ናብ ኣፍሪቃ ዘምርሓ መራኽብ እኽሊ ዩክረይን ብወደባት ሩስያ ኣቢለን ብጸሊም ባሕሪ ክሓልፋ ዝገብር ስምምዕ ከምዘይሕደስ ከፈራርሕ ጸኒሑ።
ሚስተር ፑቲን ነዚ ክገብር ምዃኑ ከፈራርሕ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኰነን፡ እንተኾነ ኣብዚ እዋን ከምኡ እንተገይሩ፡ ኣብታ ኣህጉር ዘሎ ሕጽረት መግቢ ከጋድዶ ይኽእል'ዩ - እዚ ድማ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብዝዀነ ይዅን ዋጋ ንምውጋድ ድሌት ኣለዎም።
ሚስተር ፑቲን ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ ንኸይፍጠር ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ጐድኑ ስለዘድልያኦ ከምኡ ክገብር እዩ’ኳ እንተዘይተበሃለ፡ ድሌታቶም ብምሉእ ከማልእ ድማ ዘይሕሰብ እዩ።
እቲ ኲናት ኣብታ ኣህጉር ዘስዓቦ ቁጠባዊ ጽልዋ ብዝምልከት ዓለምለኻዊ ግንዛበ ኣብ ምዕባይ ጐድኒ-ጐድኒ፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ ነቲ ወራር ንምዅናን ኣይደፈሩን።
መራሒ ዩክረይን ንህዝቢ ሩስያ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ተነጽሎኦም ውጽኢት ናይቲ ፕረዚደንቶም ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዘካየዶ ወራር ምዃኑ ንጹር መልእኽቲ ንምሕላፍ፡ እቲ ወራር ብግልጺ ምዅናን ከምዘድሊ ተማጒቱ።
ክልቲአን ኣካል ልኡኽ ኣፍሪቃ ዝዀና፡ ዩጋንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን ምስ መርገጺ ሩስያ ዝተሰማምዓ ይመስላ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣምባሳደር ኣሜሪካ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ‘መንጎኝነት’ ብምጥሓስን ንሩስያ ኣጽዋር ብምቕራብን ከሲሱ ነይሩ። ደቡብ ኣፍሪቃ ነዚ ነጺጋቶ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ንሚስተር ፑቲን ኣብ ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ‘ብሪክስ’ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ እንተመጺኡ፡ ናብ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ኰናት ከተረክቦ እንተኾይና እውን ንጹር ኣይኮነን።
እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ጉዕዞ፡ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብልዝብ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ንምሕያል ዝምሕጋዝ እዩ ነይሩ፤ በዚ መዳይ ድማ ዕዉት ኣይነበረን ምባል ይከኣል።
ዩክረይንን ሩስያን ቅድምን ድሕርን ተልእኾ ሰላም ኣፍሪቃ፡ ብዘይ ገለ መሰረታዊ ቅድመ-ኩነት ምምላእ ናብ መኣዲ ዘተ ከምዘይመጻ ኣረጋጊጸን።
ዩክረይን ከምቲ ኣብ 1991 ዝነበረ ዶባታ ናብ ንቡር ክምለስ ትደሊ። እዚ ማለት ሩስያ ካብ ኵሉ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ዩክረይን ዝወሰደቶ ግዝኣታት፡ እንተላይ ካብ ሓውሲ ደሴት ክሪሚያ ክትስሕብ ማለት እዩ።
እዚ ክረምሊን ብዕምቈት ዝቃወሞ ነገር ኰይኑ፡ ኣብ ክንድኡ ልዝብ ንኽካየድ ኪቭ "ሓድሽ ግዝኣታዊ ክውንነት" ሃገራ ክትቅበል ከምዘለዋ ይምጉት።
ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ትማሊ ሰኑይ ምስ ልኡኽ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።
ዋላ'ኳ ንኽልቲኦም ወገናት ናብ ሓደ ምምጻእ እንተዘይከኣለ፡ ሚስተር ራማፎሳ ግን ልኡኹ ንመጻኢ ዝርርብ ኣፍደገ ከምዝኸፈተ ይምጉት።
ሚስተር ራማፎሳ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘጋጥሞ ጸገማት፡ እንተላይ ምፍራስ ትሕተ ቅርጺ፡ ቀጻሊ ምቁራጽ መብራህትን ምስ መንግስቱ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዘይዕግበትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ዓወት ንምምዝጋብ ይጽዕር ነይሩ ክኸውን ይኽእል።
ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን እዚ ተልእኾ ሰላም ዓወት ኣየምጽአን።