ትግራይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ውፅኢት ማትሪክ ዘምፅኡ ብሉጻት ተምሃሮ ቀላሚኖ- ዮናስ ንጉሰን ሄለን በርሀን

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ንተፈተንቲ ማትሪክ 12 ክፍሊ 4 ጳጉሜ 2016 ዓ.ም [ግ] ፍልይቲ መዓልቲ እያ ነይራ።

መብዛሕትኦም ተምሃሮ ውጽኢቶም ንምፍላጥ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ተሌፎኖምን ኮምፒዩተሮምን ኣፍጢጦም ሓዲሮም።

ሚኒስተር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ዶ/ር) ነቲ ውፅኢት ዕላዊ ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ ካብቶም ንፈተና ክወስዱ ዝተመዝገቡ 701 ሽሕን 749ን ተምሃሮ ልዕሊ 684 ሽሕ ንፈተና ከምዝተቐመጡ ሓቢሩ።

ወሲኹ ድማ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ፈተና ዝለዓለ ነጥቢ 675 ከምዝዀነን፡ እዚ ተምሃራይ ካብ መቐለ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ምዃኑ ኣበሲሩ።

ሄለን በርሀ ድማ ልዑል ውፅኢት ዘምፀአት ጓል ኣንስተይቲ ተምሃሪት ኰይና፡ 662 ረኺባ።

ዮናስ ንጉሰ እንታይ ይብል?

ዮናስ ክሳብ ሻሙናይ ክፍሊ ካልኣይ ወጺኡ ኣይፈልጥን፤ ኵሉ ግዜ ቀዳማይ። ኣብ ታሽዓይ ክፍሊ ግን ካልኣይ ከምዝወፅአ ይዛረብ።

"ዝፈትዎም ትምህርትታት ሒሳብን እንግሊዝኛን እዮም" ዝብል ዮናስ፡ ቋንቋ እንግሊዝ 95፡ ሕሳብ እውን 100 ኣምጺኡ። ሚእቲ ሚእታዊት ማለት እዩ።

ንዓመታት ካብ ቤት ትምህርቲ ርሒቕካ ምጽናሕ [ብሰንኪ እቲ ውግእ] ኣዝዩ ከቢድ ምንባሩ ይዛረብ።

“ኣብ እዋን ኲናት ትምህርቲ ኣይነበረን። መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኣይነበረን፤ ከቢድ እዋን እዩ ነይሩ” ይብል።

ኣብቲ እዋን ልብ-ወለድ መጻሕፍቲ የንብብ ነይሩ።

ቢቢሲ ስለ ምንታይ ምስ በሎ፡ "ካብ ሕማቕ ኵነታት ርሒቐ ናይ ኣእምሮ ሰላም ዝህበኒ ንሱ ጥራይ'ዩ ነይሩ" ክብል ይገልጽ።

ስድራኡ፡ ነቲ ፀቢብ እዋን ብፅንዓት ክሰግሮ ዝገበረሉ ኣበርክቶ ቀሊል ከም ዘይነበረ ይዛረብ።

ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ’ውን እቲ ቀጽሪ ደስ ዘብል ምዃኑ፤ ንመጽናዕቲ ዝምችእ ምዃኑን ይዛረብ።

ውጽኢቱ ብኢንተርነት ብዕለት 04/04/2016 [ግ] ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ተለቒቑ፤ መብራህቲ ኣይነበረን።

ከም ዕድል ኰይኑ፡ ቴሌፎኑ ግን 'ባትሪ' ነይርዋ። ውጽኢቱ ተመልኪቱ። ክገልጾ ዘይክእል ሓጐስ ተሰሚዕዎ።

“ውጽኢት ምስ ረኣኹ፡ ፍሉይ ሓጐስ ተሰሚዑኒ። ክግለጽ ዘይክእል ሓጐስ። ውጽኢት ክርኢ እንከለኹ ኣደይን ኣቦይን ኣብ ጥቓይ ነይሮም። ኣዝዮም ሕጕሳት እዮም።"

ሚኒስተር ትምህርቲ ውጽኢት እቲ ፈተና ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን፡ ዝለዓለ ነጥቢ ዝረኸበ ተምሃራይ ካብ ቃላሚኖ ምዃኑ ገሊፁ።

ዮናስ ጣፍ ትኣክል ጥርጣረ ነይራቶ።

"ሚኒስትሪ ትምህርቲ ‘ዝለዓለ ነጥቢ 675 እዩ’ ክብል ከሎ፡ 'እዚ ነጥቢ ናተይ ክኸውን ይኽእል'ዩ' ዝብል ጥርጣረ ነይሩኒ" ይብል ፍሽኽታ ብዝተሓወሶ።

"ውጽኢተይ ምስ ረኣኹ 675 ነይሩ። ሽዑ'የ እቲ ነጥበይ ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ምዃኑ ዝተረዳእኩ።"

ፈተና ከቢድ ዶ ነይሩ? ሕቶ ቢቢሲ እዩ።

“ክብደት ናይቲ ፈተና ከከም ትምህርቲ ይፈላለ እዩ። ገለ ካብቶም ዓይነታት ትመህርቲ ቀለልቲ እዮም ነይሮም። ገለ ካብቶም ድማ ከበድቲ ነይሮም።"

ዮናስ ምስጢር ጉብዝናኡ ጻዕሪ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ይጠቅስ።

‘ጻዕሪ ጥራይ ግን ዋጋ የብሉን’ ይብል።

“ሰባት እንተጽዒሮም ዓቢ ውጽኢት ከም ዝረኽቡ እኣምን። ጻዕሪ ጥራይ ዘይኮነስ ድሌት እውን ክህልዎም ኣለዎ። ክልቲኡ ከተወሃህድ እንተኽኢልካ ብርግጽ ውጽኢት ክትረክብ ኢኻ።"

ብዛዕባ ሽልማት ዝምልከት ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ክሳብ ሕጂ ዝሰምዖ ነገር የለን።

"ኣነ ካብ ማእከላይ እቶት ዘለወን ስድራቤት እየ።"

ዮናስ ነጋዳይ ኣቦኡን ኣደኡን ክሽልምዎ ቃል ከምዝኣተዉሉ ነጊሩና።

ብዙሓት ሰባት ከይተረፈ ደዊሎምሉ። ርእሰ መምህራን ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ነበር፡ ኣዕሩኽቱ ኣዝማድን ጎረባብትን ፤ ከምኡ'ውን ቢቢሲ ነታ ቴለፎኑ ዕረፍቲ ከሊኦምዋ።

"ኩሎም መምህራነይ ብናቶም መንገዲ ኣበርክቶ ገይሮሙለይ እዮም። መሪፀ ከመስግን ከቢድ'ዩ።"

ኣብ መጻኢ ሳይንስ ኮምፒተር ክመሃር ይደሊ። ሕብረተሰብ ብቴክኖሎጂ ከም ዝልወየጥ ይኣምን።

ኣብ ዓዱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ፣ ወይ ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ እንተዝምደብ ይምነ።

"ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይደ ክመሃር ዕድል እንተሎ’ውን ክፍትን እየ" ይብል።

ሄለን በርሀ፡ ‘እቲ ዝሓለፈ ስቓይ ኣጠንኪሩኒ እዩ'

ምስጢር ዓወታ እንታይ እዩ? "መስለኒ ዕድል እዩ" ትብል ሄለን። ካልእ ምስጢር ግን ኣለዋ።

"ተምሃሪት ምዃነይ ዘይተርፍ ዓቕመይ ስለ ዝፍትን ንምንታይ ንፍዕቲ ዘይከውን እየ ዝብል። 100 ሚእታዊ ዓቕምኻ ኣብ ሓደ ነገር ተጠቂምካ ውጽኢቱ እንተዘይፀቢቑ ጸገም ኣሎ። [ይመስለኒ] ብዙሓት ምሉእ ዓቕሞም ኣይጥቀሙን እዮም።”

ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ጀሚራ ሽልማት ዝረኸበት ተምሃሪት እያ። "ካብ ልበይ እየ ዝምሃር። ምምሃርን ምርድዳእን ደስ ይብለኒ" ትብል።

ካብ ዓይነታት ትምህርቲ ፊዚክስ እያ ትፈቱ፤ ዝበዝሕ ግዜኣ ኣብ ትምህርቲ ፊዚክስ ከም እተሕልፎ ትዛረብ።

ኣብ 'ክፍሊ' ኣብ ዝወሃቡ ፈተናታት ብውጽኢታ ዕግብቲ ኣይኰነትን።

"ቀሊል ኣይኮነን፤ ኣብ ፈተና ማትሪክ ከይጽገም ፊዚክስ ኣብ ምጽናዕ ብዙሕ ግዜ ኣሕሊፈ። ኣብ መወዳእታ ውጽኢት ጽቡቕ ነይሩ።"

ንሳ ቀዳመይቲ ክትወፅእ ስድራኣ ይሽልምዋ። መብዛሕትኡ ግዜ ሽልማታ መጽሓፍ እዩ። ብፍላይ ድማ ንዝመጽእ ክፍሊ ዝኸውን መጽሓፍ ይግዘኣላ።

"ብመልክዕ ሽልማት ‘ስራሕ’ ይህቡኒ ይዀኑ። ግን ደስ እዩ ዝብለኒ። ምኽንያቱ ኣንቢበዮ እንተጸኒሐ፡ ኣብ ክፍሊ ዝኸብደኒ ነገር ኣይክህሉን እዩ። መጽሓፍ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክዳውንቲ'ውን ይሽለም እየ።"

ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ጀሚራ በላሕ ተምሃሪት እያ ትበሃል። ምዕባያ ናብዚ ዓወት ከም ዘብጽሓ ትሓስብ። ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ከም ዝፈተና ግን ኣይትኽሕድን።

"ካብቲ ኲናት ዝደሓንኩ ብምኽንያት ይመስለኒ። ብህይወት እንተተሪፈ ነዚ ዕድል ክጥቀመሉ ኣለኒ ኢለ ጽቡቕ ገይረ ኣጽኒዐ። ምናልባት እቲ ፈተና ኣብ ግዜ ሰላም እንተዝመጽእ ነይሩ፡ እዚ ውጽኢት ኣይመምጻእኹን። እቲ ዝሓለፈ ስቓይ ኣጠንኪሩኒ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።"

ሄለን’ውን ልክዕ ከም ዮናስ ኣብ እዋን ኲናት ልብ-ወለድ መጻሕፍቲ ተንብብ ነይራ።

"ምንባብ ከይርስዖ ገይሩኒ" ትብል።

"ከመይ ገይረ ኣካዳሚያዊ መጻሕፍቲ ከንብብ ይኽእል? እቲ ኵነታት ውጥረት ዝመልኦ እዩ ነይሩ። ምስቲ ህዝቢ ድማ ስቓይ ነይሩ።"

ሄለን 662 ክረክብ እያ ኢላ እኳ እንተዘይሓሰበት፡ ነጥባ ግን ልዕሊ 650 ክኸውን እዩ ኢላ ገሚታ ነይራ።

ኣብ ድሮ ኣሸንዳ ውጽኢት ክግለጽ እዩ ኢላ ኮፍ ኢላ እያ ሓዲራ።

ግን ድማ ጨና ማይ ኰይኑ ተሪፉ፤ ውጽኢት 4 ጳጉሜ ከምዝእወጅ ሰሚዓ፡ እዚ ንስድራቤታ ኣይነገረቶምን።

"ተጸብየ ውጽኢቱ ርእየ። ኣደይን ኣቦይን እናሰሓቕኩ ምስ ተበራበርኩ፡ 'እንታይ ኰይና?' ኢሎም ሰንቢዶም ነይሮም።”

"ፈጣሪ፡ ተስፋ ከይቆርጽ ዝመሃሩኒ ወለደይን ኣብያተ ትምህርተይን ከመስግኖም እደሊ።"

ዩኒቨርሲቲ ምስ ኣተወት ሕክምና ክትመሃር ትደሊ። ብፍላይ ድማ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዝጥምት ትምህርቲ ክትምሃር መደብ ኣለዋ። እዚ ተገዳስነታ ገና ቈልዓ እንከላ ዝጀመረ እዩ።

"ቈልዓ ከለኹ እዩ እዚ ድሌት ሓዲሩኒ። 'ኒውሮሎጂስት' ዘጽንዐ ዘመድ ኣለና። ብዛዕባ ኒውሮሎጂ ብዙሕ ነጊሩኒ። እቲ ሕክምና ኣብ ጥቓና የለን፡ ብዙሓት ሓካይም'ውን የለዉን። ነዚ ክፍተት ክመልእ እየ ዝደሊ። ምኽንያቱ እዚ ጸገም ዘለዎም ሰባት ስለዝርኢ።"