ትራምፕ፡ ናታንያሁ ንምዕራባዊ ገማግም ምስ እስራኤል ክጽንብራ 'ኣይፈቅድን እየ' ይብል

ዶናልድ ትራምፕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ በንያሚን ናታንያሁ ነቲ ብእስራኤል ዝተጐብጠ ምዕራባዊ ገማግም ክሕውሶ ከም ዘይፈቕደሉ ገሊጹ።

ኣብ ቤትጽሕፈት ኦቫል ኰይኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እስራኤል ንምዕራባዊ ገማግም ክትጽንብሮ ኣይፈቅድን እየ... እዚ ኣይክኸውንን'ዩ፡" ኢሉ።

ዝመጽእ ሰኑይ ምስ ናታንያሁ ዝራኸብ ትራምፕ፡ ስምምዕ ቓዛ ክካየድ "ኣዝዩ ቀሪቡ" ከም ዘሎ እዩ ዝገልጽ።

እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከብቅዕን ጐበጣ ምዕራባዊ ገማግም ደው ከተብልን ዓለማዊ ጸቕጢ ይሕይላ ኣሎ።

ምዕራባውያን ሃገራት ንናጻ ሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ኣብ ዝህባሉ ዘለዋ እዋን፡ ኣኽረርቲ የማናውያን እስራኤላውያን ግና ምጽንባር ምዕራባዊ ገማግም ምስ እስራኤል ከም መግትኢ ምምስራት ሃገረ ፍልስጤም ገይሮም ይርእዩዎ።

እቶም ምስ ናታንያሁ ልፍንቲ ዝገበሩ ሕሉፋት ሃገራውያን፡ ነቲ ኣካል ግዝኣት ፍልስጤም ዝዀነ ምዕራባዊ ገማግም ብቕሉዕ ክጽንብሮ ነቲ ቀዳማይ ምኒስተር ተደጋጋሚ ጻውዒት ክገብርሉ ጸኒሖም እዮም።

ዓባይ ብሪጣንያን ጀርመንን፡ እስራኤል ነቲ ስጕምቲ ከይትወስዶ ከጠንቅቓኣ ከለዋ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ድማ ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ናይቲ ውድብ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ብሞራል፡ ሕጋውን ፖለቲካውን መዳይ ዘይጽወር፡" ክኸውን ምዃኑ ተዛሪቡ።

ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ናታንያሁ ከምኡ'ውን ምስ ካልኦት መራሕቲ ማእከላይ ምብራቕ ከም ዝተዘራረበ ሓቢሩ።

"ብዛዕባ ቓዛ ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ኣዚና ቀሪብና ኣለና - ምናልባት ሰላም'ውን ከተረፈ፡" ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዚደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ብቪድዮ ኣቢሉ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ውጥን ሰላም ንምትግባር ምስ መራሕቲ ዓለም ክሰርሕ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ። ነተን ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ዝሃባ ኵለን ሃገራት'ውን ኣመስጊኑ።

ወዲ 89 ዓመት ዓባስ፡ ብኣካል ኣብቲ ኣኼባ ከይሳተፍ ብኣመሪካ እዩ ቪዛ ተኸልኪሉ።

ኣመሪካ፡ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃብ፡ "ንሓማስ ሞሳ ምሃብ እዩ፡" ብምባል ትቃወሞ እያ ዘላ።

ዓባስ ኣብ መደረኡ፡ "ሓማስ ኣብ ምሕደራ ዝጻወቶ ተራ ኣይክህሉዎን'ዩ፡" ኢሉ። ብተወሳኺ፡ እስራኤል ካብቲ ቦታ ድሕሪ ምውጽኣ፡ ሃገረ ፍልስጤም ኣብ ወሽመጥ ቓዛ "ምሉእ ሓላፍነት፡" ክትወስድን ምስቲ ብእስራኤል ተጐቢጡ ዘሎ ምዕራባዊ ገማግም ከተራኽቦን ጸዊዑ።

መራሕቲ ሃገራት ዓረብን እስላምን ምስ ትራምፕ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝገበሩዎ ፍሉይ ርክብ፡ እስራኤል ንምዕራባዊ ገማግም እንተ ጸንቢራቶ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከም ዝህሉዎ ኣጠንቂቖም።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ልኡል ፋይሳል ቢን ፋርሓን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ፕረዚደንት ኣመሪካ ምጽንባር ምዕራባዊ ገማግም ዘስዕቦ ሓደጋታት ጽቡቕ ገይሩ ዝተረድኦ ይመስልኒ፡" ኢሉ።

እስራኤል ብረቡዕ ንግሆ ኣብ መንጎ እቲ ዝተጐብጠ ምዕራባዊ ገማግምን ዮርዳኖስን ዝርከብ እንኮ መሳገሪ ዶብ ብምዕጻዋ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ፍልስጤማውያን ከይወጽኡ ወይ ከይገሹ ተዓጽዮም ኣለዉ።

እቲ ምዕጻዉ ክልተ ወተሃድራት እስራኤል ኣብ ጥቓ እቲ መሳገሪ ብሓደ ዮርዳኖሳዊ ዕጡቕ ብጥይት ድሕሪ ምቕታሎም ዝሰዓበ እዩ።

ዝሓለፈ ረቡዕ ቈልዓ-ሰበይቲ ዝርከቡዎም ልዕሊ 80 ፍልስጤማውያን ብተዅሲ እስራኤል ተቐቲሎም።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ፈጺማ። ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ነቲ ጸብጻብ ሓሶትን ዝተዛብዐን ኢሉዎ።

እስራኤል በቲ እተካይዶ ዘላ ኲናትን ጐበጣን ሓያል ጸቕጢ ይስዕባ ኣሎ። ኮምሽን ኤውሮጳ ምስ እስራኤል ዝግበር ንግዲ ክድረትን ኣብ ልዕሊ ኣኽረርቲ ምኒስተራት መንግስቲ እስራኤል እገዳ ክግበርን ሓሳብ ኣቕሪቡ። እዚ ሓሳብ ተቐባልነት እንተ ረኺቡ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ንዂናት ቓዛ ኣመልኪቱ ዝወሰዶ ዝዓበየ ስጕምቲ ክኸውን እዩ።

ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ማይክሮሶፍት ቴክኖሎጂኡ ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ሰባት ንምክትታል ከም ዝውዕል ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ንሓደ ኣሃዱ ምኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ዝህቦ ዝነበረ ገለ ኣገልግሎታት ደው ኣቢሉዎ።

ቀዳማይ ምኒስተር ናታንያሁ ግን እስራኤል ዝያዳ ርእሳ ክትክእል ኣለዋ ኢሉ።