'ብሰንኪ ገጸይ ኣብ ካፌ ኣገልግሎት ተኸሊኣ'

ገና ካብ እዋን ቁልዕነቱ ጀሚሩ ንመድሀልቲ ዝተቓልዐ ኣሚት ጎስ፡ ሎሚ'ውን ካብ ቀጻሊ ምፍጣጥ፣ ምጥቋምን ርእይቶን ሰባት ክተርፍ ኣይከኣለን።
ብሰንኪ ገፁ ኣብ ካፌ ከይተረፈ ኣገልግሎት ከምዝተነጽገ ይዛረብ።
እዚ ወዲ 35 ዓመት ነባሪ በርሚንግሃም፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ለንደን ናብ ዝርከብ እንዳ ቡን ምስከደ፡ "ኩሉ ሰብ ኣተኲሩ ይጥምተኒ ነይሩ፤ ዝዀነ መንፈስ ዝረኣዩ'ዩ ዘምስል" ክብል ንዘጋጠሞ ገሊጹ።
"እታ ተሳስይ ዝነበረት ሰብ ናባይ ጠሚታ፡ 'ኣገልግሎት ምሃብ ኣብዚ ኣእኺልና ኢና" ከምዝበለቶ ድማ ይዛረብ።
ኣስዒቡ "ካብኡ ገጻ መሊሳ ከይዳ። ግን ከኣ ብንጹር፡ ገና ኣገልግሎት ይህቡ እዮም ነይሮም" ኢሉ።
ኣሚት 'ኒውሮፋይብሮማቶሲስ ታይፕ 1' ዝበሃል፡ ሕበጥ ኣብ ጎኒ ነርቭታት ክዓቢ ምስ ዝገብር መንሽሮ ዘይኮነ ሕማም እዩ ተወሊዱ።
ካልእ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠሞ ግህሰት፡ 'ቦርን ዲፈረንት' እትብል ናይ ህጻናት መጽሓፍ ባዕሉ ንኽሕትም ደሪኽዎ'ሎ።
"ኣብ ሓደ መናፈሻ ገለ ውልቀሰባት ናባይ መጺኦም ኣብ ገጸይ እንታይ ከም ዘጋጠመ ሓቲቶምኒ። ዝሓቱኒ ዘለዉ ንኽፈልጡ ጥራይ ስለዝደልዩ መሲሉኒ ነይሩ" ይብል ነቲ ኩነታት ብምዝካር።
"ግን ከኣ 'ከማኻ ዓይነት ገፅ እንተዝህልወኒ ካብ ገዛይ'ውን ኣይምወጻእኩን' እናበሉ ክስሕቑን ከባጭዉን ጀሚሮም" ኢሉ።
እቲ ናይ ሽዑ ተጓንፎ "ብሓቂ ከምዘሕረቖ" ብምግላጽ፡ "ብውሽጠይ ድማ፡ ብዛዕባ እዚ ገለ ክገብር ኣለኒ። እዛ መጽሓፍ ክትሕተም ክገብር ኣለኒ። እቲ ትኽክለኛ ግዜ ሕዚ እዩ" ይብል።
"እዛ መጽሓፍ ገና ንእሽቶይ ከለኹ እንተትሕተም ምሓገዘትኒ ነይራ ይመስለኒ" ክብል ይውስኽ።
ኣሚት ኣብ 11 ዓመት ዕድሚኡ ጸጋመይቲ ዓይኑ ብመጥባሕቲ ተኣልያ። እዚ ድማ ኣብ ገጹ ዝያዳ ምዝባዕ ስለዘስዓበ ንዝበለጸ ግህሰትን ምንሻውን ኣቃሊዕዎ።

ምንጪ ስእሊ, Amit Ghose
ብድሕሪ'ቲ ኣብ ዓይኑ ዝተገበረሉ መጥባሕቲ፡ ንመዓልቲ 'ሃሎዊን' [መዓልቲ ምውታንን መናፍስትን ዝዝከረሉ መዓልቲ] ኣብ ዝነበረ ጉያ፡ ኣብ ቤት ትምህርትና ሓደ ቆልዓ "ናይ ሃሎዊን ማስክ ኣየድልየካን፤ ተፈጥሮኣዊ ማስክ ኣለካ" ክብል ከምዘባጨወሉ ይዝክር።
"እዚ ዘረባ ድማ ንጸጋማይ ሸነኽ ገፀይ ክሳብ ዘይቅበሎ ሞራላዊ ስምብራት ገዲፉለይ" ይብል ኣሚት።
"ንኣዝዩ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ንገፀይ ሓቢአዮ ጸኒሐ። በቃ ንሰባት ፈጺመ ከርእዮ ምቾት ዝህብ ኣይነበረን" ኢሉ።
ንድሕሪት ተመሊሱ ክሓስቦ ከሎ፡ ሽዑ ዘጋጠሞ ቅዛነትን ጭንቀትን ከምዘይርድኦ ይዛረብ።
"ካልኦት ቆልዑ ኣብ ጎነይ መጺኦም ኮፍ ክብሉ ዘይምድላዮም ወይ ብድሕሪ ወለዶም ክሕብኡ ከለዉ ምርኣይ ኣብ ልዕለይ ከቢድ ኣእምሮኣዊ ጽልዋ የሕድረለይ ነይሩ" ይብል።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ፍቕሪ 'ክሪኬት' ስለዝነበሮ ኣብቲ ስፖርት ብምጽዋት ኣቢሉ እዩ ኣብ መወዳእታ ኣዕሩኽ ክፈጥር ክኢሉ።
"ክሪኬት ኣሚት ንክኸውን ሓጊዙኒ። እቲ ክሪኬት ዝጻወት ወዲ፤ እቲ መስሓቕ ገጽ ዘለዎ ወዲ" ዝብሉ መግለጽታት ከምዝተወሃብዎ ይዝክር።
ግን፡ ዋላ'ውን ምስ ዓበየ ብሰባት "ቀጻሊ ምጥማት" ከም ዘጋጠሞ ይዛረብ።
"እቲ ብኢድካ ምምልካት፤ ኣብ ጥቓኦም ንዘሎ ሰብ 'ገጽ እቲ ወዲ ርኢኻዮ ዲኻ' ኢልካ ምምልካት፡ ብቀጻሊ'ዩ ዘጋጥም" ይብል።
"ብርግጽ ሕያውነት ኣሎ፤ እዚ ድማ ምጉላሕ የድልይ"

ምንጪ ስእሊ, Amit Ghose
'እዚ ኣነ እየ፤ ተቐበልዎ ወይ ግደፍዎ'
ኣብ መወዳእታ ንነብስኻን መንነትካን ቅቡል ናይ ምግባር "ጥበብ" ዝመሃረቶ በዓልቲ ቤቱ ፒያሊ ከምዝኾነት ኣሚት ይዛረብ።
"ብርግጽ ካልኦት ቅድሚ ነዓይ ምቕባሎም ኣነ ንነብሰይ ክቕበል ኣለኒ" ክብል ወሲኹ።
ታሪኹ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከካፍል ክጅምር እውን ኣእሚናቶ።

ምንጪ ስእሊ, Amit Ghose
"ቲክቶክ ንደርፍን ሳዕስዒትን ጥራይ እዩ ዝመስለኒ ነይሩ። 'ኣይከውንን' ኢለ ሓሲበ ነይረ፤ ንሳ ግን ኣእሚናትኒ" ይብል።
"ካብኡ ቪድዮ ሰሪሐ። ንዓለም ድማ፡ 'ንኹልኹም ኣብ ጉዕዞ ክሓውሰኩም እደሊ፤ ንዝሓልፎ ተመኩሮታት ተጠቒመ ክሕግዘኩም፣ ክድግፈኩምን ከነቓቕሓኩምን'የ' ክብል ገሊጸ" ክብል ገሊጹ።
ቲክቶክ ኣብ መጀመርታ 2023 ዝጀመረ ኮይኑ፡ ካብኡ ንደሓር ኣስታት 200 ሽሕ ሰዓብትን ሚልዮናት ላይክን ረኺቡ።
"ዛንታይ ብምክፋል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንሰባት ምሕጋዘይ፡ ንነብሰይ ዝያዳ ንክቕበላ ሓጊዙኒ'ዩ"
"ሕጂ ንዓለም እዚ ኣነ እየ፡ ነዚ ተቐበሉ ወይ ግደፍዎ " ክብል ይዛረብ።
ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ሓደ ናይ ሕጊ ትካል ዝሰርሖ ስራሕ ገዲፉ፡ ምሉእ ግዜኡ ዘነቓቕሑ መደረታት ኣብ ምቕራብ ዘትኰረ ናይ ምሉእ እዋን ስራሕ ጀሚሩ'ሎ።
ንመንእሰያት ምሕጋዝ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ ከምዝተሰምዖም ይዛረብ።
ኻልኦት ተመሳሳሊ ተመኩሮ ኣብ ህይወቶም ዘሕልፉ ሰባት ዝዛረበሉ ፖድካስት ክኸፍት ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ይርከብ።
"ብዙሕ ክንዘናጋዕን ንብዙሓት ሰባት ከነነቓቕሕን ኢና" ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







