ንጎንደር ዘርዕድ ዘሎ ጭውያን ቅትለትን እንታይ እዩ? ብመንከ’ዩ ዝፍጸም ዘሎ?

ኖላዊት ዘግየ ዝተባህለት እንኮ ውላድ ስድራኣ፡ ብዕለት 24 ነሓሰ 2016 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ከባቢ ሰዓት 3፡30 ንግሆ ካብ ገዝኣ ተጨውያ።

ብቕጽበት ምጥፋእ ጓሎም ዝተሰናበዱ ወለዳ ብኹሉ ኣንፈት ክደልይዋ’ኳ እንተጀመሩ ክረኽብዋ ግን ኣይከኣሉን። ስድራኣ ጓሎም ኖላዊት ከምዝተጨወየት ዝፈለጡ፡ እቶም ዝጨወይዋ ሰባት ኣብቲ ተኻርዮም ዝቕመጥሉ መረባ ወረቐት ደርብዮም ምስተረኸበ እዩ ነይሩ።

እቲ ወረቐት ድማ “ጨዊይና ወሲድናያ ስለዘለና ክሳዕ ንድውለልኩም ብዓቕሊ ተጸበዩና” ዝብል መልእኽቲ ነበሮ።

ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ንቢቢሲ ዝገለጸ ኣባል ስድራ ቤት፡ ብሰንኪ ጭውያ ኖላዊት ኣብቲ ቀጽሪ ዝተኣከቡ ሰባት እንተዘይተበቲኖምን ናብ ፖሊስ እንተሓቢርኩምን “ክንቀትላ ኢና” ዝብል ናይ መፈራርሒ መልእኽቲ ዝሓዘለ ወረቐት ኣብቲ ቀጽሮም ተደርብዩ ከምዝረኸቡ ሓቢሩ።

ብድሕሪ'ዚ እቶም ጨወይቲ ነቲ ህጻን ንምፍታሕ ሓደ ሚልዮን ብር ሓቲቶም። እቲ ገንዘብ ልዕሊ ዓቕሚ ስድራ እታ ህጻን ምዃኑ ብምግላጽ ምስቶም ጨወይቲ 300 ሽሕ ብር ክኸፍሉ ተሰማሚዖም።

ስድራቤት ኖላዊት ዘተኣኻኸብዎ መጠን ገንዘብ 200 ሽሕ ብር ኮይኑ። እንተኾነ እቶም ጨወይቲ ነቲ ዝተኣከበ ገንዘብ ድሕሪ ምውሳዶም ነታ ህጻን ቀቲሎም ኣብ ድሕሪት ገዛ ወለዳ ከም ዝደርበዩዋ እቲ ኣባል ስድራቤት ገሊጹ።

ኣብታ ህጻን ኖላዊት ዝተጨውየላ ለይትን መዓልትን ኣብታ ከተማ ካልእ ህይወት ኣደን ህጻንን ዝወሰደ ገበን ተፈጺሙ።

ንድሕነቶም ክበሃል ስሞም ከይግለጽ ዝሓተቱ ኣዝማድ ናይታ ዝሞተት ህጻን፡ መንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ብ24 ነሓሰ ከባቢ ሰዓት 7፡00 ድሕሪ ቀትሪ ናብቲ ኣደን ጓልን ዝነብራሉ ገዛ ሰቢሮም ከምዝኣተዉ ይዛረቡ።

እቶም ብቑጽሪ ሽዱሽተ ዝኾኑ ዕጡቓት፡ ካብ ሳሎን ስማርትፎናትን ታብሌታትን ክሰርቁ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ርድኡና ጻዊዒት ዘቕረቡ ሰባት ከምዝተኮሱ እቲ ኣባል ስድራቤት ገሊጹ።

በዚ ምኽንያት ድማ ጓል 55 ዓመት ኣሞኡ መብራት ኪዳነማርያም ሽዑ ንሽዑ ክትመውት እንከላ ጓል 22 ዓመት ጓሉ ድማ ናብ ሆስፒታል ምስ በጽሐት ሞይታ።

በኣምላክ ኣብርሃ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ተመሃሪት ሳልሳይ ዓመት ሶፍትዌር ሳይንስ እያ ነይራ።

ብዘይካ እተን ዝሞታ፡ ሰራሕተኛ እቲ ገዛ እውን በቲ መጥቃዕቲ ሓንቲ ዓይና ስኢና ንዝሓሸ ሕክምና ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተወስደት እቲ ኣባል ስድራቤት ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"እቲ ስድራ ሰላማውን ዝተኸበረን’ዩ" ዝበለ ኣባል እታ ስድራቤት፡ ዝሓሸ ቁጠባዊ መነባብሮ ስለዘለዎም በቶም ዕጡቓት ዒላማ ከምዝተገበሩ ይግምት።

እቲ ፍጻመ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ ገዛ ዝነበሩ ህጻናት ዘጋጠመ ኣካላዊ ጉድኣት እኳ እንተዘይነበረ፡ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊኦም ዘስዓቦ ስንባደ ኣብኡ ክጸንሑ ስለዘይከኣሉ ካብታ ከተማ ክወጹ ከምዝተገደዱ ሓቢሩ።

ኣብ ጎንደር ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ሓደ ሰገን ካብ ኣዲኡ ተመንጢሉ ከምዝተወሰደን ንኽፍታሕ 4 ሚልዮን ብር ከምዝተሓተተሉን ሓደ ናይ ቀረባ ኣባል እቲ ስድራ ቤት ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ፍጻመ ብዕለት 12 ግንቦት 2016 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ለይቲ ከባቢ ሰዓት 7 እዩ ኣጋጢሙ።

እታ ኣደ ምስ ወዳ ‘ዓዲ ሰላም እዩ ዘሎ’ ኢላ ብሰላም ደቂሶም ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ሃንደበት እቲ ከባቢ ብጥይት ምስ ተናወጸ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ናብ ገዝኦም ሰቢሮም ብምእታው ነቲ ሰገን ቆልዓ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮሞ።

ኣዲኡን ኣብቲ መረባ ዝነበሩ ተኻረይትን “ናይ ርድኡና ኣውያት” እኳ እንተስምዑ ዝበጽሓሎ ሰብ ግን ኣይነበረን። ናይ ቀረባ ዘመድ ምዃኑ ዝገለጸ ኣቶ ታደሰ፡ ነታ ውላዳ ክተድሕን ዝፈተነት ኣደ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ነቲ ወዲ 9 ዓመት ቆልዓ ወሲዶሞ።

እቶም ስድራ ‘ገንዘብ ኣለዎም’ዩ’ ብዝብል ዒላማ ከምዝተገበሩ ዝገለፁ ኣይተ ታደሰ፣ መንነት ናይቶም ጨወይቲ ከለልዩ እኳ እንተዘይከኣሉ፣ ኩሎም ብረት ዝተዓጠቑን ገጾም ዝተሸፈነን ከምዝነበሩ ይዛረብ።

እቶም ስድራቤት 7 መከራ ዝተመልኦ መዓልታት ምስ ኣሕለፉ ካብቶም ጨወይቲ ቴለፎን ተደዊሉሎም።

ኣቶ ታደሰ፡ እቶም ጨወይቲ ነቲ መንእሰይ ንምፍታሕ ኣርባዕተ ሚልዮን ብር ከምዝሓተቱን ብድርድር 550 ሽሕ ብር ከምዝተሰማምዑን ይዛረብ። እንተኾነ ነቲ ገንዘብ ንምትእኽኻብ መዓልትታት ወሲዱሎም።

"እቲ ቆልዓ ስልኪ ኣብ ዝተደወለ 'እቲ ገንዘብ ኣይመልኣልኩሙን ድዩ?' 'ቀልጢፍኩም ኣውጽኡኒ' ይብል ነይሩ።" ክብል ይዛረብ።

እቲ ገንዘብ ምስተኣከበ፡ ባጃጅ ተኻሪዮም ናብቲ ዝሓበርዎም ቦታ ከብጽሕዎ በቶም ጨወይቲ ተኣዚዞም።

ኣቦ እቲ ቆልዓ ዝተኣዘዞ ብምግባሩ መንነቶም ኣብ ዘይርእየሉ ኩነታት ነቲ ገንዘብ ኣረኪቡ ወዱ ሰዓት 12፡00 ምሸት ክፍታሕ እዩ ኢሉ ተመሊሱ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ቆልዓ ኣብቲ ዝተብሃሎ ግዜ ክፍታሕ ኣይከኣለን።

እቶም ስድራ ኣብ ከምዚ ኩነታት እንከለዉ፡ እቶም ጨወይቲ ብለይቲ ደዊሎም፡ "ሰዓት 11፡30 ንጉሆ፡ ኣብ ጊዮርጊስ ማዞርያ ኣምጺእና ከነውርዶ ኢና" ኢሎም ከምዝተዛረቡዎም ኣቶ ታደሰ ይዝክር።

ለይቲ ምስ ኮነ ናብቲ ቦታ ከይዶም። እንተኾነ ነቲ ቆልዓ ግን ክረኽብዎ ኣይከኣሉን። “ኣሊሽና ምስሰኣንናዮ፡ ቀቲሎም ዝደርበይዎ መሲሉና ኣብ ኩሉ ቦታ ንደልዮ ኔርና። ድሓር ግን ጨርቂ ተኸዲኑ ካብ ባጃጅ ወጺኡ ክመጽእ ርኢናዮ" ይብሉ።

ኣይተ ታደሰ፡ እቲ በዓል ባጃጅ ነቲ ቆልዓ ናብ ጊዮርጊስ ክወስዶ 20 ብር ከምዝተኸፍለ ከምዝነገሮ ይዛረብ።

ኣደ ናይቲ ድሕሪ 12 መዓልታት ዝተፈትሐ ቆልዓ፡ ኣእዳው፡ እግሩ፡ ከንፈሩን እዝኑን ተጎዲኡ የመና ተጎሳቝሉ ምስ ረኣየት ውኔኣ ስሒታ ከምዝወደቐት ኣይተ ታደሰ ገሊፁ። ወዳ ኣብ ዝተጨወየሉ ግዜ ድማ ጉድኣት ገጢምዋ ስለዝነበረ ክሳዕ ኣብ ሆስፒታል ምድቃስ በጺሓ እያ።

"እቲ ቆልዓ ለይቲ ለይቲ ይብህርር፤ ስእሊ መላእኽቲ እንተይሓዘ ኣይድቅስን እዩ። ምስ ከላሽን ዘይብሉ ሰብ ኣይድቅስን'ዩ" ኢሉ።

ሕጂ ድማ ኣደን ወድን ዓዶም ገዲፎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዶም ሓድሽ ህይወት ክጅምሩ ተገዲዶም ኣለዉ።

እዞም ዛንታታት ኣብታ ከተማ ካብ ዝተፈጸመ ጭውያን ቅትለትን ንምግላጽ ከም ኣብነት ኮይኖም ዝቐርቡ እኳ እንተኾኑ፡ ህጻናት ሓዊሱ ተመሳሳሊ ገበን ዝበጽሖም ሰባት ውሑዳት ኣይኮኑን።

ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 60 ገበናት ጭውያ ከምዝተፈፀሙ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ኣብታ ከተማ ስለምንታይ ጭውያ በዚሑ?

ኣብታ ታሪኻዊትን ማእከል በጻሕቲ ዓድን ዝኾነት ከተማ ጎንደር፡ ሓሓሊፉ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመታት እኳ የጋጥሙ እንተነበሩ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ግን ዘይልሙድን ዘሰክፍን ወሰኽ ጭውያን ቅትለትን ከምዝተራእየ ነበርቲ ይዛረቡ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰለስተ ነበርቲ እታ ከተማ፡ ምኽንያት ናይዚ ኩሉ ጸገም ጥንኩር ስርዓተ ጸጥታን ኣኽበርቲ ሕጊ ዘይምህላዉን እዩ ይብሉ።

ንድሕነቶም ክብሉ ኣስማቶም ክጥቀስ ዘይፈቐዱ ነበርቲ፡ ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ምስ ኣጋጠመ ናብ ፖሊስ ሓበሬታ ዝበጽሕ’ኳ እንተኾነ "ሓይሊ የብልናን፤ ተዘራሪብኩም ወድእዎ፤ ካልእ ክንገብሮ እንኽእል ነገር የለን።” ዝብሉ መልስታት ከምዝረኽቡ’ዮም ዝገልጹ።

"ዋላ ወጺእና ፍትሒ ክንሓትት ከለና፡ ብጥይት ስቕ ከብለና ዝደሊ ጉጅለ ኣሎ። እቶም ዝተኣሰሩ ድማ ብዋሕስ ስለዝፍትሑ ተሪር ውሳነ ኣይወሃብን’ዩ" ዝበለ ነባሪ እታ ከተማ፡ ድኽመት ስርዓተ ፍትሒ ነቲ ገበን ከም ዘጋደዶ ሓቢሩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ሓምለ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ መንጎ መንግስትን ሓይልታት ፋኖን ዕጥቃዊ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ከተማ ጎንደር ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ሰላምን ምርግጋእን የብሎምን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ ክልላት እታ ሃገር ዝረኣዩ ዘለዉ ግጭታት ንገበነኛታት ዘተባብዕን ልዕልና ሕጊ ከምዘዳኸመን ዝገልጽ ጽሑፍ ኣስፊሩ ነይሩ።

“ናብ ገዛና ካብ ምእታው ወጻኢ እንታይ ኣማራጺ ኣለና?”

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ ኣብታ ከተማ ብሰላም ወጺኢኻ ምእታው ጥራይ ዘይኮነስ ብሰላም ኣቲኻ ምሕዳር’ውን ውሕስነት ከምዘየለ ይገልጹ።

ስማ ክጥቀስ ዘይፈቐደት ነባሪት፡ እታ ከተማ ገና ኣብ ትሕቲ ሓይሊ ዕማም ከምዘላን ኣዋጅ ሰዓት እቶ እቶ ይትግበር ከምዘሎን ብምግላጽ “እንተይመሰየ ናብ ገዛና ካብ ምእታው ሓሊፍና ካልእ እንታይ ኣማራጺ ኣለና?” ክትብል ትሓትት።

“እንተይመሰየ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ። ክትጥንቀቕ ትኽእል ኢኻ። ሰብ ናብ ቤቱ ምስ ኣተወ ግና ካብ ምንታይ ክጥንቀቕ ይኽእል? ህዝቢ ጎንደር ኣብ ገዝኡ ከይተረፈ ይጭወ’ዩ ዘሎ።" ብምባል ነበርቲ ኣብ ሓደጋ ከምዘለዉ ገሊጻ።

"ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ኣሎ" ዝበለት እታ ነባሪት ብፍላይ ካብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጀሚሩ ህዝቢ እታ ከተማ ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዘሎን እቲ ዓቕሚ ዘለዎ ድማ ካብታ ከተማ ይወጽእ ምህላውን ተዛሪባ።

ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ፡ ኣብታ ከተማ ካብ ምሸት ሰዓት 12፡00 ክሳብ ለይቲ ሰዓት 10፡00 ኣብ ዘሎ ግዜ ምንቅስቓስ ከምዘይከኣል ብምግላጽ ሓይልታት ጸጥታ ጥራይ ኣብዚ ሰዓት ከምዝንቀሳቐሱ ሓቢሩ።

እንተኾነ ኣብ ማእከል ከተማ ብለይቲ ሰብ እንትጭወን ኣውያት እንትስማዕን ዋላ ሓደ ዝረድእ ኣካል ከምዘየለ ትዕዝብታ ኣካፊላ።

መን እዩ ዝጨዊ ዘሎ?

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ኣብ ከተማ ጎንደር 64 ገበናት ጭውያ ከምዝተፈፀሙ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ንሓላፊ መደበር ፖሊስ እታ ከተማ ረዳት ኮሙሽነር ኣየልኝ ታከለ ብምጥቃስ ጸብጺበን።

በዚ ገበን ዝተጠርጠሩ 31 ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ካልኦት ጥርጡራት እውን ክትትል ይግበረሎም ከምዘሎን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

መንግስቲ እቲ ክልል ትማሊ 28 ነሓሰ/2016 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ከተማ ጎንደር ቁጥዐ ህዝቢ ዘስዓበ ጭውያን መቕተልትን ሓይልታት ጸጥታ ኢድ ከምዝነበሮም ገሊጹ።

ነቲ መግለፂ ዘውፀአ ቤት ፅሕፈት ሰላምን ፀጥታን ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታት እቲ ክልል ቅትለትን ጭውያን ከምዘሎ ኣመልኪቱ፣ ምስቲ ኣብ ከተማ ጎንደር ዝተፈፀመ ብዝተኣሳሰር ግን 14 ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ሓቢሩ።

ይኹን እምበር እቲ ቤት ፅሕፈት ብዛዕባ ዝርዝር ኩነታት እቲ ጉዳይ ኣይጠቐሰን። ቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝገበረሎም ነበርቲ ኣብታ ከተማ ዝፍፀሙ ገበናት ብዝተፈላለየ መንገዲ ብኢድ ሓይልታት ፀጥታ ምዃኑ ይገልፁ።

ሓንቲ ነባሪት "ከምዚ ዓይነት ጭውያ ክፍጸም እንከሎን ናብ ፖሊስ ሓበሬታ ምስተውሃበ እቶም ጨወይቲ ሽዑ ንሽዑ እዩ ዝንገሮም። ካብዚ ተበጊሶም ድማ ነቲ ሓበሬታ ዝሃበ ኣካል ደዊሎም የፈራርሑ። እዚ ዘርእየካ ኣብ መንጎኦም ዝምድና ከምዘሎ’ዩ” ትብል።

ሰላም ህዝቢ ምርግጋጽ ቀንዲ ግቡእ መንግስቲ ምዃኑ ዝገለጸት እታ ነባሪት ኣስዒባ "ሰላም ህዝቢ ክኽበር እንተዘይተኻኢሉ መንግስቲ'ዩ ተሓታቲ" ኢላ።

ካልእ ነባሪ ድማ፡ "ሓይሊ ጸጥታ እቲ ከባቢ ስርሑ ብግቡእ ክሰርሕ እንተዝኽእል እዚ ኩሉ ኣይምተፈጸመን" ይብል።

ናይተን ብዕጡቓት ዝተቐትላ ኣደን ጓልን ዘመድ ዝኾነ ውልቀሳብ፡ ኣብታ ከተማ ’ስድስቱ' ብዝብል ዝፍለጥ ዝተወደበ ጉጅለ ሸፋቱ ከምዘሎ ምስምዑ ይዛረብ።

እቲ ሰብ፡ እቲ ጉጅለ ክንደይ ኣባላት ከም ዘለዎን ምስ መን ምትእስሳር ከም ዘለዎን እኳ እንተዘይፈለጠ፡ "ኣባላት እቲ ጉጅለ ካብ ፋኖ ዝጠፍኡ ውልቀሰባትን ገለ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲን ከምዝኾኑ ይዝረብ’ዩ" ኢሉ።

ካልእ ነባሪ እታ ከተማ፡ ካብ ፋኖ ዝተባረሩ ዕጡቓት፡ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ከምኡ እውን ብሰንኪ'ቲ ቅድሚ ሎሚ ዝነበረ ኵናት ከላሽን ዝዓጠቑ ስራሕ ዘይብሎም ውልቀ ሰባትን ተሓታቲ ይገብር።

ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን እቲ ዞባ፡ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ቅትለትን ጭውያን፡ ውሑዳት ሓይልታት ጸጥታ ከምዝተሳተፉሉ ብምእማን ስሙ ንዘይተጠቕሰ "ዕጡቕ ጉጅለ" ከሲሱ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ኮይኖም ንፖለቲካዊ ዕላማ ጋዜጠኛታትን ሰበስልጣን መንግስቲን ጨውዮም ብምቕታል ይኽሰሱ። ብዘይካዚ ውልቀ ሰባት ይጨውዩን ንኽፍትሑ ገንዘብ ይጠልቡን ዝብል ጸብጻብ ወጺኡ ኣሎ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ግንቦት 20/2016 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዕጡቓት ፋኖ ካብ ደቡብ ኢትዮጵያ ንናይ ጉልበት ስራሕ ናብ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ልዕሊ 274 ሰባት ጨውዮም ንነዊሕ እዋን ዓጊቶም ድሕሪ ምጽናሕ ገንዘብ ተቐቢሎም ከምዝፈትሕዎም ኣፍሊጡ ነይሩ።

ይኹን እምበር ኣብ ጎንደር ዝፍጸሙ ተኸታተልቲ ጭውያታትን ቅትለታትን ስዒቡ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ፋኖ፡ ኣብቲ ገበናት ኢድ ከምዘይብሉ ምስቲ ጉጅለ ምትእስሳር ዘለዎም ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮምያን ትግራይን፣ ህፃናት ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጭውያን መቕተልትን እናወሰኸ መፂኡ'ሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ዩኒቨርሲቲ ደባርቅ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸዱ ዝነበሩ ልዕሊ 100 ተምሃሮ ኣብ ክልል ኦሮምያ ከባቢ ገብረ ጉራቻ ተጨውዮም ገንዘብ ተሓቲቶም።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ 11 ኣዋርሕ 12 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተቐትላ፡ ካብኣተን ድማ ጅሆ ተታሒዘን ገንዘብ ዝተሓተታ ከምዘለዋን ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብታ ሃገር ክንደይ ሰባት ተጨውዮም ከምዝተቐትሉ ዝገልጽ ጸብጻብ እኳ እንተዘየለ፡ ቁጽሮም ዘይነዓቕ ዜጋታት ግዳይ ናይቲ ገበን ምዃኖም ይእመን።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ብሰንኪ ልሕሉሕ ኣፈጻጽማ ሕጊ፡ ብዕጡቓት፣ ዝተወደቡ ጉጅለታትን ገለ ትካላት ጸጥታ መንግስትን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዘሎ ምግፋዕ እናገደደ ከምዝመጸ ብምሕባር ማእከላይ መንግስቲ ድማ ነቲ ተግባር ደው ከብሎ ጸዊዑ።

ብፍላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ብሰፊሑ ዝረአ ዘሎ ገበን ጭውያ ዜጋታት መሰረታዊ መሰል ምንባርን ምንቅስቓስን ይግሃስ ከምዘሎ እቲ ኮሚሽን ጠቒሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኤርቪን ማሲንጋ ገንዘብ ንምርካብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ጭውያ ሰላማውያን ሰባት ደው ክብል ጸዊዑ ነይሩ።

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብዛዕባ ዝርአ ዘሎ ጭውያ ክሳብ ሕጂ ዝገለጾ ነገር የለን።

ቢቢሲ ብዛዕባ ኣብ ከተማ ጎንደር ዝተፈጸመ ጭውያን ቅትለትን ካብ ሰበስልጣን ዞባን ከተማን ዝርዝር ሓበሬታ ንምሕታት ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።