30 ዓመት ኣብ በረድ ካብ ዝጸንሐ ድቂ ዝተወልደ ህጻን ክብረወሰን ሰይሩ

ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ በረድ ካብ ዝጸንሐ ድቂ፡ ቈልዓ ተወሊዱ። እዚ ድማ ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ከም ዝሓዘ ይግለጽ ኣሎ።

ነበርቲ ኦሃዮ - ኣመሪካ ዝዀኑ ጓል 35 ዓመት ሊንድሲን ወዲ 34 ዓመት ቲም ፒርስን፡ ብቐዳም ንወዶም ታዴውዎ ዳኒኤል ፒርስ ተቐቢሎምዎ።

ወዘይሮ ፒርስ ንኤምኣይቲ ቴክኖሎጂ ሪቪው ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ስድራኣ "ከም ካብ ፊልም ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝወጽአ ነገር እዩ፡" ኢሎም ከም ዝሓሰቡ ገሊጻ።

እዚ ድቂ፡ ቅድሚ ብዕዉት መገዲ ብህይወት ምውላዱ ዝነውሐ ኣብ በረድ ዝተቐመጠ ድቂ ምዃኑ ይእመን።

እቲ ቅድሚ ሕጂ ክብረወሰን ዝሓዘ ድቂ ማንታ ኰይኑ፡ ብ1992 ኣብ በረድ ተቐሚጡ ኣብ 2022 ከኣ መናቱ ዝተወለዱሉ እዩ።

ስድራቤት ፒርስ፡ ነቲ ናይ ጓል 62 ዓመት ሊንዳ ኣርቸርድ ዝዀነ ኣብ 1994 ምስ በዓል ቤታ ብኣይቪኤፍ (IVF) ዝሰርሑዎ ድቂ ክወስዱ ቅድሚ ምውሳኖም፡ ንሸውዓተ ዓመት ቈልዓ ክወልዱ ፈቲኖም ነይሮም።

ኣይቪኤፍ - ኢንቪትሮ ፈርቲላይዜሽን (Invitro fertilization-IVF) ብቴክኖሎጂ ተሓጊዙ እንቋቍሖ ጓል ኣንስተይትን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን ብምርኻብ ጥንሲ ዝፍጠረሉ ሕክምናዊ መስርሕ እዩ። እዚ ሰብ ሰርሖ ሕክምና ተዋልዶ፡ እንቋቍሖን ዘርኢ ተባዕታይን ካብ ማህጸን ወጻኢ ኣብ ቤተ ፈተነ እዮም ክራኸቡ ዝግበር።

እቲ ኣብ ቤተ ፈተነ ዝተፈጠረ ጥንሲ ተመሊሱ ናብ ማህጸን ክኣቱ ብምግባር ልሙድ ተፈጥሮኣዊ ናይ ጥንስን ወሊድን መስርሕ ይቕጽል።

በዚ ኣገባብ ሕክምና ንፈለማ እዋን ቈልዓ ዝተወለደ ኣብ 1978 [ኣ.ኤ] ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ማዕቢሉ ብስፍሓት ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ።

ሚስ ኣርቸርድ ከኣ ኣብ 1994 ኣርባዕተ ድቂ ፈጢራ።

እታ ሓንቲ ኣብዚ ሕጂ ጓል 30 ዓመት ኰይና ኣላ፤ እተን ካልኦት ሰለስተ ድማ ኣብ መኽዘን ጸኒሐን።

ንሳ ምስ በዓል ቤታ'ኳ እንተተፈላለየት፡ ነቲ ድቂ ክተወግዶ ወይ ንተመራመርቲ ንመጽናዕቲ ከተወፍዮ ወይ ስማ ከይገለጸት ንኻልእ ስድራቤት ክትህቦ ኣይደለየትን።

ምስታ ዓባይ ጓላ ዝዛመዱ ስለ ዝዀኑ፡ ምስቲ ሕጂ ዝተወልደ ህጻን ምትእስሳር ክህሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ድማ ገሊጻ።

ሚስ ኣርቸርድ፡ ብ'ስኖውፍሌክስ' ዝፍለጥ ድቂ ዝወስድ ትካል ክሳብ እትራኸብ፡ ንመኽዘን ኣብ ዓመት ኣሽሓት ዶላር ትኸፍል ነይራ።

ብዙሓት ካብዘን ትካላት እዚኣተን መደባተን ህይወት ከም ዘድሕን ገይረን እየን ዝቘጽርኦ።

ሚስ ኣርቸርድ ዝተጠቐመትሉ መደብ፡ ለገስቲ መጻምድቲ ክመርጹ የኽእሎም፤ እዚ ማለት ሃይማኖታዊ፡ ዓሌታውን ዜግነታውን ምርጫታት ክገልጹ ይኽእሉ።

ሚስ ኣርቸርድ "ካብ ሃገር ወጻኢ" ክትከይድ ስለ ዘይደለየት፡ ድልየታ ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ መበቈል ኤውሮጳ ዘለዎም ሰብ ሓዳርን ክርስትያንን መጻምድቲ ምሃብ ከም ዝነበረ ንኤምኣይቲ ቴክኖሎጂ ሪቪው ገሊጻ።

ኣብ መወዳእታ ምስ ስድራቤት ፒርስ ተሰማሚዓ።

ሚስ ፒርስ፡ ንሳን በዓል ቤታን "ዝዀነ ክብረወሰን ንምስባር" ከም ዘይተበገሱን፡ "ቈልዓ ክወልዱ" ጥራይ ከም ዝደለዩን ተዛሪባ።

ሚስ ኣርቸርድ ንኤምኣይቲ ቴክኖሎጂ ሪቪው ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ምስቲ ህጻን ክሳብ ሕጂ ብኣካል ከም ዘይተራኸበት፡ እንተዀነ ድሮ ምስ ጓላ ምምስሳል ክትዕዘብ ከም ዝኸኣለት ኣረዲኣ።