ቀይሕ ባሕሪ፡ ትነድድ ዘላ መርከብ ንምድሓን ሓድሽ ፈተነ ክግበር'ዩ

ብየመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ተሃሪማ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ደው ኢላ ዘላ መርከብ ነዳዲ ንምድሓን ሓድሽ ጻዕሪ ክካየድ ምዃኒ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሩ ዘሎ ልፍንታዊ ሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ኣውሮጳ ገሊጹ።

እታ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ መጥቃዕቲ ዝወረዳ መርከብ፡ ኣብ ዝባና ዝተወልዐ ባርዕ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል’ኳ እንተሎ፡ መልህቓ ሰዲዳ ደው ኢላ ከምዘላን ምልክት ላሕኲ ከምዘይተራእየን እቲ መግለጺ የመልክት።

እታ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ተጻዒና ዘላ መርከብ ከቢድ ኣከባቢያዊ ብከላ ከይተስዕብ ዓቢ ስግኣት ፈጢራ ምህላዋ ይፍለጥ።

"ኣከባቢያዊ ሓደጋ ንምክልኻል፡ መንግስታዊ፡ ብሕታዊን ካልኦት ኣካላትን ሓቢሮም ክሰርሑ ወሳኒ'ዩ" ክብል ይምሕጸን እቲ ብዓርቢ ኣብ ኤክስ በቶም ሓይልታት (EUNAVFOR) ዝወጸ መግለጺ ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ነታ ግሪኻዊ ዋንነት ዘለዋ መርከብ ንምውጻእ ዝተወስደ ፈላሚ ተበግሶ ከምዘይተዓወተ ይዝከር።

ነታ 'ኤም-ቪ ደልታ ሶኒዮን' (MV DELTA SOUNION) ብጎተትቲ ጃላቡ ንምስሓብ ብትካላት ብሕቲ ዝተኻየደ ፈተነ ውሑስ ከምዘይኮነ'ዩ ተገሊጹ ነይሩ።

"ነቲ ናይ ምድሓን ስርሒት ሓላፍነት ዝወሰዳ ትካላት ብሕቲ፡ እቲ ኵነታት ስሒብካ ንምውጻኣ ዘኽእል ከምዘይኰነን ውሕስነት ከምዘይብሉን ደምዲመን" ክብል'ዩ እቲ ኣውሮጳዊ ሓይሊ ሓበሬታ ገሊጹ ነይሩ።

ብ21 ነሓሰ ሚሳይላት ሑቲ ኣብ ልዕሊ'ታ መርከብ ጉድኣት ድሕሪ ምእታዎም ኣባላታ ብሓገዝ ሓይልታት ምራብ ገዲፎማ ክኸዱ ተገዲዶም።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተዋፊሩ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ዕጡቓት ከካይዶ ዝጸንሐ መጥቃዕትታት ይቕጽሎ’ሎ።

ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ጥራይ ሓሙሽተ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲን ክልተ ስርዓተ-ሚሳይላትን ከምዘዕነወ ገሊጹ።