ሚኒስትሪ ፋይናንስ ጋና፡ ፕረዚደንት ጸረ ሕደጾታውያን ዝዀነ እማመ ከይፍርም ተማሕጺኑ

ሚኒስትሪ ፋይናንስ ጋና፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝሓለፈ ሰሙን ብኣባላት ባይቶ ጋና ዝጸደቐ ኣካታዒ ጸረ ሕደጾታውያን ዝዀነ እማመ ከይፍርም ተማሕጺኑ።

እታ ሃገር ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ/ሽዱሽተ ዓመታት ካብ ምወላ ባንኪ ዓለም ብድምር 3.8 ቢልዮን ዶላር ክትስእን ከም እትኽእል የጠንቅቕ።

እቲ እማመ፡ ሕደጾታዊ ምዃኑ ዝተፈለጠ ሰብ ንሰለስተ ዓመት፡ ንጥፈታት ሕደጾታውያን ዘበረታትዕ ድማ ሓሙሽተ ዓመት ክእሰር ይእዝዝ።

ጋና ብቁጠባዊ ቅልውላው ትሳቐ ዘላ ሃገር ኰይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ ‘ኣይኤምኤፍ’ ብዝረኸበቶ ሓገዝ ቅሩብ ኣንሳእሪራ ነይራ እያ።

ካብ ባንኪ ዓለምን ካልኦት ለገስትን ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሕጽረት ምወላ ነቲ ቁጠባዊ ምሕዋይ ካብ ሃዲድ ከውጽኦ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታታት ኣሎ።

ብኣዝዩ ዘይተለምደ ስጉምቲ፡ እቲ ካብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ሊሒዅ ዝወጽአ መጠንቀቕታ ናብ ቢቢሲ ሓዊሱ ኣብ ሓያሎ ማዕከናት ዜና ተዘርጊሑ።

ፕረዚደንት ናና ኣኩፎ-ኣዶ ፊርማ እቲ እማመ ክሳብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምስቲ ቅዋም ዝሰማማዕ ድዩ ኣይሰማማዕን ዝብል ውሳነ ከናውሖ ይመክር።

ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብባይቶ ቅድሚ ምሕላፉ እውን ናብ ቤት ፍርዲ'ኳ እንተኸዱ ንዝተወሰነ እዋን ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክስማዕ ተኽእሎ የብሉን።

ፕረዚደንት ጋና ነቲ እማመ ምስ በጽሖ ኣብ ውሽጢ 7 መዓልታት ክፍርምን ዘይክፍርምን ከፍልጥ ኣለዎ። እንተዘይፈሪሙ ድማ ምኽንያት ክህብ 14 መዓልታት ከም ዘለዎ ቅዋም እታ ሃገር የረድእ።

እማመ ግቡእ ሰብኣዊ ጾታዊ መሰላትን ክብርታት ስድራቤት ጋናን ዝሓለፈ ሓሙስ ብባይቶ'ኳ እንተጸደቐ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ንፊርማ ናብ ፕረዚደንት ኣይተላእኸን።

ፕሬዝደት ኣኩፎ-ኣዶ ምስ ወሰንቲ ሚኒስትሪታትን ለገስቲን ኣኼባታት ብምክያድ ጽልዋ ናይቲ ግቡእ ሰብኣዊ ጾታዊ መሰላትን ጋናውያን ስድራቤታዊ ክብርታትን እማመ ንምግምጋም ከም ዘካይድ ይግለጽ።

ኣሜሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ድሮ ነቲ ብኽልቲአን ክልተ ቀንዲ ፖለቲካዊ ውድባት ጋና ዝድገፍ እማመ ኮኒነንኦ ኣለዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ባንኪ ዓለም ንኡጋንዳ ዝወሃብ ዝነበረ ሓድሽ ልቓሕ ከም ዝዓግቶ ኣፍሊጡ ነይሩ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ጋና ዝሓለፈ እማመ ንላዕሊ ዝኸበደ ምትእትታው ጸረ ሕደጾታውያን ምላሽ እዩ።

ወሃቢ ቃል ኣይኤምኤፍ ብዛዕባ ሓደ ብሕጊ ዘይተፈረመ እማመ ርእይቶ ክህብ ከም ዘይክእል እኳ እንተገለጸ፡ "ብዙሕነትን ሓቛፍነትን ‘ኣይኤምኤፍ ኣጥቢቑ ዝርእዮም ክብርታት እዮም" ክብል ግን ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ዓመት ጥራይ ጋና ኣስታት 850 ሚልዮን ዶላር ደገፍ ክትስእን ትኽእል እያ።

እዚ ድማ ነቲ ድሮ ኣብ ቃልሲ ዝርከብ ቁጠባ ብኣሉታ ክጸልዎ፡ ዕቑር ሃብቲ ወጻኢ እታ ሃገር ክቕንስን ንምርግጋእ ሸርፊ ወጻኢ ክጸልዎን ከም ዝኽእል ሰበስልጣን ይዛረቡ።