ኣብ ኢራን ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ መን’ዩ?

ማሻ ኣሚኒ
መግለጺ ስእሊ, ማሻ ኣሚኒ

ሓይልታት ጸጥታ ኢራን፡ ነቲ ሓንቲ ኢራናዊት ኣብ ቀይዲ ፖሊስ እንከላ ምማታ ስዒቡ ኣብታ ሃገር ተጓሃሂሩ ዘሎ ተቓውሞታት ንምህዳእ ጐነጽ ይጥቀሙ ከምዘለው ይግለጽ ኣሎ።

ጓል 22 ዓመት ማሻ ኣሚኒ፡ ርእስኺ ብግቡእ ብሕጃብ ኣይተጎልበብክን ብዝብል እዩ ብኣባላት ፖሊስ ስነምግባር ኣብ ቀይዲ ዝኣተወት።

ኣብ መላእ እታ ሃገር ተቓውሞታት ካብ ዝተላዕለሉ፡ ብውሕዱ 150 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።

ግን፡ ተቓውሞታት ንምጭፍላቕ መዓስ ሓይሊ ክትጥቀም ከምዘለካ ዝውስን መን እዩ?

ስልጣን ላዕለዋይ መራሒ እንታይ ይመስል?

ኣብ ኢራን፡ ካብ 1989 ኣትሒዙ እቲ ዝለዓለ በዓል ስልጣን፡ ላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር፡ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመይኒ እዩ።

ንሱ መራሒ መንግስትን ዋና ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገርን ኰይኑ፡ ሃገራዊ ፖሊስን ስነ-ምግባራዊ ፖሊስን እውን ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ እዮም።

ኣያቶላህ ኻመይኒ፡ ኣዛዚ ናይቲ ሓላፍነት ውሽጣዊ ጸጥታ ኢራን ዘለዎ ኣሃዱ ንእስላማዊ ሓለዋ ሰውራ፡ ከምኡ’ውን ሓይልታት ተቓውሞ ባሲጅ እዩ። ባሲጅ ኣብ ኢራን ንዝተርኣየ ተቓውሞታት ብምጭፍላቕ ኣብ ቅድሚት ዝጥቀስ ኣሃዱ እዩ።

ስለዚ ኻመይኒ፡ ተቓውሞታት ብኸመይ ክተሓዙ ከምዘለዎም ዝውስን ዝለዓለ በዓልስልጣን እዩ።

ስርዓተ ስልጣን ኢራን

ሓላፍነት ፕረዚደንት እንታይ እዩ?

ፕረዚደንት ኢብራሂም ራይሲ እቲ ዝለዓለ ብህዝቢ ዝተመረጸ በዓል ስልጣን ኰይኑ ካብቲ ላዕለዋይ መራሒ ቀጺሉ፡ ዝዓበየ ስልጣን ዘለዎ እዩ።

ንሱ መዓልታዊ ንጥፈታት መንግስቲ ክመርሕ እንከሎ፡ ኣብ ፖሊሲታት ውሽጣውን ወጻእን ጉዳያት ዓቢይ ጽልዋ ኣለዎ።

እንተዀነ፡ ብፍላይ ምስ ጸጥታ ኣብ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ዘለዎ ሓይሊ ብተዛማዲ ድሩት እዩ።

እቲ ንተቓውሞታት ብሓይሊ ዝጭፍልቕ ዘሎ ሃገራዊ ሓይሊ ፖሊስ፡ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት'ኳ እንተዀነ፡ ኣዛዚ እቲ ኣሃዱ ብላዕለዋይ መራሒ ዝምረጽ ኰይኑ ተጸዋዕነቱ’ውን ብቐጥታ ናብኡ እዩ።

እዚ ኣሰራርሓ ኣብ ኣሃዱታት እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ከምኡ’ውን ባሲጅ ተመሳሳሊ እዩ።

እቲ ላዕለዋይ መራሒ፡ ዝዀነ ተቓውሞ ብሓይሊ ክጭፍለቕ እንተደልዩ፡ ፕረዚደንት ተቓዊሙ ደው ከብሎ ኣይክእልን እዩ።

ስልጣን እቲ ፕረዚደንት፡ በቲ ሓደስቲ ሕግታት ዘተኣታቱ፡ ፓርላማ’ውን ምቍጽጻር ክግበረሉ ይኽእል እዩ። እቲ ምስ ላዕለዋይ መራሒ ቅርበት ዘለዎም ኣባላት ዝርከቡሉ ቤት ምኽሪ ሞግዚት ግን ሓደስቲ ሕግታት ናይ ምጽዳቕን ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓርን ስልጣን ኣለዎ።

ኣባላት ሞራላዊ ፖሊስ መን እዮም?

ኣባላት ሞራላዊ ፖሊስ ኢራን ኣከዳድና ብዝምልከት ይከታተሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ሞራላዊ ፖሊስ ኢራን ኣከዳድና ብዝምልከት ይከታተሉ

እቶም ብ ‘ሓለውቲ ሞግዚት’ እውን ዝፍለጡ ሞራላዊ ፖሊስ ኣካል እቲ ሃገራዊ ፖሊስ እዮም።

እቲ ሓይሊ ኣብ 2005 ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ነቶም ድሕሪ እስላማዊ ሰውራ ኢራን 1979 ዝተኣታተው፡ ን “ግቡእ” ኣከዳድና ዝምልከቱ እስላማዊ ስነ-ምግባርን ሕጋጋትን ንምዕቃብ ዝዓለመ እዩ።

ኣስታት 7000 ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ከምዘለዎን፡ ንጥርጡራት ከጠንቅቕ፡ ክቐጽዕ ወይ ክኣስር ስልጣን ኣለዎ።

ተሪሪ መርገጺ ዘለዎ ፕረዚደንት ራይሲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ደቂ ኣንስትዮ ሕጃብ ክገብራ ዘገድዱ ብርክት ዝበሉ ሓደስቲ ስጕምትታት ወሲዱ እዩ።

ዘይተጐልበባ ደቂ ኣንስትዮ ንምልላይ፡ መከታተሊ ካሜራታት ክትከል እንከሎ፡ ነቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንሕግታት ሒጃብ ዝጥሕሱ ሰባት ብማእሰርቲ ዝቐጽዕ ሕጊ ተኣታትዩ።

ኣሃዱ ሓለዋ ሰውራ እንታይ እዩ?

ኣባላት ሓለዋ ሰውራ ኢራን

ምንጪ ስእሊ, ANADOLU AGENCY

ኣሃዱ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ እታ ሃገር ንእስላማዊ ስርዓት ንምዕቃብ ድሕሪ ዝገበረቶ ሰውራ ዝቘመ፡ ንምዕቃብ ውሽጣዊ ጸጥታ ብዝምልከት ቀንዲ ተጸዋዒ ትካል እዩ።

ኣሃዱ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኣብ ኢራን ዝዓበየ ወተሃደራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሓይሊ ኰይኑ ልዕሊ 150 ሽሕ ዓቕሚ ሰብ ኣለዎ። ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይልታት ምድሪ፡ ባሕሪን ኣየርን ክህልዎ እንከሎ፡ ንስትራተጂያዊ ኣጽዋር ኢራን ይቈጻጸር።

ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዝነጥፍ ‘ሓይሊ ኩድስ’ ዝጽዋዕ ኣሃዱ ክህልዎ እንከሎ፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ መሻርኽቲ ብሕቡእ ገንዘብ፡ ኣጽዋር፡ ቴክኖሎጅን ስልጠናን ይህብ።

ንሓይልታት ተቓውሞ ባሲጅ እውን ይቈጻጸር።

ባሲጅ እንታይ እዩ?

ቅድም ብትካል ምልዕዓል ጭቁናት ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ዝነበረ፡ ሓይልታት ተቓውሞ ባሲጅ፡ ከም ወተሃደራዊ ኣሃዱ ወለንተኛታት ኣብ 1979 ዝተመስረተ እዩ።

ኣብ ኵለን ዞባታትን ከተማታትን ኢራን ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት ጨናፍር ኣለዎ።

እቶም ‘ባሲጂስ’ ተባሂሎም ዝጽውዑ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣባላቱ፡ ነቲ ሰውራ እሙናት እዮም።

ከባቢ 100,000 ዝዀኑ ባሲጂስ ኣብ ምሕላው ውሽጣዊ ጸጥታ ተዋፊሮም ይርከቡ።

እቲ ኣሃዱ፡ ካብቲ ኣብ 2009 ዝተኻየደ ኣካታዒ ፕረዚደንታዊ መረጻ ጀሚሩ፡ ጸረ-መንግስቲ ንዝዀነ ተቓውሞታት ኣብ ምጭፍላቕ ብቐንዱ ክነጥፍ ጸኒሑ ኣሎ።